13.8 C
London
Sunday, May 19, 2024

Buy now

spot_img

ዋዕላ ዓለምለኸ ይኣክል ብዕዉት መንፈስ ተዛዚሙ -EriSat

ዋዕላ ዓለም ለኸ ይኣክል ብ 10 ሰነ, 2023 ኣብ ዋና ከተማ ሕቡራት ምንግስታት ኣመሪካ ዋሽንግትን ዲሲ ተኻይዱ ። ኣብቲ ንውሑስ መጻኢ ንቃለስ ኣንጻር ሓደ ጸላኢ ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ ዋዕላ ብብርክት ዝበሉ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ግዝኣታት ኣመሪካን ኮምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ዜጋታት ተሳቲፎም ።

ኣብዚ ንመበል 4ይ ዓመቱ ዝተኻየደ ዋዕላ ዓለም ለኸ ይኣክል ካብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ሕቡራት ምንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ተወከልቲ ባይቶ ሕቡራት ምንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ዝተኻየደ እቲ ዋዕላ ፣

ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ኣፈኛ ባይቶ ይኣክል ኮምኡ እውን ኣቦ ወንበር ባይቶ ይኣክል ሕቡራት ምንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ልኡል ዘውደ  ኮምኡ እውን ሓላፊ ክፍሊ ዲፕሎማሲ ኣቶ ዓወት ጸሃየን መቀጸልታ ናይቲ ኣብ 5ተ ክፍለ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝገበርዎ ሰሚናርን ሓፈሻዊ ስራሕን ኣካይዳን ባይቶ ዓለም ለኸ ይኣክል ሰፊሕ መግለጺ ንተሳተፍቲ ሰሚናር ሂቦም ።

ካብ ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ዝቀረበሎም ንሓፈሻዊ ኣሰራርሓን ኣካይዳን ባይቶ ዓለም ለኸ ይኣክል ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ንህዝቢ መሊሶም ።

ኣብቲ ናይ ድሕሪ ምሳሕ ዝነበረ ስነ ስርዓት ብዝምልከት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ዝነበሩ  ወከልቲ ውድባትን ኮምኡ ኣባላት ዓለም ለኸ ይኣክል ዘይኮኑን ዝተሳተፉሉ ናይ ልዝብ መድረኽ ተኻይዱ ። እዚ ኣብ 2ተ ዝተኸፍለ ናይ ልዝብ መድረኽ ኣብ እዋናዊ ጉዳያትን ኮምኡ እውን ንምዕባለን ናይ ቃልሲ መድረኽ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ነጥብታት ብምትካር እሂን ምሂን ተባሃሂሎምሉ ።

ኣብ ናይ ምሸት ዝነበረ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ድማ ብገዲም ድምጻዊት ስነ ጥበባዊት ደሃብ ፋይቲንጋ ተሰነዩ ድሙቅ ዝኾነ ናይ ምዝንጋዕ ምሸት ተኻይዱ ነይሩ ። ስነ ጥበባዊት ደሃብ ፋይቲንጋ ነዚ ዋዕላ ንምምዕራግ ካብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ናብ ሕቡራት ምንግስታት ኣመሪካ ተጋዒዛ ናብዚ ዋዕላ ክትሳተፍ ኣብ ዝመጸትሉ እዋን ኣባላት ዓለም ለኸ ይኣክልን ተቀማጦ ሕቡራት ምንግስታት ኣመሪካን ዝኾኑ ኤርትራውያን ድሙቅ ዝኾነ ስነስርዓት ኣቀባብላ ገይሮምላ  ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ስነ ጥበበኛ ደሃብ ፋይቲንጋ ንተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ኣብ ዘመሓላለፈቶ ሓጺር መልእኽቲ ኣብ ዝኾነ እዋንን ኣጋጣሚን ስነጥበባዊ ምርኢታት ከተቅርብ ዝኽልክላ ኣካል ከምዘየለን ናታ ውልቃዊ ምርጫ ምኻኑን ኣዘኻኺራ ። ምስ ደሃብ ፋይቲንጋ ብምኻን ካልኦት ዓበይቲ ስነጥበባያን ሃገርና ከም በዓል ዮውሃንስ ትካቦ ፣ ቨሮኒካ ሰሎሙንን ፣ ሮቤል ምክኤልን ኣብቲ ዝተኻየደ ድሙቅ ናይ ምዝንጋዕ ምሸት ተረኺቦም ንህዝቢ ኣዘናጊዖም ።

በዚ ድማ ዋዕላ ዓለም ለኸ ይኣክል ብዕውት መንፈስን ስነ ስርዓትን ተዛዚሙ ።

source: ዋዕላ ዓለም ለኸ ይኣክል ብዕዉት መንፈስ ተዛዚሙ – Erisat

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,550SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles