5.4 C
London
Saturday, April 27, 2024

Buy now

spot_img

መግለጺ ደገፍን ብርጌድ ንሓመዱ – ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኣውስትራልያ

እዚ ቅንያት እዚ፡ እቲ ንኤርትራ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ብዘይ ሕግን ሕገ መንግስትን ብሓይሊ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ውልቀመላኺ፡ ብስም ባህላዊ ፌስቲቫላት በቲ ሓደ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ብጓይላን ሃይሃይታን ኣደንዚዙ ካብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገሩ ከርሕቖ፡ በቲ ካልእ ድማ ነቲ ሃገር ደኒሱ ዘሎ ስርዓቱ ዝምውልሉ ገንዘብ ክእክብ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ እዋን እዩ።

እዚ መደባት እዚ በቶም ወደብቱ ፡ ንምምሕዳራት እተን ዝካይደለን ከተማታት ከም ጽልዋ መንግስቲ ዘይብሉ ነጻ ኮማዊ ፌስቲቫል ክቐርብ ዝፍተን እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ብዓል ውራይ ዝኾነ ደጋፊ ዓመጽ ይኹን ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ግን ምሉእ ብምሉእ በቲ ስርዓት ተሃንዲሱ፡ እቲ ስርዓት ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ጌሩ ብዝህቦ መምርሒ ዝምእዘን ምዃኑ ከም ጽሓይ ቀትሪ ብሩህ እዩ። መሪሕ ቴማ ናይ ፌስቲቫል እንታይ ይኹን፡ ኣብዚ እኼባ መን ይሳተፍ መንከ ይኽልከል፡ መን ደራፋይ ይዕደም፡ መን እንታይ ይሓትት፡ ኣየናይ ልኡኽ እቲ ስርዓት ይርከብ ብዛዕባ ምንታይ ይዛረብ ኩሉ ካብቲ ስርዓት ብዝወርድ መምርሒ እዩ ዝካየድ።

እዚ ፌስቲቫላት እዚ ብዙሕ ጻዕርን ገንዘብን ዝፈስሶ፡ ነቲ ፈታው ሃገሩ ዝኾነ ኤርትራዊ ሓንሳብ ዘየለ ተስፋ መደባት ልምዓት፡ ካልእ ጊዜ ድማ ዘየለ ወይ ስርሐይ ኢሉ ዝሃንደሶም ሓደጋታት ሃገር እንዳኣቕረበ፡ መወዳእታ ኣብዘይብሉ ተስፋን ስግኣትን ብምሽማም፡ ብዛዕባ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ኩነታት ሃገሮም ከምዘይሓቱ ብምግባር ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሓሉ ፍቱን መሳሪሒ እቲ ገባቲ ስርዓት እዩ።

ከምዚ ስለዝኾነ ክኣ፡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣትሒዞም ኣንጻር እዚ ፌስቲቫላት ክጉስጉሱን፡ ተቓውሞኦም ከስምዑን ጸኒሖም እዮም። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ግን ብሽም ብርጌድ ንሓመዱ ዝንቀሳቐሱ ብዝሒ ዘለዎም ዝተረድኦምን ዝተወድኦምን ኤርትራውያን መንእሰያት እቲ መባእታዊ መሰልና ሓሪሙ ካብ ንፈትዋ ሃገርና ናብ ስደት ዝፈረደና ስርዓት፡ እግሪ እግርና ስዒቡ ብሽምና ብጉልባብ ነጻ ማሕበረኮም ኤርትራውያንን ፕሮፓጋንዳኡ ክነዝሕ፡ ብሓይሊ ገንዘብን ብምፍርራሕን ኤርትራውያን ክፈላሊ፡ ካብ ጁባ እቶም ግዳያቱ ዝኾንና ስደተኛታት መደልደሊ ስርዓቱ ገንዘብ ክእክብን ኣይንፈቅድን ብምባል ብትብዓት ገጽ ንገጽ ይብድህዎ ኣለዉ።

ከም ኣብነት ብዕለት 7-8 ሓምለ ኣብ ከተማ ጊሰን፡ ሃገረ ጀርመን ዝነበረ ፌስቲቫል እቲ ዓማጺ ስርዓት፡ ከም ኣመሉ ጥቓ ሓቂ ዘይቀረበ “ቅያ ስጡም መስርዕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ባዶሽ ቴማ ዘዳለዎ መደብ ብኣባላት ብርጌድ ንሓመዱን ኣብ ጎኑ ብዝተሰለፉ ደለይቲ ፍትሕን፡ ልዕሊ ትጽቢቱ ዝኾነ ብድሆ ገጢምዎ፡ ሰፍ ዘይብል ፖለቲካውን ገንዘባውን ክሳራ በጺሕዎ ኣብ ዘይስዓቱ ከምዝፍጸም ኮይኑ እዩ። እቲ ብልዕሊ 1000 ፖሊስ ጀርመን ተሓልዩ ዝተጀመረ መደብ፡ ብምኽንያት እቲ ተብዓት መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ዘካይድዎ ተቓውሞ ኣቓልቦ መላእ ዓለም ስሒቡ፡ እተን ኣዝየን ዓበይቲን ተነበብትን ማዕከናት ዜና ዓለምና ከይተረፋ ነቲ ፍሹል መደብ፡ “ፌስቲቫል ዲክቴተር” “ፌስቲቫል ሕፍረት” እንዳበላ፡ ነቲ ዝገጠሞ ተቓውሞ ክጽብጽብኦ ውዒለን እየን። ሕሉፍ ሓሊፉስ፡ እቲ ኣብታ ኩሉ መራኸቢ ብዙሃን ሎኪቱ ብዘይካ ፕሮፓጋንዳ ምልኪ ካልእ ከይትሰምዕ ክገብራ ዝፍትን ኤርትራ፡ ተቓወምቲ የብለይን ንምባል ስም ደለይቲ ፍትሒ ከየልዕል ዝጥንቀቕ ስርዓት ነቲ ዝወረዶ ሰፍ ዘይብል ውርደት ንምሽፋን፡ ብርጌድ ንሓመዱ ልኡኻት ጸላእቲ ኤርትራ እዮም ዘስምዕ ሓተታ ክምህዝ ተገዲዱ እዩ። ብዕለት 15 ሓምለ’ውን ኣብ ከተማ ለንደን፡ ዓባይ ብርጣንያ ተዳልዩ ዝነበረ ፌስቲቫል እቲ ስርዓት ብሓያል ተቓውሞ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ፡ ብምምሕዳር እቲ ከተማ ተሰሪዙ ኣሎ።

ብርጌድ ንሓመዱ ንፍርሒ ስዒሩ፡ ምእንቲ ህዝቡ ብዙሕ ዋጋ እናኸፈለ ኣንጻር እቲ ኩሉ ሃብቲ ሃገር ኣንጻር ህዝቡ ኣኽቲቱ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዝጽዕር ዘሎ መላኺን፡ መጋበርያታቱን ዘካይዶ ዘሎ ጥምጥም ወኒ ቃልሲ ኣሽሓት መንእሰያት ኣለዓዒሉ፡ ከም ዘሎ ኩሉ ዝዕዘቦ ዘሎ ሓቂ እዩ። መልእኽቲን ምሕጽንታን ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ከተማታትት ኣውሮጳ ኣድህቦ ረኺቡስ፡ ድሮ ምምሕዳራት ገለ ከተማትት “ፌስቲቫል ዲክቴተር ኣይነስተናግድን” ክብላ ይስምዓ ኣለዋ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ መንእሰይ ውን ንተበግሶን ትብዓትን ተወፋይነትን ብርጌድ ንሓመዱ ይከታተሎ ከም ዘሎ ይስማዕ ኣሎ፡ ምስ ግዜ ድማ ኣካል ናይዚ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከምዝኸውን ርግጽ እዩ።

ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣብ ቃልሲ ደንበ ፍትሒ ዝፈጥሮ ዘሎ ድርኺት ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ስለዚ ድማ ንሕና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኣውስትራልያ፦

  1. ንብርጌድ ንሓመዱን ነቲ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ደገፍና እንዳገለጽና፡ ብሞራልን፡ ገንዘብን፡ ኩሉ ዘድሊ ካልእን፡ ኣብ ጎድኑ ደው ከም እንብል ነረጋግጽ።
  2. ብርጌድ ንሓመዱ፡ ነቲ ንኹሉ ኤርትራዊ ተስፋ ኣስኒቑ ዘሎ ቃልሶም፡ ውዳቤታቶም ኣብ መላእ ዓለም ከሐይሉን፡ ሓድነቶም ከደልድሉን ንላቦ።
  3. ኤርትራውያን ክኢላታት ሕጊ፡ ነዚ ብርጌድ ንሓመዱ ከፍርሶ ጀሚሩ ዘሎ ቀንዲ ፖለቲካዊ መሳርሒን ምንጪ እቶት እቲ ዓማጺ ስርዓት ዝኾነ ፌስቲቫላት ደው ንምባል ዝካየድ መስርሕ ናይ ሕጊ ብንጥፈት ክቕጽልዎ ንጽውዕ።
  4. ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንብርጌድ ንሓመዱ ብሞራልን፡ ምኽርን፡ ገንዘብን ከተባብዕዎ፡ ኩሎም መንእሰያት ኤርትራ ድማ ምስ እዞም ምዑታት ኣሕዋቶም ተጸንቢሮም፡ ዕድመ ምልኪ ኣብ ኤርትራ ክሓጽር እጃሞም ከበርክቱ ንላቦ።
  5. ኣብ መወዳእታ ድማ ነተን ኣብ ጎድኒ ደቀን ተሰሊፈን ብሞራልን እኽለማይ ብምቕራብን ንዓወት እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ወሳኒ ተራ ዝጻወታ ዘለዋ ኣዴታት ደለይቲ ፍትሒ ልዑል ምስጋና ነቕርብ።

ፍትሒን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ።
ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣውስትራልያ
16 ሓምለ 2023

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,540SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles