14.8 C
London
Saturday, April 19, 2025

Buy now

spot_img

ንህዝብ ሃገርን ኤርትራ ዝጣበቕ፡ ብዓንቶቦ ደላይ-ለውጢ እምበር፡ጉጅለ ህግደፍ ኣይኮነን።

ኣብዚ ቅንያት`ዚ፡ እቲ ብውሽጢ ውሽጥን፡ ብውልቀሰባትን ጥራይ ክስማዕ ዝጸነሐ፡ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ሊብያ ዝቐመጡ ዘለዉ ስደተኛታት፡ ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ኣሎ። እዞም ሃገር-ኣልባ ኮይኖም ንበረኻታት ሊብያ ዝነፈጹ መንእሰያት፡ ሎሚ ኣብ ዓቢ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ። ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ናይ ህዝብን መንእሰያትን ኤርትራ ፋዕራ ዘይብሉ ናይ ምልኪ ስርዓት፡ ስደት ኤርትራውያን ሕጂ`ውን ኣየብቀዐን። ስለዚ፡ ነዚ ኣብ ሊብያ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ፡ ክከላኸል ወይ ክሕለቕ ዝኽእል ስርዓት፡ ኤርትራውያን ፈጺሙ የብልናን። እቲ እንኮ ክግበር ዝኽእል እምበኣር፡ እቶም ስለ ህዝብን ሃገርን እንሓምም ደለይቲ ለውጢ፡ ነዞም ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዘለዉ መንእሰያት ድምጺ ክንኮኖም ኢዩ። ከም ሰባትን ኤርትራውያንን ከኣ ሓላፍነት ኣለና።

ፖሊቲካ ሊብያ፡ ድሕሪ 2020 ተኣፋፊ እንዳኾነ ኢዩ መጺኡ። እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ፡ ናይ ምቕታልን ምዝማትን ዘመተ፡ ኣብ 2021 እውን ኣጋጢሙ ኔሩ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ብምትእትታው ማሕበረሰብ ዓለም ንግዚኡ ደቂሱ ኢዩ ጸኒሑ። እዚ ሕጂ ኣብ ሊብያ ጀሚሩ ዘሎ፡ ጸረ-ስደተኛታት ዝኾነ ናይ ሊብያውያን ናዕቢ፡ ብኣጋ እንተዘይተገቲኡ ከኣ፡ ዕጫ ናይቶም ኣብ ሊብያ ዘለዉ ኤርትራውያን እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ክግመት ዝከኣል ኣይኮነን። ድሮ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ድምጾም ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ከነብጻሓሎም ይሓቱ ኣለዉ። ንሕና ጥራይ ከኣ ኢና፡ ኣብ ጎንኹም ኣለና ክንብሎምን፡ መዓጹ ማሕበረሰብ ዓለም ብምኩሕኳሕ ከነድሕኖም እንኽእልን።    

ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ዝኾነ ይኹን ደላዪ ለውጢ፡ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ስለ እዞም ስደተኛታት ሰለማዊ ሰልፊ ክወጽእን፡ ናብ ኩሎም ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣድላዪ ዝበሃል ናይ ጽሑፍን ቃልን ስምዕታ ከቕርብን ይምሕጸን።

ስደትና ከብቅዕን፡ ካብዚ እንሓልፎ ዘለና ዘይሰብኣዊ ሃለዋት ንኽንወጽን ግን፡ ነባሪ መፍትሒ እምበር፡ ግዝያዊ መፍትሒ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። እቲ ሓደን ናይ መወዳእታን ፍታሕ ከኣ፡ ነቲ ስደተኛታት ጥራይ ዘፍሪ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ናይ ሸፋቱ ስርዓት ጉሒፍካ፡ ውሕስቲ ኤርትራ ምህናጽ ጥራይ ኢዩ።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
22 መጋቢት 2025   

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,870SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles