15.8 C
London
Thursday, May 16, 2024

Buy now

spot_img

ጋዜጣዊ መግለጺ- ኤሪ ይኣክል ፋውንደሽን ልዕሊ 4 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ካብ ገበርቲ ሰናይ ሓገዝ ረኺቡ።

ጋዜጣዊ መግለጺ

ኤሪ ይኣክል ፋውንደሽን፡ ነቶም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ልዕሊ 60,000 ስደተኛታት ዝውዕል ልዕሊ 4 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ካብ ገበርቲ ሰናይ ሓገዝ ረኺቡ።

ኤሪ ይኣክል ፋውንደሽን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ብቁጽሪ 501(C)(3) ዝፍለጥ ንመኽሰብ ዘይነጥፍ ትካል ኢዩ። ዕላማ እዚ ትካል፡ ነቶም ኣብ ከባቢ ኤርትራ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነበሩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ህጹጽ ናይ ሕክምና ንዋት፡ ውልቃዊ መከላኸሊ ንዋት (PPE)፡ መግብን ምንካይን ለበዳ ሓደጋ ኮቪድ 19 ሓገዝ ንምብርካት ተባሂሉ ዝቖመ ኢዩ። ኤሪ ይኣክል ፋውንደሽን፡ ንዝተዋህቦ ዕማም ብግቡእ ንምትግባር፡ ገንዘብ ኣብ ምውጻእ ዝነጥፍ፡ ገንዘብ ኣብ መዓላ ዘውዕል፡ ናይ ሕሳብ ተቖጻጻሪን ናይ ሜድያን ዝሓዘ 4 ክፍልታት ኣካቲቱ ዝተወደበ ናይ ግብረ ሰናይ ትካል ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ፡ ኤሪ ይኣክል ፋውንደሽን ምስ ምትእስሳር ኮሚኒቲ ኤርትራውያን (ECC)ብምትሕብባር፡ ካብ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን 800,000 ዶላር ኣመሪካ ጥረ ገንዘብ ከም ዘዋጸአን፡ 65,000 ዶላር ኣመሪካ ዶላር ዝወደአ ናይ ሕክምና ንዋት ብሓገዝ ከም ዝረኸበን ይዝከር። እዚ ዝተረኽበ ሓገዛት፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ግብጽን ሊብያን ዝቕመጡ ስደተኛታት፡ ካብ ለበደ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዝወዓለ ሓገዛት ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ኤሪ ይኣክል ፋውንደሽን፡ ካብ ትካል ቀጥታዊ ረድኤት (Direct Relief) ዝበሃል ናይ ግብረ ሰናይ ትካል 250,000 ዶላር ኣመሪካ ጥረ ገንዘብ ከም ህጹጽ ረድኤት ተቐቢሉ ኢዩ።

ኤሪ ይኣክል ፋውንደሽን፡ ብዘተኣታተዎም ሓላፍነታውን ኣድማዕን ናይ ገንዘብን ንዋትን ምሕደራ፡ ካብ ገበርቲ ሰናይ ልዑል እምነት ረኺቡን ኣብ ሂወት ብዙሓት፡ ናይቶም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ግብጽን ሊብያን ዝነበሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ለውጢ ጌሩ ኢዩ።

ለገስቲ፡ ብዝገበርናዮ ኣዝዩ ዝርዝራዊ ጸብጻብ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ከምኡውን ዘርኣናዮ ተወፋይነት ከም ብነጻ ምስራሕን ክኢላዊ ዓቕምን ኣዝዮም ሕጉሳት ኢዮም። ለገስቲ፡ ሕጂ እውን፡ ዘድሊ ሓገዛት ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ናብ ተጠቀምቲ ስደተኛታት ነበጽሕ እንተደኣ ክኢልና፡ ምሳና ብቐጻሊ ክሰርሑ ከምዝደልዩን ተወሳኺ ንሕክምና ዘገልግል ንዋት ክህቡና ምዃኖምን ተመባጺዖም ኣለዉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ጉጅለና ኣብ መዓላ ሕክምናዊ ክንክን፡ ስነ-ማሕበራዊ ሓገዝን (ከም መርዓን ሓዘንን ዝኣመሰሉ)፡ ናይ ጥዕና ትምህርትን ዘካተተ እማመ ናብ ለገስቲ ኣቕሪቡ ኣሎ። ለገስቲ ብወገኖም፡ ነቲ ዘቕረብናዮ እማመ ምሉእ ብምሉእ ብምቕባል ነቲ ዘቕረብናዮ እማመ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝምውልዎ ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ለገስትና ወይ ሓገዝትና ኣብ መዓላ ሕክምናዊ ንዋት፡ ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታትን ካልእ ከጋጥም ዝኽእል ሃንደበታዊ ወጻኢታትን ዝውዕል፡ 4,221,000 ዶላር ኣመሪካ ክህቡና ኣረጋጊጾምልና ኣለዉ። ነዚ ሰናይ ግብሪ እዚ ምሳኹም ክንካፈሎ ከኣ ሕጉሳት ኢና።

በዚ ለገስትና ዘርኣይዎ ሰናይ ልግስን ለውሃትን ኣዚና ሕጉሳት ኢና። ኣብ ሂወት ብዙሓት እቶም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነበሩ ዘለዉ ባእታታት ኣወንታዊ ጽልዋ ምእንቲ ክንገብር ብትግሃት ክንዓዪ ኢና።

የቐንየልና፡
ኤሪ ይኣክል ፋውንደሽን
የካቲት 14, 2022

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,560SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles