7.4 C
London
Saturday, April 27, 2024

Buy now

spot_img

ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያን ኣየርላንድን፡ ንዓባይ ብርጣንያ ይኸስስ

ብሓምለ ዕለት 21,2023፡ ፈስቲቫል ኤርትራ ምልክት ሓድነትን ባህላዊ ውርሻን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያን ኣየርላንድን፡ ኣብታ እንኮ ናይ ሜድያ ትካል ዝኾነት ናይ ህግደፍ ሻባይት ዶት ኮም፡ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። ምኽንያት ናይቲ ነድሪ ዝሓወሰ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ለንደን ዘጋጠሞ ቅሉዕ ሕፍረትን ምዕጻው ፈስቲቫላቱን ምዃኑ ከኣ ዘማትእ ኣይኮነን።

ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ካብቲ ልሙድ ቋንቋ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝወጸ ኣይኮነን። ፈስቲቫላት ኤርትራውያን፡ ካብ 70ታት ከምዝጀመረን፡ ኩሉ ግዜ ከኣ ናይ ሓጎስን ፈንጠዝያን ምትእኽካብ ስድራቤታትን ከምዝነበረ ከኣ ኢዩ ዘተንብህ። ገለ ካብቲ ብዙሕ ዕማማት ይብል እቲ መግለጺ፡ መራሕቲ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሜዳ ዝኸይድ ዝነበረ ቃልሲ ምስቲ ኣብ ደገ ዝቕመጥ ዝነበረ ህዝቢ ሓበሬታ ዝለዋወጡ ባይታ ከም ዝነበረ ይጠቅስ። እቲ ዘገርም፡ እዚ መግለጺ ነቲ ክልተ ቀንዲ ዕላማታት ናይቲ ፈስቲቫላት ዘይምትንካፉ ኢዩ። ፈስቲቫላት ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ይኹኑ ፈስቲቫላት ህግደፍ፡ ገንዘብ ንምእካብን ደገፍቲ ንምጥራይን እምበር፡ ብዛዕባ ናይ ህዝቢ ኢርትራ ሓድነትን ምትእኽኻብ ስድራቤታትን ንሓንቲ መዓልቲ እኳ ተሓሲብሉ ዝፈልጥ ዕማም ዘይምንባሩ ኢዩ። እዚ ፈስቲቫላት እዚ ብፍላይ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓድነት ህዝቢ ንምዝራግን ገንዘብ ህዝቢ ንምግሓጥን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣብ ፍጹም ድኽነት ንምንባሩን ዝዓለመ ኢዩ ኔሩ። ነዚ ዘረጋግጹ ኣብነታት ማእለያ የብሎምን።

መግለጺ ኤምባሲ ህግደፍ፡ ን40ታት ተመሊሱ እውን ንዓባይ ብርጣንያ ይኸስስ። ወተሃደራዊ ምሕደራ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ 40ታት ንድሌትን ሃንቀውታን ናጽነት ከም እተጻረረን፡ ንኣባላት ቀጽሪ ናጽነት ኣብ ምህዳን ዘበርከቶ ተራን ክብል ታሪኻዊ ክሲ የቕርብ። ቀጺሉ እቲ መግለጺ፡ “ነዚ ኣብ ኣርባዓታት ተጻሒፉ ዝበርዓነ መደብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ገለ ውሑዳት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግ፡ ሕጊ ዘይፈልጡ ዓዋሉ ብምእካብ ኣንጻር እቶም ብሕጊ ተቐይዶም ክኸዱ ዝደልዩ ናይ ኤርትራ ዘርኢ ዘለዎም ኤውሮጳውያን የቕንዕዎም ኣለዉ” ይብል።    

እዞም ኣብዚ ጋዜጣዊ መግለጺ “ሕጊ ዘይፈልጡ ዓዋሉ” ዝበሃሉ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ እቶም ትማሊ ኣብ ኤርትራ ዝዓበዩ ብብርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጡ ብቁጠዐ ዝተላዕሉ ኤርትራውያን መንእሰያት ኢዮም። ስለዚ፡ እቲ መግለጺ ነዚ ኣብ ደገ ዝቕመጥ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝገምዕ ፈላለዪ መግለጺ ኢዩ። ኣብ ክንዲ ንቕድሚ 80 ዓመታት ተመሊስካ ንዓባይ ብርጣንያ ምኽሳስ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዓስኪሩ፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ድኽነትን ምብትታንን ኣብጺሕዋ ዘሎ ናይዚ ዘለናዮ ዘመን ስማዊ መንግስቲ ምኽሳስ ምቐረበ። ስለምንታይ ኤርትራውያን ኣብ መንጎ ደገፍቲ ምልክን ጸላእቲ ምልክን ተቀይሮም ዝብል ሕቶ፡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ኤርትራ መንግስትን ዝምልሶ እምበር ዓባይ ብርጣንያ ትኹን ኤውሮጳ ዝሕተታሉ ሞራላዊ ይኹን ሕጋዊ መንገዲ የለን።

ኣብ መወዳእታ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓባይ ብርጣንያ፡ ነዚ ብስም ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያን ኣየርላንድን ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል፡ ንድሌትን ጥሙሕን ሓደ ውልቂ መላኺ ዘርዊ መግለጺ ብምዃኒ ኣትሪሩ ይኹንኖ። ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ይኹን ኣብ መላእ ዓለም ዝነብር፡ ብኹሉ ወገን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ፈላላይን መርዛምን ዝኾነ መግለጺ ክኹንኖን፡ ዕድመ እዚ ስርዓት ኣብ ምሕጻር፡ ምስቶም ብቑጠዐ ነቒሎም ዘለዉ መንእሰያት ክተሓባበርን፡ ብስም ባይቶ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓባይ ብርጣንያ፡ ጻውዒቱ የቕርብ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓባይ ብርጣንያ
23/07/2023

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,540SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles