5.5 C
London
Saturday, April 27, 2024

Buy now

spot_img

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ጨንፈር ደንማርክ 3ይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ።

ብዕለት 01 ሓምለ 2023፡ ኣብ ደንማርክ ከተማ ሆልስትብሮ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ጨንፈር ደንማርክ 3ይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ። ኣብዚ ጉባኤ ክልተ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ክሳልጥ ከም መደብ ተታሒዙ ዝታኣትወ ጉባኤ እዩ ኔሩ። ከም ትልሙ ድማ፡ እቶም ቀዳማይን ካልኣይን ኣጀንድኡ ብጽፉፍን ዕውትን ኣገባብ ተፈጺሞም። እቶም ዝነበሩ መደባት፡ ኣብ ሰዓት 10:00 ዝጀመረ ቀዳማይ መድረኽ፡ ፈጸምቲ ኣካላት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ጨንፈር ደንማርክ፡ ገምጋም ስርሓቶም ሓደ ድሕሪ ሓደ ናብ ህዝቢ ኣቕሪቦም። ካብ ህዝቢ ንዝመጹ ኣገደስቲ ሕቶታት ድሕሪ ምምላስ፡ ብድሕሪ ሕጂ፡ ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ጨንፈር ደንማርክ፡ ንቕድሚት ክወስዱ ዝኽእሉ ኣርባሕቲ ርኢቶታት ካብ ህዝቢ ተቐቢሎም።

ድሕሪ ሓጺር ናይ ቡን ዕረፍቲ፡ ጉባኤ ምንቅስቓስ ይኣክል ደንማርክ፡ ነቶም ዝነበሩ ኣካየድቲ ንምትካእ፡ ናይ ምርጫ መስርሕ ብፍትሓውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ኣካይዱ። እቲ ሰዓት 10 ዝጀመረ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ጉባኤ ድማ ብዕውት ኣሰራርሓ ሰዓት 14:30 ወዲኡ።

Eritrean  Yiakl Movement in Denmark ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ጨንፈር ደንማርክ
Eritrean Yiakl Movement in Denmark ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ጨንፈር ደንማርክ

ድሕሪ እዚ፡ ምስቶም ካብ ዝተፈላለያ ውድባት፡ ምንቅስቓሳት፡ ስቪክ ማሕበራትን ብውልቂ ዝመጹ ናይ ክብሪ ዕዱማት ብምዃን፡ ናይ ምሳሕ እንግዶት ተኻይዱ። ድሕሪ ምሳሕ፡ ሓጺር ናይ ፍርቂ ሰዓት ዕረፍቲ ብምውሳድ፡ ናብቲ ካልኣይ ኣጀንዳ፡ ማለት ዘተ ምስ ኩለን ውድባትን ምንቅስቓሳትን፡ ኣብ ዝብል ዛዕባ ተኣትዩ። ብኣቦወንበር ምንቅስቓስ ይኣክል ጨንፈር ደንማርክ ኣቶ ገብርሂወት ያቆብ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን፡ ብዛዕባ ዕላማ ናይቲ ተደልዩ ዘሎን ቃል ኣስሚዑ። ብድሕሪ እዚ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ኩላቶም ኣብቲ ጉባኤ ተዓዲሞም ብውክልና ዝመጹ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ናይ የቐንየልናን ነቲ ዝተባህለ ዕላማ ዘለዎም ደገፍን ኣስሚዖም። ኣብዚ ጉባኤ ተረኺቦም ቃል ዘስምዑ ድማ፡ ካብ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ኣቶ ገብረትንሳኤ ዘርኡ፡ ካብ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ደንማርክ ኣቶ እስራኤል ረዘነ፡ ካብ ውድብ ሓድነት ኤርትራ ኣቶ ኣብርሃም ወልደሊባኖስን፡ ካብ ስቪክ ማሕበር ጨንፈር ደንማርክ ኣቶ ኣምበስ ኣብርሃን እዮም ኔሮም። ይኹን እምበር፡ ካልኦት ውድባትን ምንቅስቓሳትን ተዓዲሞም፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብኡ ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ዝሓበሩ እውን ኔሮም እዮም። ኣብቲ እንከዶ ናይ ዋልሲ ከይዲ ምሳና ሓቢሮም ከም ዝጓዓዙ ግን ጥርጥር የብልናን።

ድሕርዚ ድማ፡ ኣዋሃሃዲ መደብ ኣቶ ኢሳቕ ኣብራሃም፡ ናይቲ መዓልቲ መዘራረቢ ዛዕባ ተባሂለን ዝተታሕዛ ነጥብታት ናብ ተጋባእቲ ብዝርዝር ኣቕሪቡ። ኩሎም ኣብቲ ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት ኣብዚ ዝተባህለ ብሓፈሻ ኣብ ሓቢርካ ንቕድሚት ኣብ ምስራሕ ድማ ብፍላይ ጸቒጦም ተዛትዮም። ካብ ተጋባእቲ ዝመጽእ ዝነበረ ናይ ሰናይ ድሌትን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ መንፈስን ዓብላሊ ድምጺ ስለ ዝሓዘ፡ ኣብቲ ጉባኤ ብውክልና ተረኺቦም ካብ ዝመጹ ኣሕዋት፡ ናይ ምንቅስቓሳቶም ወይ ውድባቶም፡ ኣብ ሓቢርካ ምስራሕ ዘለዎም ቆራጽነት ክገልጹ ለበዋ ቀሪቡ። ኩሎም ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ፡ እንተላይ ምንቅስቓስ ይኣክል ሓዊሱ፡ ኣብ ውሽጢ ደንማርክ ኣንጻር መሓውር ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ንዝግበር ቃልሲ ሓቢሮም ክሰርሑ ምሉእ ድሌት ከም ዘለዎም ንተጋባእቲ ቃል ሂቦም።

ኣብዚ ናይ ሓባር ቃልሲ፡ ኣድላይነት ናይ ሓባር ጠበቓ ብሰፊሕ ካብቶም ዝተዘተየሎም ዛዕባታት ኢዩ ኔሩ። ናይ ሓባር ሜድያ ምጥቃምን ብዓቢኡ ከኣ ንኹለን ምንቅስቓሳት ዘማእክል ኮሚኒቲ ኣብ ምምስራት ኩለን ክነጥፋ ከኣ ንጽባሕ ዘይበሃሎ ዕዮ ምዃኑ ተሳተፍቲ ኣስሚሮምሉ። ኣብዚ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ካብ ዝተዋህበ ኣዝዩ ሃናጺ ርኢቶ፡ ኩለን ምንቅስቓሳትን ውድባትን ኣብ ነንሕድሕድካ ናይ ምጥቕቓዕ ኣካይዳ ጠቕሊሉ ክተርፍን፡ ኣብ ክንድኡ ምክብባርን ምትሕልላይን ምድግጋፍን ክህሉ ከም ዘለዎ ጉባኤኛ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዑ። ድሕሪ እዚ ኩሉ እዋናዊ ስምምዕ፡ ነቲ ክበሃል ዝወዓለ ብሓላፍነት ኣብ ግብሪ ዘብጽሕ፡ ካብ ኩለን እተን ዝተሰማማዓ ዝተወከሉ ሓደ ሓይሊ ዕማም ኣቑመን። እቲ ዝተባህለ ኣብ መፈጸምታኡ ከብጽሕዎ ድማ ህዝቢ ለበውኡ ኣመሓላሊፉ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ዝወዓለ ጉባኤ ንምዝዛም፡ ኣቦወንበር ምንቅስቓስ ይኣክል ደንማርክ ኣቶ ገብርሂወት ያቆብ ናይ መዕጸዊ ቃል ድሕሪ ምስማዕ ብናይ ሓባር ስእሊ ሰዓት 19፡00 ናይ ምሸት ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ።

ብናይ ሓባር ቃልሲ ንናይ ሓባር ዓወት
ምንቅስቓስ ይኣክል ጨንፈር ደንማርክ
01 ሓምለ 2023

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,540SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles