11.8 C
London
Tuesday, May 7, 2024

Buy now

spot_img

ጸብጻብ ሰሚናር ምንቅስቓስ ዓለም-ለኸ ይኣክል ምስ ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ ከተማ ስያትል

ጸብጻብ ሰሚናር ምንቅስቓስ ዓለም-ለኸ ይኣክል ምስ ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ ከተማ ስያትል
ነበርቲ ከተማ ስያትል፡ ንላዕለዎት መሪሕነት ዓለም-ለኸ ምንቅስቃስ ይኣክል፡ ብሃንቀውታ ክጽበዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ቀዳም 3 ሰነ 2023 ብምውቕ ሰላምታን ሕቋፍ ዕምባባን ተቀቢላቶም ። ኣሕዋት ኣቶ ልኡል ዘውደን ኣቶ ዓወት ጸሃየን ኣብ ዝተዳለወሎም ኣዳራሽ ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቀትሪ በጺሖም ። ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ናይ ናፍቆት ብዝመስል ውዕዉዕ መንፈስ ኢዩ ኔሩ።
ኣኼባ ብሕጽር ዝበለ ናይ ሰላምታን እንቋዕ ደሓን መጻኹም ብምባል ብኣደ መንበር ወ/ሮ ገነት ብርሃነ ኢዩ ተኸፊቱ። ኣቶ መሓሪ ኣስራት ብውሕሉል ኣተኣላልያ ንመድረኽ ከምእዘን ኣምስዩ ።
ኣቶ ልኡል ዘውደ መድረኽ ብሰላምታ ከፊትዎ። ከተማ ስያትል መበል ሓምሸይቲ ከተማ ምብጻሕ ባይቶ ይግበረላ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ቅድሚ ናብ ዝርዝር ምእታዉ መልእኽቲ ኣቦ መንበር ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ ይኣክል (ኣቶ ወሰን- ሰገድ ካብ ሽወደን) ናይ ደገፍን ሰናይ ምንዮትን መልእኽቱ ከምዝስማዕ ጌሩ ።
ኣቶ ልኡል ዘውደ ብዛዕባ ሓቢርካ ምስራሕን ኣድላይነቱን ብዛዕባ ጽምዶን ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለን ተንቲኑ ብምግላጽ መድረኽ፡ ንሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ንዝኾነ ኣቶ ዓወት ጸሃየ ኣሕሊፍዎ ።

ጸብጻብ ሰሚናር ምንቅስቓስ ዓለም-ለኸ ይኣክል ምስ ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ ከተማ ስያትል
ጸብጻብ ሰሚናር ምንቅስቓስ ዓለም-ለኸ ይኣክል ምስ ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ ከተማ ስያትል
ኣቶ ዓወት ጸሃየ ብዝግባእ ጌሩ ኣብ ዲፕሎማሲ መዳይ ባይቶ ክሳብ ክንደይ ሰጉሙ ምህላው ብምብራህ ምስ ስተይት ደፓርትመንትን ( State Department) ካልኦትን ጽቡቅ ምሕዝነት ምፍጣሩ ኣብሪሁ። በዚ መሰረት፡ ምንቅስቃስ ይኣክል ተፈላጥነቱ ይዓዝዝ ምህላውን ዝገብሮም ርክባት ድማ ዝግባእ ናይ ጽሑፍ መልሲ ይረኽቡ ምህላዎም ሓቢሩ።
መድረኽ ናብ ናይ ሕቶን መልስን ቅድሚ ምኻ ፡ ንመዓልቲ ናጽነት ትጠቅስ ግጥሚ በቲ ውሩይ ገጣማይ ኣቶ ዳዊት ተነቢባ ።
ገለ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረቡ ሕቶታት ንምጥቃስ፥
* ኣንጻር ገበናት ህግደፍን ኣንጻር ፈስቲቫላቱን ቀዳምነት ተዋሂብዎም ስለምንታይ ዘይምከቱ ?
* ኣብ ጽምዶ፡ ምስ 11 ውድባትን ተቃወምትን ናይ ውህደት ስምምዓት ተጌሩ ተባሂሉ ? ቅድሚ ሕጂ ተዋሂደን ዝነበራ የጠቃልል ድዩ ?
* ኣብ ሚድያ ከምቲ ዝድለ ኣይሰጎምናን ብሕልፊ ምስ ካልኦት ውልቀሰባት ሓዊስካ ክረአ ከሎ ኣብ ምቅላሕ ንጥፈታትና ስለምንታይ ዛሕቲልና ?
* ርድኢት ናጽነት ኣብ ሓድሽ ወለዶ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን ንምንታይ ? እንታይ’ከ ክግበር ኣለዎ ንምዕራዩ ?
* ኣብ 2010 ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝተመስረተ ባይቶ እዚ ናይሕጂ ባይቶ እንታይ ኢዩ ርክቡ ? ወዘተ ዝብሉ በዳህቲ ሕቶታትን ርኢቶን ቀሪቦም።
ኣቶ ልኡልን ኣቶ ዓወትን ብምብርራይ ነቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ብዝግባእ መልሲ ሂቦምሉ ። ብሓቂ ዘዕግብን ጽፉፍን መልሲ ምንባሩ ድማ ካብ ዕግበት ተሳተፍቲ ይረአ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ ብኣቶ ኣለምሰገድ ኣብራሃም “ሰለስተ ወለዶ ዘሰንከለ ሰይጣን” ዘርእስታ ግጥሚ ብምስማዕ እቲ ኣኼባ ተዛዚሙ ።
መደምደምታ ፥
ደለይቲ ፍትሒ ስያትል ከምኡ ውን ኦሪገን ነዚ ታሪኻዊ ጉባኤ ክሳለጥ ዝገበርዎ ምስጋና ይግበኦም። ብተወሳኺ ደቀንስትዮ ነቲ ዝነበረ መስተንግዶ ብምቅራበን ፍሉይ ምስጋና ይግበአን። ኩሉ ተሳታፋይ ንዝገብሮ ዝነበረ ገንዘባዊ ወፈያ በዚ ኣጋጣሚ ክምስገን ይግባእ።
ኣለምሰገድ ኣብራሃም
ካብ ከተማ ስያትል
3 ሰነ 2023
የቐንየለይ

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,550SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles