9 C
London
Saturday, May 4, 2024

Buy now

spot_img

ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሮማ፡ ፍሰሓጽዮን ጴጥሮስ ናብ ከንቲባ (ኣመሓዳሪ) ከተማ ሚላኖ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ

Ref AM-YO/040-24
Roma, 12 Aprile 2024

ዝኸበርኩም ከንቲባ (ኣመሓዳሪ) ጁሰፐ ሳላ

ብዛዕባ ኣብ ዕለት 13 ምያዝያ ኣብ ኣዳራሽ ሳላ ጋሊ፡ ንኡስ ምምሕዳር3፡ ብሓደ ኣብ ኤውሮጳ ኣካል፡ ዕሉል ናይ ምጽላም ዘመተን ዕንወትን ኮይኑ ዝተዋፈረ ጉጅለ ዝካየድ ዘሎ መደብ ኣመልኪተ ክጽሕፈልካ ከለኹ፡ ዝስምዓኒ ስክፍታ ወሰን የብሉን።

እዚ ፍጻሜ’ዚ ብሓደ ትካላዊ ምምሕዳርን ፖለቲካዊ ሰልፊ ጥልያንን ማዕሪጉ ክካየድ ምርኣየይ ዓሚቕ ሓዘን ተሰሚዑኒ። እዚ ፍጻሜ’ዚ ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ፡ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝተፈጥረ ድልዱል ምሕዝነታዊ ዝምድናን ምትሕብባርን ዝግህስ ኢዩ።

ነዚ ተግባር`ዚ ዘካይድ ዘሎ ጉጅለ፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ሃገርና ትገብሮ ዘላ ናይ ምዕባለን ሰላምን ሃዋሁ ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ኣተኩሩ፡ ዘይምርግጋእን ምድንጋርን ንምፍጣር ዝዓዪ ዘሎ ኢዩ። ከምቲ (ንስኻ) ትፈልጦ፡ እዚ ጻዕርታት’ዚ ኣገዳሲ ምንባሩን፣ ሎሚ’ውን ኣብ ምርግጋእን ምምዕባልን ናይዚ ዞባ ብኣድማዕን ጭቡጥን ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ኢዩ። ገለ ኣብነት ንጥቃስ፡ ኤርትራ ዶባታ ከፊታ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ሱዳናውያን ብኣብነታዊ ኣቀባብላ ተአንግድ ከምዘላ በቶም ኣብ ሃገርና ዘለው ኣህጉራውያን ማሕበራት ዝምስከር ዘሎ ኢዩ። ስለዚ እዚ ምምሕዳር ከተማ ነዚ ጉጅለ እዚ ብምድጋፉ ናይ ሃገርና ክብሪ ንምንእኣስ ዝዓለመ ምዃኑ ብዓቢ ጣዕሳ ንርእዮ።

ኤርትራ እታ ሓንቲ ናይ ሰላምን ምርግጋእን ዋልታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃና ከስምረሉ ይደሊ። ኣብ ኩሉ ቀጸላታት ዘካየደቶም ግስጋሰታት ብሩሃትን (ርኡያት)፡ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ኣብነት ክቑጸሩ ዝኽእሉ ምዃኖምን፡ በቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣህጉራውያን ማሕበራት ይረጋገጽ ኣሎ።

እዚ ብምምሕዳር ከተማ (ሚላኖ) ዝማዕረገ ፍጻሜ’ዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ጽልኢ ተግባር መርኣያ ምዃኑ ንወስዶ። ከምኡውን ነቲ ክልቲአንን ሃገራት ዝከላኸላሉ (ዝኣምናሉ) ክብርታት ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ዝጻባእ ኢዩ።

(ካብዚ ብምብጋስ) እቲ ምምሕዳር ከተማ ነዚ ፍጻሜ’ዚ ንምድጋፍ ወሲድዎ ዘሎ ውሳኔ ብጥንቃቐ ዳግመ ግምት ክገብረሉን፣ ኣብቲ ኣዳራሽን ብናትኩም ደገፍን ንከይካየድ ዘድሊ ስጉምቲ ክትውስን ይሓትት።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኣወንታውን ሃናጽን ዝምድና ክሕሎ (ክቕጽል) ከምትጽዕር ይተኣማመን።ናይ ክልቲኡ ሃገራት ረብሓታት ዝሕልዉ ፍታሓትን ምትሕባብርን ንምምዕባል፡ ዘድሊ ዘተ ንምክያድ ቅሩባት ኢና።

መልሲ እንዳተጸበኹ ኣኽብሮታዊ ሰላምታ ይብጻሕካ
ማሕተም ኤምባሲ ኤርትራ ሮማ
ፍሰሓጽዮን ጰጥሮስ መንግስቱ
ትርጉም ብይኣክል ሃገረ ጥልያን

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,550SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles