7.4 C
London
Saturday, April 27, 2024

Buy now

spot_img

ብሰልፊ ሊበራል ሽወደን ዝተወደበ ርክብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ

ብሰልፊ ሊበራል ሽወደን ዝተወደበን፡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝተረኽብሉን ሰሚናር ትማሊ ኣብ ቀጽሪ ባይቶ ሽወደን ተኻይዱ። ዕላማ ናይቲ ዘተ ብዛዕባ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሽወደን ዝገብሮ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ዝምልከት ኮይኑ፡ ንምቅልዑን ጠጠው ንምባሉን ዕላማ ዝሓዘ ናይ ዘተ ርክብ’ዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ምቅላዕ ናይቶም ብሕቡእ ናብ ኤርትራ ዝመላለሱ ዘለዉ ደገፍቲ ምልኪ፡ ብክፍሊ ኢምግረሽን ሽወደን መግትኢ ዝግበረሉ መንገድታትን ንምድህሳስ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ ሰለስተ ኣባላት ባይቶ ሽወደን ተረኺቦም፡ ነቲ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝቐረበ ምስክርነትን፡ ንዘይሕጋዊ ኣካይዳ ስርዓት ህግደፍ ዝምልከት መግለጽን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን ዘስዕቦ ዘሎ ኩሉንትናዊ ሃስያን ስንብራትን ሰሚዖም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ካብ ዝነበሩ ደለይቲ ፍትሒ፡ ግርማይ ሃይለ፡ ዮናታን ስብሃቱን ሰምሃር ገብረስላሴን፡ ብዛዕባ ህግደፍ ኣብ ሽወደን ዘካይዶ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ተጻብኦታትን ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሕን ኣመልኪቶም ሓጺር ምስክርነት ሂቦም። ብድሕሪ’ዚ ኣቦ መንበር ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን ኣቶ በየነ ገረዝጊሄር፡ ብዝተገብረሉ ፍሉይ ዕድመ፡ ካብ ሃገረ-ሆላንድ ተረኺቡ፡ ንተመክሮ ምፍሻል ህግደፍ ኣብ ሆላንድ ኣመልኪቱ ቃል ኣስሚዑ። ነቲ ኣብ ሆላንድ ዘካየድዎ ተደጋጋሚ ዓወታት ብኸመይ ከም ዘካየድዎ ከም ተመኩሮ ብሰፊሑ ኣቕሪቡ። ምስ መንግስቲ ሽወደንን ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብዚ ጉዳይ ብሓባር ክሰርሑ ከም ዝግባእ ድማ ኣነጺሩ። ንሱ ብተወሳኺ፡ ሰለማዊት ሃገረ-ሽወደን መዐንደሪት ዓመጽቲ ክትከውን ኣይግባእን ብምባል፡ እዚ ጉዳይ ብዕቱብ ክስርሓሉ ንኣኼበኛታት ኣተሓሳሲቡ።

ካብኡ ቀጺላ ተሬስ ክራውስ ኣማኻሪት ፖሊሲ ኣብ ሚኒስትሪ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ነቲ ዝተዋህበ ምስክርነትን ናይ ሆላንድ ተሞክሮን ኣገዳሲ ከምዝነበረ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ሕቶ ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ኣብ ስዊድን ብዙሕ መጽናዕቲ ክግበረሉን ክስራሓሉ ዘለዎ ነገራት ከምዘሎን ኣብሪሃ። ንኣብነት ትብል ተሬስ ክራውስ ከምቲ ዝባሃል ዘሎ፡ ዕቑባ ሓቲቶም ንኤርትራ ዝመላለሱ እንተሃልዮም፡ እቲ ዑቑባ ንምርካብ ዝሃብዎ ምኽንያት ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ምዃኑ ዘብርህ ኢዩ ትብል።

ኤልሳ ዮውሃንስ ኣደ መንበር ባይቶ ይኣክል ሽወደንን፡ እቲ ዝተዋህበ ምስክርነት፡ ምስቲ ህግደፍ ኣብ ስዊድን ዝገብሮ ዕንደራን ግፍዕታትን ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ምዃኑ ኣብሪሃ። ብዙሕ ክዝረበሉን ክንገረሉን ከምዘሎን፣ ብዙሕ ጭብጥታትን ጸብጻባትን ንዝተፈላለየ መንግስታዊ ትካላት፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ወሰንቲ ኣካላትን ተሰዲዱ ዝረከብናዮ ግብረ መልሲ ከምዘየለን፡ ብሰንኪ መንግስቲ ስዊድን ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ሰዓብቱን ዘለዎ ልኡምን ስንኩፍን ኣታሓሕዛ፡ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ ምብርካትን ኤርትራውያን ኣብ ምፍንጫልን ኢየን ተጸሚደን ዘለዋ። ብፍላይ ንህጻናትን መንእሰያትን፡ ናይቲ ዝነብርሉ ዘለዉ ሃገር ባህልን ልምድን ተቀቢሎም ነቲ ሕብረተሰብ መሲሎም ዝዓብዩ፡ ከምዝንጸሉ ኣብ ምግባር ኢየን ዝዓያ። ናይ ስዊድን ዜግነት ዘለዎም ደገፍቲ ህግደፍ ስድራቤታት እውን እንተኾኑ፡ ንደቆም ንዓዲ ብምውሳድ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክነብሮስ ይትረፍ ክሓልሞ ዘይተዓደለ ናብራ ንኽነብሩ ይደፍኡ ኣለዉ። ነቲ መባእታዊ ቀረባት ዝተሓስሞ ህዝብናን ሃገርናን ጽቡቕ ናብራ ይነብር ከምዘሎ ኣምሲሎም ህዝቢ ኣብ ምድንጋር ይሰርሑ ኣለዉ። እቲ ዝግበር ፌስታታትን በዓላትን፡ ኮነ ኢልካ ንመንእሰያት ኤርትራ በቲ ዝገብርዎ ፈንጠዝያ ኣብ ዘይደልይዎ ግርጭትን ባእስን ንምእታው ዝደፋፍእ እዩ። እዚ ምዃኑ ሰለ እንፈልጥ ከኣ ኢና፡ ብዝተኻእለና ንፖሊስ ብምዝርራብን ሓበሬታ ብምሃብን ካብ ዓቀኑ ዝሓለፈ ቀጥዒ ዘይብሉ ፈስታታት ጠጠው ከብልዎ ብቐጻሊ እንሓትት ዘለና። ፖሊስ ስዊድን ግን፡ ”ናዕቢ እንተተፈጢሩ ጥራሕ ኢና ጠጠው ከነብሎ እንኽእል” ብምባል ሕቶና ከምቲ ዝድለ ሰማዒ ክረክብ ኣይከኣለን ዘሎ። መንግስቲ ስዊድን፡ ኩሉ ብህግደፍ ዝካየድ ጸሊም ዕዳጋታትን ካልእ ውዲታትን ዘይፈልጦ ኣይኮነን። ይኹን እምበር፡ ካብ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብፍልይ ዝበለ ዝንቡዕ መንገዲ ስለ ዝሓዞ ኢዩ። እዚ ኦሳን መሳርሕታን ሒዘሞ ዘለዉ ኣገባብ ነቲ እንደልዮ መንገዲ ክኸፍተልና ከኣ ተስፋ ይገብር፡ ክትብል ምሕጽንታኣ ኣመሓላሊፋ።

መንእሰይ ዮናስን እውን ብወገኑ፡ ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት፡ ሕግን ሕጋውነትን ተኸቲሉ ክሰርሕ ከምዝደልን፡ እንተኾነ ግን፡ እቲ ናይ ህግደፍ ከይዲ፡ ኢድካ ኣጣሚርካ ክትሓልፎ ከቢድ ከምዝኾነን፡ እቲ ብገለ ገለ ንብርጌድ ንሓመዱ ዝዋሃብ ስእሊ ግጉይ ምዃኑ ብሰፊሕ ኣብሪሁ።

ኣብዚ ኣኼባ፡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ውዳቤታት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ሽወደን፡ ወካሊ ናይቲ ንዳዊት ኢሳቕ ዝሕለቕ ማሕበር፡ ደራሲ መጽሓፍ Gränslöst Land ዝኾነ Paul Fregyes ተረኺቦም ኔሮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዶክተር ኣማኑኤል ቴድሮስ እውን ነቲ ዛዕባ ዝምልከት ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈት ግጥሚ ኣቕሪቡ።

Source: https://erisat.org/

14/06/2023

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,540SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles