14.1 C
London
Monday, May 6, 2024

Buy now

spot_img

ዋዕላ ዓለምለኻዊ ምንቅስቃስ ይኣክል ኤርትራውያን ዋሽንግተን ዲሲ 10 ሰነ 2023

“ንውሑስ መጻኢ: ንቃለስ ኣንጻር ሓደ ጸላኢ” ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተፈላለያ ኸተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክካየድ ዝቀነየ ሰሚናራት ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ: ብዕለት 10 ሰነ 2023 ናይ መወዳእታ ዕዶቱ ኣሰላሲሉ። እቲ ብቀዳም ቅድሚ ቀትሪ ጀሚሩ ክሳብ ሰንበት ሰዓት ሰለስተ ወጋሕታ ዝተኻየደ ዋዕላ ብዙሕ መደባት ዝሸፈነ’ዩ ነይሩ::

መደብ ወዕላ ዲሲ ብመራሕ መደብ ብኣቶ ተመስገን ብመሳጥን ኣነቃቃሕን ቃላት ድሕሪ ምጅማር ኣ/ወንበር ከተማ ዲሲ ኣቶ ፍሊጶስ በርሀ ሓጺር መእተዊ ብምግባር ናብ ዝክረ ሰማእታት ኣመሓላሊፉ ከፊትዎ:: ብድሕሪኡ ዝተሰላሰለ ክፋል እቲ ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ኣሜሪካ ክካየድ ዝቀነየ ብዓለምለኸ ምንቅስቃስ ይኣክል ዝተወደበ ዑደት መሪሕነት ይኣክልን ጸብጻባቶምን ቀሪቡ::
ብቀዳምነት ኣቦንበር ኣቶ ልኡል ዘውደ ብዓለም ለኸ ምንቅስቃስ ይኣክል ዝተላእከ ናይ ሰላምታን ሰናይ ትምኒትን መልእኽቲ ኣንቢቡ: ብምቕጻል ኣቶ ገብራይ እንድሪያስ ኣብ ባህሊ: ስነጥበብን ያታዊ ኣበሃህላታትን ሃገርና ዝምልከት ጽሑፍ ኣቕሪቦም::

ቀጺሎም ናብ መድረኽ ዝኣተው ኣካየድቲ ሰሚናር ኣቶ ልኡል ዘውደ ኣቦ መንበር ባይቶ ይኣክል ሕ/መ/ኣ ወሃቢ ቓል
ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል (ማእከላይ): ኢንጅነር ሓሚድ ሳልም ሓላፊ ክፍሊ ስትራተጂካዊ ውጥንን ዓንዲ ሕግን ባይቶ ይኣክል ሕ/መ/ኣመሪካ (የማናይ)፡ ኣቶ ዓወት ጽሃየ ም/ክ ኣቦ ወንበርን ባይቶ ይኣክል ሕ/መ/ኣመሪካን ሓላፊ ዲፕሎማሲ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ ይኣክል (ጸጋማይ) ብተኸታታሊ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም::
ኣቦ ወንበር ልኡል ሓፈሻዊ ስእሊ ምንቅስቃስ ይኣክል ኣቅሪቡ::
ይኣክል ብኸመይ ተበጊሱ: ሒዝዎ ዘሎ ዕላማ: ዝርገሐ ስፍሓቱ: ዝሓለፎም መድረኻት: በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ: ብኸመይ ውዳበ ይሰርሕ ብግሎባል ይኹን ብደረጃ ኣሜሪካ ሓፈሻዊ ኩነታት ፖለቲካ ዓድና ብመዳይ ደምበ ደለይቲ ፍትሕን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን እንታይ ይመስል መብርሂታት ድሕሪ ምሃብ መድረኽ ንኢንጅነር ሓሚድ ሳልም ሂብዎ::
ኢንጅነር ሓሚድ ድማ ድሕሪ ሰላምታ ርእሱ ምስ ተጋባእቲ ኣላልዩ:: እንጅነር ሓሚድ ቅድሚ ናብ መደቡ ምእታው ክልተ ነገር ገሊጹ::

ህዝቢ ኤርትራ መዳርግቲ ኣልቦ ዝኾነ ዋጋ ከፊሉ ዝተጎናጸፎ ሃገራዊ ናጽነት ኣለዎ: ኣጋጣሚ ኮይኑ ቀሲኑ ከይነብርን ሕጊ ዘማእዝና ሃገር ከይትህልዎን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ነፊግዎ ይርከብ: ነቲ ከቢድ ዋጋ ከፊልና ዝረኸብናዮ ሃገራዊ ናጽነት ዓቂብና ንኹሎም ጸይቅታት ስርዓት ህግደፍ ንቃወም ድሕሪ ምባል ንህዝቢ ሱዳን ኣጋጢምዎ ዘሎ ውግእን ዘይንቡር ኩነታትን ድማ ሰላም ተመንዩ::
ብምቅጻል ኢንጅነር ሓሚድ ባ ዓለምለኸ ምንቅስቃስ ይኣክል ክምስረት ከሎ ዝሓዘን ሰለስተ ነገራት ምንባረን ንዕአን ድማ በብመድረኹ ይሰርሓለን ከምዘሎ ኣብሪሁ:: እተን ሰለስተ ዝኣልየና ወይ ዘማእዝነና ዝበልናየን:: ሕጊ ክህልወና: ዕላማና እንፍጽመሉ መርሓ ጎደና ክህልወናን ምንጻሩን ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ ኩሎም ፍትሒ ዝደልዩ ሃገራውያን ሓይልታት ጽምዶ ሰሪሕካ ኣንጻር ሓደ ጸላኢ ምግጣም እየን ዝብላ::

Global Yiakl Symposium
Global Yiakl Symposium

እታ ቀዳመይቲ ኣብቲ ጉባኤ ዝፈጽምናሉ ተማሊኣ እተን ዝተረፋ ግን በብመድረኻት ይስረሓለን ኣሎ:: ንሱ ንዘለና ራእይ ንምፍጻም ዘጋጥሙና ብድሆታት ቀለልቲ ኣይኮኑን ግን በብእዋኑ ገምጋማት እናገበርና ናብ ዝሓሸ መድረኽ ከነብጽሖም ንሰርሕ ኣሎና ኢሉ:: ክሳብ ሕጂ ኣብቶም ክልተ መድረኻት ንሰርሕ ኣሎና ብኸመይ መገዲ እዞም ዘለው ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ሓቢሮም ይሰርሑ ካብኡ ሓሊፎም ድማ ብኸመይ መገዲ ናብቲ ግብራዊ መድረኽ ይሰግሩ ዝብል ዛዕባ ብዝርዝር ገሊጹ:: ከምኡውን ባይቶ ይኣክል ሕ/መ/ኣ ይኹን ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ ይኣክል በብግዚኡ ገምጋም እናገበሩ ቅርጺ ኣወዳድባን መደባት ስራሕን ከም ዘመሓየሹ ሓቢሩ:: ንዝበለጸ ድማ ኣብ ኩሉ ስራሕና ንዝሓሸ ለውጢ ዝጎደሉና ነማልኣሉ መገድታት እናአናደና ክንሰርሕ ኢና ብምባል መደቡ ዛዚሙ::
ብድሕሪ እዚ ኣቶ ዓወት ጽሃየ መድረኽ ተቀቢሉ:: ዓወት ዘተኮረሎም ዛዕባታት፡
• እይን ተልእኾን ይኣክል ብኸመይ መገዲ ነዐውቶም
• ኤርትራውያን ክሳብ ዝኾና ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ብሓላፍነት ምስራሕን ህዝባዊ ዕላማናን ምዕዋትን፡
• ዲፕሎማሲ ኣብ ውሽጥኻ ጥራይ ዝስራሕ ስለዘይኮነ ብኸመይ መገዲ ብምሉእና ተሳተፍቲ ንኸውንን ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎንና ነሰልፎን እዩ::
ራኢይናን ተልእኾናን ከም ዘነጽሮ ዓለም ለኸ ይኣክል ኣብ 11 ሃገራት ተዘርጊሑ ኣሎ:፡ ብኡ መሰረት ድማ ዲፕሎማስያዊ ብልጭኡ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ: ቅድም ኣባላቱ ኩሎም ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ክዓሙ ሓበሬታን ዕጥቅን ሞራልን የስንቕ። ብምቅጻል ድማ ጉዳይ ኤርትራ ጉዳይ ኩልና ኤርትራውያን ስለዝኾነ ስፍሓቱ የዕቢ: ኣብኡ ከይተሓጽረውን ምስ ጎረባብትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ዝምድንኡ ብምሕያል ንስርዓት ህግደፍን ማሓውራቱን ይብድህ ብምባል ገሊጹ::
ቀጺሉ’ውን መገዲ ምስ ወዲ ዓዲ ከምዝብሃል ኣብ መዳይ ድፕሎማሲ ነዊሕ ተመክሮ ዘለዎም ኤርትራውያን ብሓባር ብምስራሕ ጉዳይና ነሳልጥ ኣሎና ኢሉ:: ክሳብ ሕጂ ዝተሃፈሱ ዓወታት ክገልጽ ከሎ: ምስ ቤ/ጽ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጽቡቅ ዝምድና ከምዝተመስረተን ሓያሎ ስርሓት ከምዝተሰርሐን ገሊጹ: ምስ ኣውሮጳዊ ሕብረት: ሕብርት ኣፍሪቃ: ኢጋድን ካልኦትን ዓበይቲ መንግስታውያን ትካላትን ብቐረባ ከምዝሰርሑ ንዝበለጸ ንምሕያል ድማ ይሰርሑ ከምዘለው ገሊጹ::
ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ዝምልከት ድማ ብዝተፈላለየ መገዲ ይነጥፉ ምህላዎም ገሊጹ: ብፍላይ ድማ ብይኣክል ዝቖመት ዘይመንግስታዊ ትካል ኤሪ ይአክል ፋዉንደሽን ካብ ህዝቢ ዝተረኽበ ሓገዝ ብምትሕብባር ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ግዝያዊ ጸገማት ከምዝተፈትሐ ኣብሪሁ:: ኤሪ ይአክል ቅድሚ ሕጂ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝተዋጽአ ገንዘብ ንኤርትራውያን ስደቴኛታት አብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ግብጽን ሊብያን ዝነበሩ ሓጊዙ። አብዚ ዝሓለፈ ዓመት ውን ልዕሊ 4 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ረኺቡ እንሆ ንኤርትራውያንን ካልኦት ስደተኛታት አብ ሱዳን ዝርከቡ ሕክምናዊ አገልግሎት ይህብ አሎ።
ቀጺሉውን ኣቶ ዓወት ብዕለት 06/09/2023 ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ቤ/ጽ ወጻኢ ጉዳት ኣሜሪካ ንሓደ ሰዓትን ዕስራ ደቂቅን ዝኣክል ኣብ ብዙሕ መዳያት ፖለቲካ ሃገርና: ማሕበራዊ ህይወት ህዝብና: ዲፕሎማስያዊ ዕብዳን ስርዓት ህግደፍን ገንዘባዊ ምዝመዛ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ወዘተ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ብሰፊሕ ከምዝተመያየጡ ክገልጽ ከሎ: ብወገን እቶም ልኡኻት ቤ/ጽ ወጻኢ ጉዳያት ድማ ብዛዕባ ኤርትራ ዓሚቅ ፍልጠት ከምዘለዎም ኣብ ቀረባ ግዜውን ንኤርትራ በጺሖም ከምዝነበሩ ኣተንቢሆም:: ኣቶ ዓወት ኣብ መወዳእታ መደርኡ ቅልጡፍ ዓወት ንምምዝጋብ ሓቢርና ንስራሕ ኢሉ::
ድሕሪ ጸብጻብ ስራሕ መሪሕነት ምንቅስቃስ ይኣክል: ካብ ህዝቢ ሓያሎ ሕቶታትን ርእይቶታትን ቀሪቡ:: ነቶም ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ተዋሂብዎም እቶም ርእይቶታት’ውን ከም ርእይቶ ህዝቢ ተታሒዞም:: ኣብዚ ቁሩብ ክጥቀስ ዝኽእል ምስ ግዜ ሕጽረት ኩሉ ህዝቢ ክሓትት ኣይክኣለን::

Global Yiakl Syposium Panelists
Global Yiakl Syposium Panelists

ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ መድረኽ ኣቶ ፍሊጶስ በርህ ሓላፊ ኤሪ ይኣክል ፋውንዳሽን ዝርዝር ጸብጻብ ስርሖም ኣቕሪቡ:: ንሱ ካብ ህዝብን ካብ ገበርቲ ሰናይ ለገስቲ ትካላትን ዝተዋጽአ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ገንዘብን ንዋትን ናብ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ዜጋትትና ከምዘብጽሑ ብዝርዝር ሓቢሩ:: ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ 6 መዓስከራት ስደተኛታትን ኣዲስ ኣበባን: ኣብ ሱዳን ዝርከባ መዓስከራትን ካርቱምን: ኣብ ግብጺ: ልብያን ካልእን: ከምኡውን ብኤርትራውያን ዶክቶራትን ነርሳትን ትእለ ክልኒክ ከፊቱ ክሳብ 100,000 ህዝቢ ይግልገለላ ኢሉ:: ካልእ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ብኩናት ዝሰንከሉ ዜጋታትና ዊልቸርን ካልእ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝተገብረሎም: ከምኡውን ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ሕጽረት ባጀት

መምህራን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከቋርጹ ዝተሓስበ ንሽድሽተ ወርሒ ደሞዝ መምህራን ብምኽፋል ክቅጽል ተኻኢሉ ክብል ገሊጹ:: ብድሕሪዚ ናብ ናይ ምሳሕ እንግዶት ከተማ ዲሲን ከባቢኣን ተሰጊሩ::
ድሕሪ ምሳሕ’ውን ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታን ተመኩሮን ዘለዎም ተቃለስቲ ኤርትራውያን ኣብ ክልተ መደብ ተኸፊሎም ምይይጥ ኣካይዶም:: እቲ ቀዳማይ ክፋል ብሓው ተወልደ ስእለ እናተኣልየ ዶ/ር ሳባ ተ/ዮውሃንስ: ዶ/ር ዮናታን ጽገ: ኣቶ ክብርኣብ ይመስገንን ኣቶ ናኦድ በላይን ዝርከብዎ ኣዝዩ መሳጥን መሃርን ምይይጥ ተኻይዱ::

ገለ ካብቲ ዝተላዕለ ዛዕባታት መንእሰያትና ዘጋጥሞም ዘሎ ባህላውን ዘይንቡር ሞራላውን ውድቀታት ብሓፈሻውን እዚ ተርእዮ ከም ህዝቢ ኣብ ዘይንቡር ንነብር ኣሎና:: ኣመጻጽእኡን ሳዕቤናቱን ኣፈታትሕኡን ዝምልከት ብኣቶ ክብርኣብ ይመስገን ብኣብነታት ዝተሰነየ ጉሩም ኣስተምህሮ ኣመሓላሊፉ::
ኣብ ዲፕሎማሲ ዓለም ዘለና ብልጫን ድኽመታትን ኣፈታትሕኦምን: ከምኡውን ምስ ኣምባሳዶር ማይክ ሃመር ዝተገብረ ርክብ ዝምልከት ብዶ/ር ሳባ ተ/ዮሃንስ ሰፊሕ መብሪሂ ተዋሂቡ:: ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘሎ ኣተሃላልዋ ወይ ኣተሓሕዛ ጉዳያትና ውጺታዊዶ: እንተዘይኮይኑ ብኸመይ እዩ ክትሓዝ ዝግብኦ: ኣብዚ ጉዳይ ተራ ሜድያታት እንታይ ክመስል ይግባእ ኣብ ዝብል ዛዕባ ዶ/ር ዮናታን ጽገ ሚዛን ዝሓለወ ግን ድማ ፍታሕ ከምጽእ ብዝኽእል ኣገላልጻ ኣቕሪብዎ:: ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ክፋል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትና ዝወጹ ጽሑፋት ይኹኑ ተንቀሳቃስቲ መግለጺታት ብልክዕዶ ንጸገማትና ይገልጹ ውጽኢቶምከ ኣድማዕትዶ ኣለው? ከምኡ’ውን እዚ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙና ዘሎ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ንዕኡ ዝመስሉ ኣብ ካልኦት ሃገራት ተራእዮምዶ ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣቶ ናኦድ በላይ ብዝምስጥ ስምዒት ብምንጽጻር መብርሂ ሂብሉ:: ንዝርዝር መልእኽትታት ተዛተይቲ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ባይቶ ይኣክልን ኤሪሳትን ካልኦትን ተኸታተልዎ::

ቀጺሉ ዝቀረበ ካልኣይ ክፋል ምይይጥ ተዛተይቲ ሓያለ ዛዕባታት ኣልዒሎም እዮም ተመያይጦም በብዝመስሎም ድማ እዚ ቃልሲ ውጽኢት ክህልዎ መግለጺታት ሂቦም::
ኣቶ ሳልሕ ቃዲ ሓፈሻዊ ገምጋም ቃልስና ብኸመይ ይርአ: ኣብ ዝብል ዛዕባ ሕጽር ብዝበለ ከብርህ ከሎ: ኣቶ ሰንጋል ድማ ኣብ ደምበ ፍትሒ ብዙሕ ዓቕሚ እናሃለወ ከምቲ ዝግባእ የለን: ንኣድማዒ ስራሕ ብኸመይ መገዲ ሓቢሩ ክሰርሕ ይኽእል: ንዝብል ዛዕባ ኣብርሁ:: ድሕሪኡ ኣቶ ስብሓት በርሀ: እዘን ዘለዋ ውድባት ዕውት ቃልሲ ከካይዳ እንታይ ዓይነት ኣገባብ ክጥቀማ ኣለወን: ንዝብል ሕቶ ኣብሪሁ:: እንጂነር ሓምድ ሳልምውን ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘለው ተቃለስቲ ተውህቦታቶም ብምልላይ ኣብቲ ዝግባእ ስፍርኦም ብኸመይ ነቐምጦም: ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ኣብሪህዎ:: ኣብ መወዳእታ ኣቶ ሰለሙን ገ/የሱስ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ምስ ዝእለ ብቅጽበት ክንትክኦ ንኽእልዶ? እንተዘይኮይኑ እንታይ እዩ ክግበር ዘለዎ? ንዝብል ሕቶ መብርሂ ሂብሉ። ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ሕቶታቶም ተመሳሳሊ ስለዝነበረ ንሓድሕዶም እናተመላልኡ እዮም ዝምልስዎ ነይሮም::
ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ድማ ኣብ ዝነጸረ ዕላማ ሓቢርካ ምቅላስ ኣማራጺ ዘይኮነስ ግዴታ እዩ ክብሉ ደምዲሞም: ምእንቲ ክንዕወት ብሓባር ንቃለስ ሓቢርና ክንነብር ድማ ንክኣኣል ኢሎም::
ኣብ መዛዘሚ ካብ ሃገረ ካናዳ ብመኪናን ነፋሪትን እንዳኣቋራረጸ ኣብ’ዚ ድሙቕ ዕለት ዝተሳተፈ ምኽትል ኣቦ መንበር ኣቶ ገዛኢ ሓጎስ መዕጸዊ መልእኽቲ ሂቡ። ኣቶ ገዛኢ ኣብ መልእኽቱ ንሕና ኤርትራዉያን ብግቡእ ዘይገለጽናዮ እንተኾይኑ እምበር ኣብ ልዕሌና ዘይተፈጸመ ገበን የለን ክብል ብኣብነታት ኣሰንዩ መልእኽቱ ሂቡ። ካብ ማእሰርትን ግህሰት ሃይማኖታዊ መሰለታን መሳኻኽር የሀዋ ጀሚሩ ኣብ መራሕትን መእምመናን ሃይማኖታት ምስልምና፡ ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክ፡ ጴንጠቆስጠን ካልኦት ወንገላዉያን ኣብያተ ክርስትያናትን ህያዉ ኣብነታት ኣቐሚጡ። ካብ ግዜ ሰዉራ ኣትሒዞም ተኣሲሮም ብእሱራቶም ኣስመራ ኣትዮም ከንሶም ጽርግያታት ኣስመራ እዉን ዘይራኣዩ ከምዘሎዉ ገሊጹ። ብምቕጻል ንመንገስቲ ነቒፍኩም ተባሂሎም ስጋብ ሕጂ ሃላዋቶም ዘይፍለጥ ገዳይም

ተጋደልቲ፡ ጋዜጠኛታት ብሕቲ፡ ምኒስተራትን ካልኦትን ክንዝክሮም ይግባእ ክብል ኣተሓሳሲቡ። ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ዝፍጸመላ፡ ህዝባ ብፍርሕን ሽቑረራን ዝነብረላ፡ ቅዋም ኣልቦ ሃገር ምዃና ድሕሪ ምሕባር፡ እዚ ናይ ምቕያር ግዴታ ዘለና ንሕና ደቃ ኢና ክብል መረዳእታኡ ድሕሪ ምሃብ፡ እዚ ድማ በብዉልቀ ዉድብና ወይ ጥርናፈና ሒዝና ዘይኮነስ ሓቢርና ምስ እንሰርሕ ኢና ነዕዉቶ ኽብል ጻዉዒቱ ንኹሎም ሰብ ብጽሒት ኣመሓላሊፉ።
ድሕሪ መሳጥን መሃርን ምይይጥ ተዛተይቲ ክልቲኡ ክፋላት ናብ ድራር ተሳጊርና ድሕሪ ድራር ድማ ልክዕ ሰዓት 11 ድ/ቀ ናይ መወዳእታ መደብ ዋዕላ ምንቅስቃስ ይኣክል 2023 ዲሲ ተጀሚሩ:: ኣብቲ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ኣዝዮም ህቡባት ስነ-ጥበባውያን ተረኺቦም ኣድሚቆሞ:: ተጋዳሊት ድሃብ ፋይትንጋ: ዮውሃንስ ትካቦ (ወዲ ትካቦ): ቬሮንካ ሰለሙንን ሮቤል ሚካኤል ዝርከብዎም ሓያሎ ስነጥበባውያን ዝተሳተፍዎ ምዕሩግ ምሸት ነይሩ:: ክሳብ ሰዓት 3 ወጋሕታ ድማ ተኻይዱ:: ኣብዚ መደብ ንተጋዳሊት ደሃብ ፋይቲንጋ ኣዝዩ ግሩም ዝኾነ ኣቀባብላ ተኻይዱላ ንሳውን ምስ ኩሎም ብጾታ ኮይና ንመንፈስ ቃልስና ዘሕድስ ጣዕሚ ዜማታት ኣቕሪቦም:: ደሃብ ፋይትንጋ “ኣነ ካብ ባርነት ስርዓት ህግደፍ ነጻ ዝወጻእኩ ንህዝበይ ጥራይ ዘገልግል እየ ክትብል ተዛሪባ::”
ንጽባሒቱ ሰንበት 11 ሰነ 2023 ውን አብ ከተማ ሎረል መሪላንድ ካብ ሰዓት 12 -6 ናይ ምሸት ወለዲ ደለይቲ ፍትሒ ምስ ደቆም ዝተረኽብሉ ጽቡቅ ግዜ አብ መዛነግዒ ቦታ ፒክኒክ አሕሊፎም።
ብኸምዚ ምዕሩግ ኣፈጻጽማ ድማ ዋዕላ ምንቅስቃስ ይኣክል 2023 ዲሲ ተዛዚሙ::

ክፍሊ ሜድያ ምንቅስቃስ ይኣክል ሕ/መ/ኣ
ኤፍሬም እምባየ

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,550SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles