እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት፡ ጥዑም ጉልባብ ስም ህዝባዊ ግንባር ደሞክራሲ ፍትሕን ዝለበሰ፡ ሕልሚ ሓደ ውልቀ-መላኺ ጥራሕ ዘርዊ ስርዓት ኢዩ። ነቲ ባዕሉ ዝፈለሞ ናይ “ዶብ ውግእ”ከም ጽቡቅ ናይ ጽልኢ ድፋዕ ተጠቒሙ ከኣ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ከም ዘናውሕ ጌርዎ ኢዩ። እንሆ ሕጂ፡ ድሕሪ 34 ናይ ስቓይ ዓመታት፡ ዕምሪ ምልካዊ ስልጣኑ መሰታ ዕምሪ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ኣይኲናት-ኣይሰላም ሃዋሁ፡ እቲ ባዕሉ ዝሃንደሶ ግጭት ኢትዮ-ኤርትራ ዘንቀሎ እኳ እንተነበረ፡ በዚ ኣይሰላም-ኣይኲናት ዝረብሑ ካልኦት ወገናት ግን ኣይተሳእኑን። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሰብ-ረብሓ ተቐርቂሩ፡ ናይ ጸልማት ግዜ ኣሕሊፉን የሕልፍን ኣሎ። እቲ ብሓደ ውልቀ-ሰብ ዝምራሕ ናይ ኤርትራ ስርዓትን፡ እቲ ብወያነ ዝምራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ፈደራላዊ ስርዓትን፡ ብናይ ቃላት ዳርባ ሓድሕድ ጸላእቲ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረድዎ ሃስያ ግን፡ ካብ ሓድሕድ ዝሰናነፍ ኣይነበረን።
ኣብ 2018፡ እቲ ስዒቡ ዝመጸ ሓድሽ መጻምድቲ ዝኾነ 1ይ ሚ/ር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣይሰላም-ኣይኲናት ሃዋሁ “ክሰብሮ” ኢሉ እኳ እንተነቐለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ክሳብ ሕጂ ካብቲ ኣይሰላም-ኣይኲናት ሃዋሁ ክወጽእ ኣይከኣለን። እቲ ሓድሽ ጸላእቲ ኣብ ምፍጣር ዘይርብርብ ናይ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት፡ ሕጂ እውን ሓደሽቲ ጸላእቲ ፈጢሩ፡ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ከምዝቕጽልን ዕምሪ ስልጣኑ ከኣ ከም ዘናውሕን ይገብር ኣሎ።
ስለምንታይ ግን፡ ሽርክነት ኢሳያስን ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ሓጺር እዋን ተቖጽዩ፧ ስለምንታይ`ከ እቲ ውሑድ ቁጽሪ ዘይብሉ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን፡ በዚ ናይዞም ክልተ ሰባት ሽርክነት ክደናገር ክኢሉ፧ እቲ መልሲ፡ ኣብ ባህሪ ውልቀ-መላኺ ኢስያስን ኣብ ባህሪ ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ስርዓት-ኣልቦ መንግስትን ኢዩ ዘሎ። ንሰላም ዝፈርሕ ሰብ ሰላም ክፈጥር ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ሰላም ዘይረብሕ ስርዓት ንሰላም ኣይሰርሕን ኢዩ።
ንባህሪ እዚ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ናይ ሓደ ሰብ ስርዓት ንምፍላጥ፡ ብዙሕ ምርምር ዝሓትት ኣይኮነን። ንድሕሪ ተመሊስካ ታሪኽ ምግንጻል እውን ዘድሊ ኣይኮነን። ነቲ ናይ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንታሪኽ ገዲፍና፡ ኤርትራ ልኡላውነታ ካብ እተረጋግጽ ጥራይ፡ ኤርትራ ዘካየደቶ ፖለቲካዊ መስርሕ ዳርጋ የለን። ብሃገር ደረጃ ዝተገብረ ገምጋም የለን። ፖለቲካ ኤርትራ፡ መልሓስካ ብምውርዋርን ኣጻብዕትኻ ንካልኦት ብምውጥዋጥን ዝተመልአ ናይ ህልኽ ፖለቲካ ጥራይ ኢዩ ኔሩ። እዚ ናይ ህልኽ ባህሪ እዚ ከኣ፡ ቀንዲ መለለዪ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ባህሪ ኢዩ።
እዚ ህልኸኛ ባህሪ እዚ ኢዩ እምበኣር፡ ንኤርትራ ናብዚ ወዲቓቶ ዘላ ጸልማት ሸሚሙ፡ ኣብ ክንዲ ንውሽጡ ዝጥምት ህዝቢ፡ ንደገ ዘማዕዱ ህዝቢ ፈጢሩ ዘሎ። ዓርኪ ኢሳያስ “ዓርክና”፡ ጸላኢ ኢሳያስ ከኣ “ጸላኢና” ክንቆጽር፡ ዘቤታዊ ዕዮና ደስኪሉ፡ ንድሕሪት እትሕምበብ ሃገር ፈጢርና። ሕጂ እውን ከም ቀደም፡ ህልኸኛ ባህሪ ኢሳያስ ዘቋርጽ ኣይኮነን፣ ጸላእቲ ኣብ ምፍጣር እምበር፡ ፈተውቲ ኣብ ምብዛሕ ከስርሕ ዘኽእል ጠባይ ኣይኮነን። ንሱ ብዝኣጎዶ ሓዊ ክንልብለብ ዘሕለፍናዮ ግዜ ይኣክል። ሕልሚ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ሕልሚ ህዝቢ ኤርትራን ተሳንዮም ዘይፈልጡን ዘይተዓረቁን ኢዮም።
ብልክዕ ኢሳያስ ኣይከሰረን። ብዘጥፈኦም ዕድላት፡ ግዜን ሰብን ዘይጉሂ ስርዓት፡ ፋዕራ ስልጣኑ እምበር ፋዕራ ዕብየት ሃገር የብሉን። እቲ ዝኸሰረ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኣብ ዓለም፡ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን፡ ዓቢ ክሳራ ዝኸሰረ ህዝቢ እንተሎ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ 34 ዓመታት፡ መባእታዊ ቅርጺ መንግስቲ ክሰርሕ ዘይከኣለ ስርዓት፡ ኣይከሰርኩን እንተበለ፡ ብእኡ ሓጥያት ኣይኮነን። ድሕሪ እዚ ኹሉ ብኣጋ ክሓዊ ዘይክእል ዕንወት፡ “ሓደ መዓልቲ ሰላምን ምዕባለን ከምጽኣለይ ኢዩ” ኢሉ ዝሓስብ ሰብ እንተሎ፡ “ዓሻ ደሓን ኣሎ ዘመድ ዓሻ ከፊእዎ ኣሎ” ካብ ምባል ሓሊፍካ ዝበሃል ነገር የለን።
“መለበሚ ኣይኽልኣካን መለበምን ኣይግበርካን” ከምዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝሓለፉ 34 ዓመታት፡ ሃብታም ተመክሮ ረኺቡ ኣሎ። እዚ ኣብ ከባቢ ሃገርና ዘንጸላሉ ዘሎ ደመና ኩናት፡ ናብ ውልቃዊ ህልኽ ዓሪጉ፡ ዕድመ ስልጣን ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ከየናውሕ፡ ብኣንክሮ ምጥማት ከድልየና ኢዩ። ኣብዚ ቅነ-ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ ብምኽባር መሰል ወዲ ሰብ እትልለ ኤርትራ ክንፈጥር እምበር፡ ኣብ ስራሕ እንዳኣማታ ተጸሚዳ፡ ኣብ ህልኽ እተንገርግር ኤርትራ ከይንፈጥር፡ መብጻዓ ንኣትወሉ ቅነ ኢዩ። ደጊም ዝኸፈልናዮ ዋጋ ይኣክል! ዘይረዊ ሸውሃት ደም ኢሳያስ ከነርዊ፡ ሓንሳብ ክንድምር፡ ሓንሳብ ክንጽመድ ነሕልፎ ግዜ የብልናን። መርገጺና፡ ከም ኩሉ ግዜ፡ ኣንጻር እቲ እንኮን ዘራጊ ሰላም ኤርትራን ከባቢናን ዝኾነ ውልቀ-መላኺ ኤርትራ ክኸውን ኣለዎ። ደጊም ናብ ናይ ደገ ዘይህሉዋት ጸላእቲ ነማዕድወሉ ኣይኮነን። ኩሉ ኣንጻር እዚ ዓማጺ ስርዓት ደው ዝብል ከኣ ደገፍቱ ኢና።
ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
22-06-2025