5.4 C
London
Saturday, April 27, 2024

Buy now

spot_img

ምንቅስቓስ ይኣክል፡ መበገሲ ዕላማኡ ዘይቀየረ፡ ብውክልና ህዝቢ ዝምራሕ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኢዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ብዙሓት ብዛዕባ ምንቅስቓስ ይኣክል ቅንጣብ ኣፍልጦ ዘይብሎም ሰባት፡ ኣብቲ ዋና ዘይብሉ ማሕበራዊ ሜድያታት እንዳመጹ፡ “ይኣክል ሞይቱ ኢዩ።”፡ “ይኣክል ዕላማኡ ቀይሩ ኢዩ።”፡ “ይኣክል፡ ካብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ወጺኡ ናይ ውድብ ተቐይሩ ኢዩ።”፡ “ይኣክል፡ ብወያነ ዝምወል ትካል ኢዩ።”፡ ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ክፍልም እንከሎ ኣትሒዙ፡ ኣንጻር ሓደ ጸላኢ ዝቀነዐ ዕላማን መልእኽትን ስለ ዝነበሮን ዘለዎን ከኣ፡ ካብ ጎናዊ ዝኾነ ናይ ምጥቅቓዕ ባህሊ ክሕየብ ኢዩ መሪጹ። ይኹን እምበር፡ ምእንቲ እቲ ዕላማ ክብል ከምኡ ምምራጹ፡ ስኒ ከምዘይብሉ ጌሮም ዝቖጽርዎ ሰባት ግን ኣይተሳእኑን። እቶም ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰለ ንፉስ ዝኾነ ዘረባ ዘኮማስዑ ከኣ፡ ብጀካ ካብቶም ጸላእቲ ኢልና ዘቐመጥናዮም ወገናት፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ወገን እንጽበዮ ኣይነበረን። “ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ኣለዎ” ኢሎም ካብ ዝምጉቱ እሞ ከኣ፡ ትጽበዮ ዘረባ ኣይኮነን። “ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ኣለዎ” ኢልካ ምዝራብን፡ ምእንቲ ፍትሒ መስዋእቲ ምኽፋልን ግን ክልተ ዝተፈላለዩ ኢዮም። ስለዚ፡ ኩሉ ፍትሒ ይደሊ ኣለኹ ዝብል ኣካል ድምጺ ናይ ጸላእቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ኩሉ ክግንዘቦ ይግባእ።

ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ኣብ ዓሰርተ ሓደ ሃገራት ዝተዘርገሐ፡ ካብ ዓሰርተ ሓደ ሃገራት ወከልቲ ጌሩ፡ ዓለምለኻዊ ባይቶ ዝፈጠረ፡ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ፡ እቲ ዝዓበየ ኣለና እንብሎ ሃገራዊ ትካል ኢዩ። ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ህዝቢ ባዕሉ ዝፈጠሮ ትካል እምበር፡ በቶም ሕጂ ከም ኣባላት ባይቶታት ኮይኖም ዘማእክልዎ ዘለዉ ሰባት ዝቖመ ኣይኮነን። ናይ ይኣክል ምህላውን ዘይምህላውን ከኣ፡ ብስርሑ እምበር፡ በቶም ናይ ማሕበራዊ ሜድያ ከታሮ ዝምዘን ኣይኮነን። ማሕበራዊ ሜድያ መምዘኒ ኔሩ እንተዝኸውን፡ ስርዓት ኢሳያስ ቅድሚ 15 ዓመታት ካብ ስልጣን ምስ ተወገነ ኔሩ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ከም ኩሉ ናይ ዓለምና ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ ኣለዎ። ኣብ ጉዕዝኡ፡ ክብን ለጠቕን ከርኢ ከኣ ባህርያዊ ኢዩ። ምንቅስቓስ ይኣክል ካብዚ ተርእዮ እዚ ነጻ ክኸውን ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ፡ ንባህሪ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዘይምፍላጥ ወይ ድማ ክትፈልጥ ዘይምድላይ ጥራይ ኢዩ።

ዕላማታትን መትከላትን ይኣክል ዛጊት ቅንጣብ ለውጢ ኣይገበረን። ኤርትራ ሃገርና፡ ፍትሒ ዝሰፈና፡ ልኡላውነታ ዝዓቀበት፡ ሓድነት መላእ ህዝባ ዘረጋገጸት ሃገር ክትከውን ለይትን መዓልትን ከይደቀሰ ዝሰርሕ ይሰርሕ። ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን እዋን ብልኡላውነት ኤርትራ ኣይዋገን፡ ምስ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ወገናት እውን ኣይሰርሕን ኣይላዘብን። እዚ ንጹር መስመር እዚ፡ ኣብ ሰነዳቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝገብሮም ናይ ቃላት ርክባት እውን፡ እንዳኣንጸባረቐ ኢዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ንኽሪእን ክሰምዕን ዝደሊ ዝኾነ ይኹን ወገን ከኣ ሕቡእ ኣይኮነን።

ምንቅስቓስ ይኣክል ክፍልም እንከሎ ኣትሒዙ፡ “ይኣክል፡ ቃልሲ ወለዶታት ኢዩ።” ኢሉ ኢዩ ግብራዊ ስርሑ ጀሚሩ። ኣብ ኤርትራ፡ ፍትሓዊ ቃልሲ ምስ ይኣክል ኣይጀመረን ምስ ይኣክል ከኣ ዝውዳእ ኣይኮነን። ንሱ ስለ ዝኾነ ኢዩ ከኣ ሎሚ፡ ብመንእሰያት ዝተዓብለለ ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ሓጺር እዋን ዝተጎሃሃረ። ይኣክል ህዝባውነቱ ኣጥፊኡ ኔሩ እንተዝኸውን፡ ኣብ ኩሉ ዝግበር ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ኢዱ ኣይምሓወሰን። እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማታት ኤውሮጳ፡ ኣውስትራልያን ሰሜን ኣመሪካን ዝርከቡ ባይቶታት ይኣክልን ኣባላቱን ከም ቀንዲ መሓዛ ብርጌድ ንሓመዱ ኮይኖም ኣይምሰርሑን።

እቲ ዘገርም፡ “ምንቅስቓስ ይኣክል ብዘይ ኤርትራዊ ሓይሊ ወይ ድማ ብወያነ ይድገፍ ኢዩ” ወይ ድማ “ምስ ወያነ ይደናገጽ ኢዩ” ዝብሉ ኣይተሳእኑን። እዞም ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ባይታ ዘየሎ ወረ ዘናፍሱ፡ ኣቓልቦ ናይ ሰብ ንምስሓብ ዝብልዎ እምበር፡ ሓቂ ዘይምዃኑ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ ኢዮም። ይኹን እምበር፡ ሓንካስ ዘውረዮ ፈረሰኛ ነይመልሶ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ሓቂ ክንድሕድሖ መሪጽና ኣለና። ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ትግራይ፡ ኣብ ሱዳን ይኹን ጅቡቲ ብዓለምለኻዊ ባይቶ ዝፍለጥ ዝኾነ ይኹን ናይ ይኣክል ትካል ወይ ምትእኽኻብ የለን። ብዓለምለኻዊ ባይቶ ዝፍለጣ፡ ወከልተን ናብ ዓለምለኻዊ ባይቶ ዝለኣኻ ሃገራት፡ ብጀካ ደቡብ ኣፍሪቃ ኩለን ከተማታት ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣውስትራልያን ሰሜን ኣመሪካን ኢየን ዘለዋ። ስለዚ፡ እቲ “ምስ ወያነ ርክብ ኣለዎም” ዝበሃል ቋንቋ ደኣ ካበይ ኢዩ መጺኡ፧

ኣብ መወዳእታ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ህዝባዊ ክሳብ ዝኾነ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ከተማታትን ዝተፈልየ ሓሳብ ክቕልቀል ባህርያዊ ኢዩ። እዚ ከኣ ክዕገት ዝከኣል ኣይኮነን። ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ በቲ ብዓለም ደረጃ ዝገብሮ ርክባትን ዘመሓላልፎ ሃገራዊ መልእኽትን ደኣ ክምዘን ይግበኦ እምበር፡ ውልቀ ሰባት ብዝበልዎ ክምዘን ፍትሓዊ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ሓዲድ ናይ ሓባር ቃልሲ እውን ዘውጽእ ኢዩ። ስለዚ፡ ይኣክል ናይ ህዝቢ ኢዩ። ከይወድቕ ክሕብሐብ፡ ሓኒኑ ንቕድሚት ክጓዓዝ፡ ኣብቲ ናይ ሓባር ቃልሲ ግቡእ ኣበርክቶ ክገብር ምሕጋዝ እምበር፡ ንቃልሲ ንድሕሪት ዝጎስስ ናይ ቤላቤለው ዕላል፡ ንይኣክል ዝምጥን ኣይኮነን። ኩሉ ስለ ፍትሒ ዝዝምር፡ ንፍትሒ ይሰርሕ ኣሎ ማለት ኣይኮነን።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
21 መስከረም 2023       

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,540SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles