5.5 C
London
Saturday, April 27, 2024

Buy now

spot_img

ቃል ምንቅስቓስ ይኣክል ብምኽንያት ጉዳይ ኤሪሳት

ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንቲ፡ ጉዳይ ኤሪሳት ከም ዓቢ ዛዕባ ኮይኑ፡ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራውያን ብሒትዎ ኣሎ። እቲ ብወግዒ ዝፍለጥ፡ ጠንቂ ዘይምርድዳእ ኣካያዲ ስራሕን ቦርድን ንእሽቶ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ፍትሒ ቓልስን ተቓለስትን ክፈጥሮ ዝኽእል ዕንወት ግን ኣዝዩ ዓቢ ኢዩ። ኤሪሳት ብርግጽ ናይ ህዝቢ ትካል ኢያ። ከም በዓል ኤሪሳት ዝኣመሰላ ናይ ህዝቢ ትካላት፡ ብሰንኪ ንዓመታት ካብ ሃገራዊ ስራሕ ዝቦኸረ ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ቻይና፡ ክዓንዋን ካብ ስራሕ ክቦኽራን ከኣ ዘሕንኽ ኢዩ።

ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ብህዝቢ ዝጀመረ ንህዝቢ ዝቖመ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ኢዩ። ስለዚ፡ ኣብ ልዕሊ ኤሪሳት ዝወርድ ዝኾነ ይኹን ብድሆ ክካፈሎ፡ እንተኽኢሉ እውን ኣብ ምፍትሑ ኣበርክቶ ክገብር ግቡኡ ኢዩ። እታ ብክንደይ ጻዕሪ ዝሃነጽናያ እንኮ ናይ ህዝቢ ሜድያ ኣብ ሓደጋ ምእታው ማለት ከኣ፡ ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ምንዋሕን፡ ነቲ ኣብዛ ትካል ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ህዝቢ፡ ኢዱ ከም ዝስሕብ ምግባርን ኢዩ። ስለዚ፡ ጉዳይ ኤሪሳት ብውሕሉል ኣገባብ ክተሓዝን፡ እቶም ቀንዲ ሰራሕቲ ናይቲ ሞያ ከኣ ክስምዑን ይግባእ። ኣብዚ ውልቀ-ተወፋይነት ባይታ ጥዒሙሉ ዘሎ እዋን፡ ውፍያት ኣባላት ምኽሳር ነዚ ዘለናዮ ናይ ቃልሲ ሃዋሁ ዝምጥን ኣይኮነን።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
07 ጥሪ 2024

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,540SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles