14.8 C
London
Monday, April 29, 2024

Buy now

spot_img

ኣብ ከተማ ሚላኖ ዕውት ዲፕሎማሲያዊ ሰሚናር ተኻይዱ

ቀዳም 13 ማዝያ 2024 ኮሚተ ዲፕሎማሲ ይኣክል ኢጣልያ ምስ ደምክራስያዊ ሰልፊ ጥልያን (PD)ብምትሕብባር   “ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ዝነብር ህዝቢ” (Eritrea; Un popolo in Prigione) ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዲፕሎማስያዊ  ሰሚናር (ዋዕላ) ተኻይዱ።

ማርኮ ካቫላሪን፡ ሓደ ካብቶም ኣዳለውትን ተደጋገፍትን ሓጺር መኽፈቲ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣቶ ደስበለ መሓሪ – ዋና ጸሓፊ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ እዚ ኣርእስቲ፡ ስለምንታይ ከምዝተመርጸን፡ እቲ ነዚ መደብዚ ዘዳለወ ምንቅስቓስ ይኣክል መን ምዃኑን ሓጺር መግለጺ ኣቕሪቡ። ድሕሪኡ ናብቲ ዝርዝር መዳባት ብምእታው በዚ ዝስዕብ ቐደም ተኸተል እቲ መደብ ናይ ሓደ መዓልቲ ዋዕላ ተጀሚሩ።

ሓጺር ጠመተ ኣብ ጂኦግራፊካዊን ስትራተጂካዊን ኣቀማምጣ ኤርትራን ታሪኻዊ ድሕረ ባይታን

ህልው ኩነታት ኤርትራ – እቲ ስርዓት ኣብ ፖለቲካዊ ጭቆና፣ ቁጠባዊ ምድስካልን ድሕረትን፣ ኣብ ማሕበራዊ ዝምድናታትን ክብርታትን ዝተፈጠሮ ምብትታኽን ዕንወትን፣ ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ዝተኸተሎን ዝኽተሎ  ዘሎን ዝፈጠሮ ተነጽሎን ብዕሙቕ ዝበለ ትንታኔ  ብኣቶ ተኣምራት ስዩም – ሓላፊ ዲፕሎማሲ ዞባ (Desk) ኤውሮጳ ቀሪቡ። ብተወሳኺ ንግህሰት ሰብኣውን ሲቪላውን መሰላት ዝምልከት ሰፊሕ ሓበሬታ ተዋሂቡ።

ህዝብን መንእሰይን ናብ ወተሃደር ንምቕያር  ዘካይዶ ዘመተን፣ ንመንእስያት ናብ ገደብ ኣልቦ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ንምኽታብ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዕን ማእሰርትን፣ እዚ ድማ ነቲ መንእሰይ ካብ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ ክጠፍእ ዘገድዶ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ብባዜቫ ዮውሃንስ  ኣባል ምንቅስቓስ ይኣክል ኢጣልያ ዝቐረበ መደረ ስዒቡ።

ንዲያስፖራ ኤርትራ ዝምልከት ትንታኔ ዘቕረበ ኣቶ ሃብተኣብ የማነ ኢዩ ኔሩ። ሃብታኣብ የማነ ናይ ሕጊ ምሁርን ኣብ ኤርትራ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከም ዳኛ ኮይኑ ዘገልገለን ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብቲ ብፕላን A ዝፍለጥ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ምትእኽካብ ምስ ካልኦት መሳርሕቱ  ከም ኣማኻሪ ናይቲ ሓይሊ ዕማም  ደለይቲ ፍትሒ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኢዩ። ዲያስፖራ ኤርትራ ኣብ ክልተ ክፋላት ዝተመቕለን ኣብ ውሽጡ ብርቱዕ ፍልልይን ምንህሃርን ዝረኣየሉ ስደት ምዃኑ ድማ የብርህ። እዚ ክፋላት’ዚ በቲ ሓደ ወገን እቶም ካብ ነዊሕ እዋን (ቅድሚ ነጻነት) ዝተስዱን ብዕድመ ዝደፍኡን ደገፍቲ እቲ ስርዓት ክኾኑ ከለው፣ በቲ ካልእ ወገን ድማ እቶም ድሕሪ ነጻነት በቲ ስርዓት ተገፊዖምን ኣብ ሃገሮም ምንባር ስኢኖም ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ መንእሰያት ምዃኖም ይሕብር። እዚ ዝርአ ፍልልያትን ግርጭትን፡ እቲ ስርዓት ብዝተፈላለዩ ናቱ ኣካላት ዝኹስኮስን ዝልኮስን ምዃኑ ድሕሪ ምብራህ፣ ቀንዲ ዕላምኡ ስልጣን ናይቶ ስርዓት ንምንዋሕ፣ ገንዘብ ንምእካብን ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝቢ ናይ ዲያስፖራ ምሉእ ደገፍ ከምዘለዎ ንምርኣይን ምእዙዝ ኮይኑ ንክድግፎ ተባሂሉ ዝሓለነ ኢዩ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ተገፊዑ ዝተሰደ መንእሰይ ድማ ነቲ ኣብ ሃገሩ ከይነብር ዘገደዶ ስርዓት ዘካይዶ መድባት ፈስቲቫል፣ ባህላዊ ምርኢታትን ካልእን ብምቅዋም ብስም “ሰማያዊ ሰውራ” ምንቅስቓስ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዘቕረቦ ጥርዓናት ቅቡል ኮይኑ ስለዝተረኽበ ከኣ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዕዉት ዝኾነ ምንቅስቓስ የካይድ ምህላው ሓቢሩ።

እቲ ዝሰዓበ ንኡስ ኣርእስትታት ብኢጣልያውያን ዜጋታት ዝቐረበ ክኸውን ከሎ ነብሲ ወከፎም ዘቕረብዎ ንኡስ ኣርእስቲ እዚ ዝስዕብ ኢዩ ኔሩ።

ማሲሞ ኣልበሪሲ – ጋዚጠኛ ናይ ኮሪየረ ደላ ሴራ ኮይኑ፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ፡ ሜዳ ኤርትራ ብዙሕ ጊዜ ዝተመላለሰን ድሕሪ ነጻነት’ውን ደጋጊሙ ናብ ኤርትራ ዝኣተወን፡ ኣብ ውሱን እዋን ንሓጺር ጊዜ ዝተኣስረን ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ዝተኸልከለ’ውን ኢዩ። ሎሚ ኣብ “ኣፍሪቃ ኤክስፕረስ” ትበሃል ናይ ኦንላይን ጋዜጣ ዝጽሕፍ ዘሎ ኢዩ። ማሲሞ ኣብቲ ሕሉፍ ዓመታት ዝረኣዮን ዝተሞከሮን ኣስፊሑ ብምግላጽ ንስርዓት ህግደፍ ዘቃልዕ ምስክርነት ብዝርዝር ገሊጹ።

ኤንሪኮ ካዛለ ጋዜጠኛ ኮይኑ፡ ኣብ “ርቪስታ ኣፍሪቃ” ትስየም መጽሔት ዝጽሕፍን፡ ንኩነታት ኤርትራ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝከታተልን፡ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ክተሓባበርን ዝጸነሐ ኢዩ። እቲ ዝተዋህቦ ንኡስ ኣርእስቲ “ወጻኢ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ” ዝብል ኮይኑ፡ ወጻኢ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝቀያየር ንጹር ፖሊሲ ከምዘይኮነን፡ ኣብ ገግዜኡ ዝፈጥሮ ዝምድናታት ምስ ግዝያዊ ረብሓ ዝተኣሳሰር ምዃኑን ድሕሪ ምግላጽ፣ ምስ ጎረባብቲ  ሃገራት፣ ምስ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሓያላት ሃገራት ዓለምን ዘለዎ ኣተሓሕዛ ሓደገኛ ከምዝኾነ ምስ ብዙሕ ኣብነታት ብምትእስሳር ኣብሪሁ።

ፓውሎ ላምቡሪስኪ – ጋዘጠኛ ኮይኑ ኣብ “ኣቨኒረ ” ትበሃል መዓልታዊ ትሕተም ጋዜጣ ዝሰርሕ ኢዩ። ምስ ሃይማኖታውያን ሰብኣዊ ትካላት ዝምድና ዘለዋ ጋዜጣ ስለዝኾነት ነዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታት ቀጻሊ ምክታታል ኣለዎ። ብዙሕ ጊዜ ድማ ብዛዕብኡ ዝጽሕፍ ኢዩ። እቲ ዝተዋህቦ ኣርእስቲ ንኩናት ትግራይ ዝምልከት ኮይኑ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ከመይ ከምዝጀመረ፣ ከመይ ከምዝተኻየደን ከምዝተዛዘመን ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ፡ ኣብ ዝርዝር ናይቶም ኣብቲ ኩናት ዝተሳተፉ ሃገራትን፣ኣብዚ እዋንዚ ዘሎ ናይ ሓይሊ ኣሰላልፋ ክሳብ ክንደይ ቀይሩ ከምዘሎን ብዑምቀት ገሊጹ።

ሊያ ኳርታፐለ – ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ኮይና፡ ኣብ ፓርላማ ጥልያን ናይ ኮሚሽን ወጻኢ ጉዳያት ምክትል ኣቦ መንበር ኢያ። ካብ ነዊሕ ዓመታት ምስ ደለይቲ ፍትሒ ትተሓጋገዝን ንኤርትራ ዝምልከት “ኢንተሮገሽን” ኣብ ፓርላማ  ተቕርብን ፖለቲከኛ ኢያ። እቲ ዝተዋህባ ንኡስ ኣርእስቲ ዝምድና ኢጣልያን ኤርትራን ዝምልከት ኮይኑ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ነዊሕ እዋን ከምትፈልጦን፡ ብዘለዋ ሓላፍነት ናብ ኤርትራውን ኣትያን ተዘራሪባን ከምዝነበረት ድሕሪ ምሕባር፣ ኣብዚ እዋንዚ እቲ ሰልፋ ኣብ ተቓውሞ ናይቲ መንግስቲ ተጸሚዱ ከምዘሎ ሓቢራ። ቀጺላ፡ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ “ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ” ዘለዋ ኣረዳድኣ፡ ብፍላይ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝግበር ዝምድና ክሕሰብ ዘይክእልን ብርቱዕ ተቓውሞ ከምዘለዋን ትገልጽ። እታ መራሒት መንግስቲ መሎኒ ምስ ኤርትራ ክትገብሮ ትሓስብ መደባትን ዝምድና ገና ብሩህ ዘይምዃኑ ትሕብር። ኣብ መወዳእታ እዚ ከምዚ ናይ ሎሚ  ዝኣመሰለ ተበግሶ ቀጻልነት ክህልዎ ብምሉእ ልባ ክትሓጋገዝ ምዃና ኣረጋጊጻ። ኣብ ቀጻሊ እዋን ምስኣ ርክብ ክንገብር’ውን ኣትሪራ ተማሕጺና።

ሰዓት ሓደን ፈረቓን ናብ ናይ ምሳሕ መደብ ተኣትዩ፡ ብኣባላት ይኣክል ኢጣልያ ዝተዳለወ ዝተፈላለየ መግብታት ክቋደሱ ድሕሪ ምግባር፡ ዋዕለኛታት እንደገና ናብ ሰሚናር ተመሊሶም።

መሓሪ ሃይለ ወልደትንሳኤ – ተመሃራይ ናይቲ ዝተዓጽወ ናይ ኣስመራ ቤት ትምህርቲ ጥልያን ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ፓርማ ዝመሃር ዘሎ መንእሰይ ኢዩ። እቲ ዝተዋህቦ ንኡስ ኣርእስቲ ብዛዕባ እቲ ዝነበሮ ቤት ትምህርቲ ዘለዎ ተሞክሮን ትዕዝብትን ክገልጽ ኢዩ ኔሩ። መሓሪ ብብዙሓት ትጽቢት ዘይተገብረሉ፡ ስርዓተ-ትምህርቲ ጥልያንን ካልኦት ሃይማኖታዊ ትካላትን ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት፡ ታሪኻዊ ኣመዓባብላ እቲ ቤት ትምህርቲ ብስእልታትን ብሓቅታትን ብምድጋፍ ኣቕሪቡ። እቲ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ዘይተዓጽወሉ እዋን፡ ኣብ መንእሰያት ኤርትራ ዘበርከቶ ኣድማዒ ስልጠናን ዲምክራሲያዊ ኣተሓሳስባን፡ መሃርን ትሕዝቶ ዘለዎን ኣስፊሑ ብምግላጹ፡ ብሰማዕቲ ብዙሕ ኣድናቖት ረኺቡ።

እቲ መደብ ቅድሚ ምድምዳሙ፡ ናይ ሕቶታትን ለበዋታትን ባይታ ተኸፊቱ። እዚ ተበግሶዚ ብጣዕሚ ጠቓሚ ምዃኑን ብዙሓት ጠላይን ታሪኾም ብዝግባእ ዘይፈልጡ ምዃኖምን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ቤት ትምህርታትን ዩኒቨርስታትን ብምኻድ ሓበሬታ ምልውዋጥ ከምዘድሊ ተዘትይሉ። ሓደ ካብቲ ዝሓለፈ ለበዋታት፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅስቓስ ይኹን ዋዕላ ምስ ካልኦት ወጻእተኛታት ሓቢርካ ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኩሉ ተጋባኢ ኣስሚሩሉ። ብወገና መደባት ኣውጺእና ክንቀሳቐሰሉ ምዃናን፡ ሓገዝ ናይ ኩሎም ከምዘድልየናን ብምዝኽካር እቲ መደብ ናይቲ መዓልቲ ተዛዚሙ። 

15/04/2024
ሚላኖ ዓዲ ጥልያን

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,550SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles