ኤርትራ፡ ንመበል 34 ዓመት፡ መዓልቲ ናጽነታ ተብዕል ኣላ። ኩሎም እቶም ናጽነት ኤርትራ ክውን ንምግባር ክቡር ሂወቶም ዝሃቡ ከኣ፡ በዚ ኣጋጣሚ ብሓበን ክዝከሩ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመጠን ብዝሑን ዕብየት ሃገሩን ክርአ እንከሎ፡ ልኡላዊት ሃገር ኣብ ምምጻእ ዝኸፈሎ ዋጋ ኣዝዩ ዓቢ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ክንዲ`ቲ ዝኸፈሎ ግዜን መስዋእትን ተደቢሱ ዶ፧ እቲ ናብ ቃልሲ ክወፍር እንከሎ ዝተለሞ፡ “ምቛም ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓት” ዝብል ዕላማ ተተግቢሩ`ዶ፧ እቶም ሕቶታት ብዙሓት፡ እቲ መልሲ ግን ሓደ ኢዩ፣ ገባቲ ስርዓት ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ክተክል ኣይክእልን ኢዩ።
መበል 34 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ከምተን ዝሓለፈ 33 ዓመታት፡ ብዘይትግበር ጭርሖ ተዓጂባ፡ ክትሓልፍ ኢያ። እታ ዓመት-መጸ ብጓይላን ዳንኬራን፡ ብባንዴራን ጨርቀ-መርቕን እትዕጀብ፡ “መዓልቲ ናጽነት” ዝብል ሽም ዘለዋ መዓልቲ፡ ከም ኩለን ዝሓለፈ ዓመታት፡ ናይ ፕሮፖጋንዳ መሳርሒ ኮይና ክትሓልፍ ኢያ። እቶም መዓልቲ ናጽነት ከነብዕል ዝነግሩና፡ ኣብ ዙርያ እቲ ገባቲ ስርዓት ዘኹድዱ ደባሎ፡ ናይ ፕሮፖጋንዳ መዓልቲ ምዃና ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም። እቶም ዘይንፈልጥ፡ እቶም ኣብ ንሳቶም ዝኣጎድዎ ጓይላ እነኹድድ ሰባት ጥራይ ኢና።
ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፋ 34 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ብቑጠባ ዝደኸመት፡ ብፖለቲካ ዘንቆልቆለት፡ ብባህሊ ዝፈረሰት፡ ብቴክኖሎጅን ትምህርትን ዝደሓረት ሃገር ኮይና ኣላ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኹሉ መዐቀኒታት፡ ኣዝዮም ካብ ዝተጎድኡ ህዝብታት ዓለም ሓደ ኮይኑ ኣሎ። ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ብርግጽ እዚ ኣይነበረን። መስዋእቲ ኤርትራውያን፡ ብርግጽ እዚ ኣይነበረን።
ስለምንታይ ግን ኤርትራ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ምስ 21 ክፍለዘመን ዘይከይድ፡ ውድቀት ወዲቓ፧ ኤርትራ ሎሚ፡ እታ እንኮ፡ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዋሕስ ከትክል ዝኽእል ቅዋም ዘይብላ ሃገር ኢያ። ኤርትራ ሎሚ፡ ሕግታት ናይታ ሃገር ከጽድቕ ዝኽእል ሃገራዊ ባይቶ ዘይብላ ሃገር ኢያ። ኤርትራ ሎሚ፡ ነቲ ብባይቶ ዝጸደቐ ሕግታት ኣብ ግብሪ ከውዕል ዝኽእል ፈጻሚ ኣካል ዘይብላ ሃገር ኢያ። ኤርትራ ሎሚ፡ ንህዝቢ ዝከላኸል፡ ስንፍናን ብልሽውናን መንግስቲ ከቃልዕ ዝኽእል ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዘይብላ ሃገር ኢያ። ኤርትራ ሃገርና፡ ከም ኣዕኑዳ ዝተሰብረ ህድሞ እትርኹመሽ ዘላ እምበኣር፡ እዞም ኣርባዕተ ናይ መንግስቲ ኣዕኑድ ብግብሪ ክሰርሑ ስለ ዘይከኣሉ ኢያ። እሞ እቲ ጽሩይ ሓቂ እዚ ካብ ኮነ ደኣ፡ ስለምንታይ ኣብዚ ክቡር መዓልቲ ብሃገር ደረጃ ዳንኬራን ሆይሆይታን ኣድለየ፧
እቲ መልሲ ፍሉጥ ኢዩ። ገበትቲ ስርዓታት ልዕሊ ሕጊ ኮይንካ ምስራሕ እምበር፡ ቅዋም ኣይደልዩን ኢዮም። ገበትቲ ስርዓታት፡ ስማውያን ጸላእቲ ኣብ ምጭጫሕ እምበር፡ ፈተውቲ ኣብ ምፍጣር ኣይሰርሑን ኢዮም። ገበትቲ ስርዓታት፡ ብሓሶት ዝተላዕጠጠ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምዝርጋሕ እምበር፡ ህዝቢ ሓድሕድ ክፋቐር ኣይምነዩን ኢዮም። ገበትቲ ስርዓታት፡ ብረት ዝተዓጥቀ ሰራዊት ኣብ ምፍራይ እምበር፡ መንእሰያት ኣብ ምምሃርን ምምልማልን ኣይነጥፉን ኢዮም። ገበትቲ ስርዓታት፡ ኣይኮነን መዓልቲ ናጽነት፡ ነቲ ስለ ናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋ እኳ ክብሪ ዝህቡ ኣይኮኑን።
ኣብ ዝሓልፈ 34 ዓመታት፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጸላእቲ ከም ዘለውዎ እምበር፡ ፈተውቲ ከምዘለውዎ ከምዝንገር ኣይተገብረን። ዓመት-መጸ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኣንጻላልዩ ዝበሃል ናይ ሓሶት ደበና ኣንቃዕሪሩ ክሪኢ፡ ንዘየሎ ጸላኢ ክከላኸል ክቕሰብ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ጸላእቲ ክሪኢ ኣይከኣለን። ሕጂ እውን ከም ትማሊ፡ እቲ ንልዕሊ 25 ዓመታት “ዓሌታዊ” ተባሂሉ ዝኽሰሰ ዝነበረ “ጸላኢ”፡ ሎሚ ድሮ “መሓዛ” ተቐይሩ፡ ሓድሽ ዘየሎ ጸላኢ ክስራሕ ተጀሚሩ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ እውን ከም ትማሊ፡ ዳግም ከይዕሾ፡ ጸላእቱ ብንጹር ምፍላጥ ከድልዮ ኢዩ። ጸላእቲ እቲ ስርዓት ብኣእላፍ፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ግን ሓደ እኳ የለን። ከምቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ደጋጊሙ ዝብሎ ከኣ፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ እምበር፡ ኣብ ግዳም ፍጹም የለን። እንተሎ እውን፡ ብቕልጽም ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ በቶም ን34 ዓመታት ብዘይ ሕግን ሓይልን ዘትረፉና ናይ ሰብ ነጋዶ፡ ዝምከት ኣይኮነን።
24 ግንቦት፡ ዛዛሚት መዓልቲ ናይቲ ን30 ዓመታት ዘካየድካዮ ብረታዊ ቃልሲ ኢያ። ብኽብሪ ክንዝክራን መጻኢ ወለዶታት ንዘልኣለም ከኽብርዋን ከኣ፡ ሓላፍነት ናይ ህሉውን መጻኢ ወለዶታትን ኢዩ። ይኹን እምበር፡ መዓልቲ ናጽነትና፡ ህሉው ኩነታትና ንግምግመላን መጻኢና ነማዕድወላን መዓልቲ ክትከውን እምበር፡ መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ናይ ውሑዳት ሰብ-ረብሓ ኮይና ከተገልግል ከነፍቅድ የብልናን። ስለዚ ኢዩ ከኣ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ከሎ ገና “ይኣክል”
ዝብል ድምጺ ዘስመዐ። መዓልቲ ናጽነትና፡ ብዓመት-መጸ ዝስራሕ ናይ ማሕበርነታውያን ጭርሖ ዘይኮነ፡ በቲ ኣብ ባይታ እንገብሮ ስራሕ ጥራይ ኢያ ክትምዘን እትኽእል። ከምቲ ናጽነት ኤርትራ ንምምጻእ ብሓባር ሰሪሕና ልኡላዊት ሃገር ዝፈጠርና፡ ሕጂ እውን፡ ብሓባር ሰሪሕና ጥራይ ኢና ነባሪ ሰላም ከነምጽእ እንኽእል። ብጀካ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ካልእ ከምጽኦ ዝኽእል ውልቀሰብ ይኹን ጉጅለ የለን።
ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
24 ግንቦት 2025