5.5 C
London
Saturday, April 27, 2024

Buy now

spot_img

ጋዜጣዊመግለጺ – ኣብ መላእ ዓለም ዘቃለሐ ኤርትራዊ ኒሕ

እቲ ብህግደፍ ዝውነን ፈስቲቫላት ጽልኢ 2023 ኣብ መላእ ዓለም ብዕሊ ፈሺሉ ኣሎ። እቲ ንዓመት መመላእታ ምድላው ዝግበረሉ፡ ብኣሻሓት ዶላራት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝምወል ናይ ዳንኬራ ፈስቲቫላትን መናድቕን ጽልእን ሓሸምሸም ኢሉ ኣሎ። እቲ ፈስቲቫላት ምግባሩን ዘይምግባሩን ካብ ወረ ሓሊፉ ዘምጸኦ ሓድሽ ነገር ደጊም የለን። ድምጽን ኒሒን ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ኤርትራን መላእ ዓለምን ኣቃሊሑ ኢዩ። እታ ብምልካዊ ስርዓት እትውነን ናይ ጽልእን ባርነትን ጠበንጃ ብወግዒ ኣብቂዓ ኢያ። እታ ተሪፋ ዘላ ሰፈር ጠበንጃ ጥራሕ ኢያ።

መንእሰያት ኤርትራ፡ ሕጂ`ውን ከም ቀደም ታሪኽ ኣቦታታቶም ይሰርሑ ኣለዉ። እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝስራሕ ዘሎ ታሪኽ፡ ጽባሕ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከም ዝድገም ብዘየማትእ ተራእዩ ኣሎ። እቶም ትማሊ ኤርትራዊ ዘየሎ ዝመስሎም፡ ደጊም ብሂወትን ኒሕን ከምዘሎ ርእየሞ ኣለዉ። ሳላቶም ዕሸል ዕድሚኦምን ግዜኦምን ከይበቐቑ በጃ ዝኾኑ መንእሰያት ኤርትራ፡ ገባቲ ስርዓት ኤርትራ ሕጋውነቱ ብወግዒ ኣጥፊኡ ኣሎ። ጊስን፡ ለንደን፡ ስቶኮልም፡ ስያትልን ቶሮንቶን ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዓቢ መቕይሮ ጌረን ኣለዋ። ንድሕሪት ዘይምለስ መቐይሮ!

እተን ሳሕቲ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒ ዝጽብጽባ ዝነበራ ውሩያት ናይ ዓለምና መራኸቢ ብዙሓን፡ ሓደ ብሓደ፡ ንውዕሎታት ኤርትራውያን መንእስያት ብዓውታ ይዛረባ ኣለዋ። እቲ ትማሊ ተደጒሉ ዝነበረ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ጎሊሑ ወጺኡ ኣሎ። ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ኢያ ትወጽእ ዝበሉ ኣቦታታና፡ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን።

ውዕሎታት መንእስያት ንጻላእቲ ጥራይ ኣይኮነን ዓቢ መልእኽቲ ሰዲዱ። እቲ ዝዓበየ መልእኽቱ ንህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኣብዚ ኣንጻር ፈሲቲቫላት ጽልኢ ዝነበረ ውዕሎ፡ ሓድነት ደለይቲ ፍትሒ ዝደመቐሉ ኣጋጣሚ ኢዩ ኔሩ። ዝሓበረ ቅልጽም ዓጋቲ ከምዘይብሉ ከኣ ደጊሙ ደጋጊሙ ኣመስኪሩ ኣሎ። ድሕሪ ደጊም እምበኣር፡ ንሓድነቱን ኤርትራዊ ኒሑን ዝዘርግ፡ ጸላኢኡ እምበር ፈታዊኡ ክኸውን ከቶ ኣይክእልን ኢዩ። ዕድመ ንኤርትራዊ መንእሰይ ወለዶ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ትምህርቲ ረኺቡ፡ ኣብ ኣፋፌት ዓወት ኣብጺሕዎ ኣሎ።        

ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ነዚ ብመንእስያት ዝቐርብ ዘሎ ፍትሓዊ ሕቶ ምሉእ ብምሉእ ደጋፊኡ ኢዩ። ምስ ኩሉ ኤርትራዊ መንእስይ ብምትሕብባር ከኣ፡ ንፍትሓዊ ሕቶ መንእስያት ኤርትራ ብሕጋዊ መንገዲ ክሳብ መወዳእታ ክኸዶ ኢዩ። ሕቶ መንእስያት ኤርትራ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሕጋዊ መንገዲ ኤርትራ እትበሃል ሃገር ዝፈጠረ፡ ሕጂ`ውን ብሕጋዊ መንገዲ ግዝኣተ-ሕጊ ዝነገሳ፡ ብልጽግትን ሕፍርትን ኤርትራ ክፈጥር ኢዩ።

እዚ ብመንእስያት ኤርትራ ወይ ድማ ብርጌድ ንሓመዱ ዝካየድ ዘሎ፡ ንሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምምላስ ቃልሲ፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ክድግፎን ኣብ መዓልብኡ ንምብጻሕ ብኹሉ ዝኽእሎ ክሕግዞን፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ጻውዒቱ የቕርብ። ኣብ ሰለማዊ ሰልፍታት ሓደ ሓደ ዘይተደላዪ ጎነጽ ከጋጥም ይኽእል እኳ እንተኾነ፡ ጎነጻዊ ተርእዮ ንኸይፍጠር ኣብ ምሕጋዙን፡ ፍትሓዊ ሕትኡ ብሕጋዊ መንገዲ ዝምለሰሉ መንገዲ ኣብ ምፍጣርን፡ ሓላፍነት ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። እቶም ኣብ ናይ ጽልኢ ፈስቲቫላት ዝሳተፉ ኤርትራውያን እውን፡ ካብ ኩሉ ጎንጽታት ወጺኦም ነቲ ኣብ ኤርትራ ዓስኪሩ ሽማግለታትን ህጻናትን ኣዴታትን ደም ዘንብዕ ዘሎ ገባቲ ስርዓት፡ ይኣኽለካ ክብሉ እዋኑ ሕጂ ምዃኑ ክስቆሮም ይግባእ። ዝኾነት ጥብ ትብል ደም ክሳራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ናይቶም ደም ዘንብዑና ዘለዉ እከያት ከምዘይኮነ ክስመረሉ ይግባእ።

በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መላእ ኤርትራ ዝነብር መንእሰይ ኤርትራ፡ ጻውዒትና ነቕርብ ኣለና። እቲ ዘይድፈር ዝመስል ዝነበረ ገባቲ ስርዓት፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ተፈንፊኑ ኣሎ። እቲ ዓመት መጸ፡ “ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ሃገራት ዓረብን ፈስቲቫላት ጌረ፡ ናይ ህዝቢ ደገፍ ኣለኒ” እንዳበለ፡ ኣብ መስኮት ተለቭዥን ኤርትራ ዝምካሕ ዝነበረ ስርዓት ደጊም ኣብቂዑ ኢዩ። ኣብ ኣስመራ ይኹን ካልኦት ከተማታት ኤርትራ፡ ክፍጠር ንዝኽእል ናይ መንእሰያት እምቢታ ክጻወር ዝኽእል ዓቕሚ፡ ፍጹም የብሉን። እምበኣርከስ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘለኻ መንእሰይ ኤርትራ፡ ጸላም ናይ ኤርትራ መሊኡ ክቕንጠጥን፡ ኣብ ኤርትራ ሰላም ክሰፍንን ከም መሳቱኻ እጃምካ ግበር። ከም ወትሩ ኣብ ጎንኻ ከምዘለና ከኣ ደጊምና ነረጋግጸልካ።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
6 ነሓሴ 2023      

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,540SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles