18.2 C
London
Monday, May 20, 2024

Buy now

spot_img

ጋዜጣዊ መግለጺ – ህጹጽ ጻውዒት ንህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን

ህጹጽ ጻውዒት ንህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን

ድሕሪ ምኽታም ስማዊ ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ምምጻእ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎን ከጋጥም ዝኽእል ናይ መጻኢ ሓደጋን፡ ብቐጻሊ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ምትሕስሳብ ዓዲ ኣይወዓለን። ስማዊ ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደገኛ ውዕል ምንባሩን፡ ንኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኣህዛብ ክልክም ከምዝኽእል እውን ደጋጊሙ ከጠንቅቕ ጸኒሑ ኢዩ። እነሆ ድማ ሎሚ፡ ኤርትራን እቲ ከባቢን፡ ኣብ ብቐሊሉ ክወጾ ዘይክእል፡ ንወለዶታት ኣብ ከሸግር ዝኽእል ሓደጋ ተሸሚሙ ኣሎ።

ጠንቂ ናይዚ ኣብዚ ከባቢ ወሪዱ ዘሎ ዓቢ ሓደጋ፡ ብሰፊሕን ዕምቆትን ክምርመር ዝግበኦ እኳ እንተኾነ፡ ስማዊ ውዕል ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ቅዱስ ዘይምንባሩ ግን፡ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ህዝቢ እቲ ከባቢን ዓለምን፡ ዝተረደኦ ህዝቢ እንተኔሩ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ኢዩ ከኣ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፈንጠዝያ ስማዊ ውዕል ሰላም ክሰራሰር እንከሎ፡ ኣብ ደገ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ብሓባር ይኣክል ኢሉ ኣንጻሩ ዝተላዕለ። ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝገመቶ ከኣ፡ እነሆ እቲ ዞባ፡ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ዘይጠፍእ ኲናት ተጸሚዱ፡ ብኹሉ ወገን ሂወት ኣሻሓት ይበልዕ ኣሎ።

ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን እትነብር ህዝቢ ኤርትራ

እዚ ኣብ መንጎ፡ ልፍንታዊ ሓይሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ገባቲ ስርዓት ህግደፍን በቲ ሓደ ወገን፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ከኣ በቲ ካልእ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ኢድ ከምዘይብልካ፡ ህዝቢ እቲ ከባብን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ብስምካ ዝግበር ኲናት ብዘይ ዋጋ ክሓልፍ ዘለዎ ተኽእሎ እንዳጸበበ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ “ቀንዲ ሃንዳሲ ናይዚ ኣብዚ ዞባ ተወሊዑ ዘሎ ኲናትን፡ ቅዝፈት ናይ ኣሻሓት ህዝቢ ትግራይን ኤርትራ ኢያ” ዝብል ዜና ከንሳፍፍ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብቲ ብጥቅምቲ 25 2022፡ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሆሎኮስት ቤተ-መዘክር፡ ዝቀረበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከኣ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ኢዩ። ብሰራዊት ኤርትራ ዝተደገፈ ናይ ፈደራላዊ መንግስትን ናይ ኣምሓራ ምሊሻን ሓይሊ፡ ኣብ ትግራይ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ሒዝወን ዘሎ ከተማታትን ገጠራትን ልዑል ዝኾነ ናይ ዓሌት ምጽናት ሓደጋ የንጸላሉ ከምዘሎ እቲ መግለጺ ኣተንቢሁ ኣሎ። እዚ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሆሎኮስት ቤተ-መዘክር ዝወጸ መግለጺ፡ ሽሕኳ በታ ኣፈኛ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነት ሻባይት ዶት ኮም፡ ከም ልሙድ ኣሉታዊ መልሲ እንተተዋህቦ፡ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ክስማዕ ዘለዎ ተኽእሎ ግን ኣዝዩ ትሑት ኢዩ። ምኽንያቱ፡ እዚ ንገዛእ ህዝቡ ን30 ዓመታት ብሰላሕታ ዘብረሰ ናይ ግለ-ሰብ ስርዓት፡ ኣብ ካልኦት ህዝብታት ከይዱ ኣይገብሮን ኢዩ ተባሂሉ ክእመን ዝከኣል ኣይኮነን።

ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን እትነብር ህዝቢ ኤርትራ

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ንኹሉ ኣሎ ዝበሃል ሰብኣውን ንዋታውን ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናብቲ ኣብ ትግራይ ተኣጒዱ ዘሎ ኲናት ጸሚድዎ ኣሎ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ፡ ንኢትዮጵያውያን እምበር፡ ንኤርትራ፡ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ዝምልከት ኣይኮነን። ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ኣብዚ ኲናት እዚ ኣትዩ ዋጋ ክኸፍል ከኣ፡ ብጀካ ንለኣኽቱ ቅንጣብ ጥቕሚ ንህዝቢ ኤርትራ የብሉን። ካብ ኢትዮጵያ ይኹን ካብ ማዕከናት ዓለም ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብኹሉ ወገን፡ ኣሻሓት መንእሰያት ይቕዘፉ ኣለዉ። ዓድታት ይባድም ኣሎ። ተራ ሲቪል ህዝቢ ከኣ ብስንኪ እዚ ኲናት ካብ ምዝንባልን ምቕዛፍን ኣይደሓነን። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ኤርትራ፡ ከም ኩሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ተነጽሎ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ትወድቕ ኣላ። እዚ ተነጽሎ እዚ፡ ኣብ መጻኢ ንኤርትራ ከም ሃገር ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ከም ህዝቢ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ቀሊል ኣይክኸውንን ኢዩ። እቲ ዘገርም፡ ብዙሕ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ነዚ ኤርትራ ኣትያቶ ዘላ ፖለቲካውን ሰብኣውን ሓደጋ፡ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ክርእዮ ኣይከኣለን ዘሎ። ፖለቲካ ኤርትራ፡ ካብ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ወጺኡ፡ ናብ ናይ ኩዕሶ ቲፎዘነት ክቕየር ምርኣይ ከኣ ልሙድ እንዳኾነ መጺኡ ኣሎ። ኣብቲ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን ሓድነት ዝድለየሉ እዋን፡ ምፍንጫል ከም ምርጫ ክውሰድ ምርኣይ ንህዝቢ ኤርትራ ዝምጥን ኣይምነበረን።

ዝኸበርካ ኣብ ደገ እትነብር ህዝቢ ኤርትራ

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘሎ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ። ስለኡ ክትምጉት፡ ተጻዒንዎ ዘሎ ኣርዑት ኣብ ምውራድ እጃምካ ከተበርክት፡ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣለካ። ነቲ ዓለም ብሕጋዊ መነጽር ክትሪኦ እትፍትን ዘላ ጉዳይ፡ ብዘይሕጋዊ መንግስቲ ይፍጸም ከምዘሎ ንዓለም ኣብ ምእማን ታሪኻዊ ሓላፍነትካ እትጻወተሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ። ውግእን ወረ ውግእን ዘብቃዓሉ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ዝነግሰሉ፡ ኤርትራውያን ምሩኻት ናብ ውሑስ ቦታ ዝኸዱሉ መንገዲ ኣብ ምፍጣር፡ እጃምካ ከተበርክት ይግባእ። መዓጹ ማሕበረሰብ ዓለም ኳሕኲሕካ ህዝቢ ኤርትራ ኣትይዎ ዘሎ ደልሃመት ክትነግር፡ ናትካ ተራ እምበር ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ኣይኮነን። ብማሕበራዊ ሜድያ ዝፍታሕ ጸገም ፈጺሙ የለን። ማሕበራዊ ሜድያ እቶም ኣብ ሽንኮለል ከንብሩኻ ዝደልዩ ዝጥቀምሉ ገፊሕ መኣዲ ካብ ዝቕየር ዓመታት ኣሕሊፉ ኣሎ። ምስ ዝነፈሰ ምንፋስ ይኣክል ኢልና፡ ማእዝንና ነስተኻኽለሉ እዋን ሕጂ ኢዩ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ናይ ለውጢ ሓይሊ ክንከውን ይጽወዓና ኣሎ። ንለውጢ ድሉዋት ክንከውንን፡ እቶም ጸላእትና ኣብ መጻኢ ክፈጥርዎ ደልዮም ዘለዉ ሃጓፍ ክንመልእን ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ብዕቱብን ብሓባርን ምስራሕ የድልየና ኣሎ። ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን ከም ኩሉ ግዜ፡ ከምቲ ህዝቢ ኣብ መፈለምታ 2019 ይኣክል ኢሉ ዝተላዕለ፡ ሕጂውን ይኣክል ኢሉ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ምንቅስቓስ ከሀብትሞን ነቲ ዘለዎ ሃጓፍ ክመልእን በዚ ኣጋጣሚ ይጽውዕ።

ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
1 ሕዳር 2022

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,550SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles