ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂውን ከበሮ ኲናት ክድሰቕ ይሰምዕ ኣሎ። እቲ ኲናት ይጀመር ኣይጀመር፡ እቲ ከበሮ ኲናት ከምቲ ልሙድ ብእውጅ ምድሳቑ፡ ኣብቲ ድሮ ንልዕሊ 70 ዓመታት ብኲናት ዝረብረበ ህዝቢ፡ ክፈጥሮ ዝኽእል ሻቕሎት፡ ቀሊል ኣይኮነን። ከም ዝዝኸር፡ ኣብ 2018፡ እቲ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይተኸተለ፡ ብውዕል ሰላም ኢስያስን ዶር ኣብይን ዝፍለጥ ውዕል ምስ ተኸተመ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ናብ ኲናት ክኣቱ ኢሉ ኣይሓሰበን። እቲ ብዘይ ኣፍልጦ ክልቲኡ ህዝብታት፡ ብዳንኬራን ሆይሆይታን ዝተኸተመ “ናይ ሰላም ውዕል”፡ እቲ ፌርማ ከይነቐጸ፡ ናብ ውዕል ኲናት ክቕየር ከኣ ግዜ ኣይወሰደን።
እዚ ናይ ክልተ ሰባት ውዕል እዚ፡ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ ዜጋ፡ “ይኣክል” ዝብል ድምጺ፡ ካብ ጻት ናብ ጻት ከስምዕ ገዲድዎ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ እዛ ይኣክል እትብል ቴማ ዓሲሉ፡ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ዜጋ ወዲቡ፡ “ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጻላኢ” ዝብል መትከላት ጸይሩ፡ “ቃልስና! ቃልሲ ወለዶታት ኢዩ” ብምባልተቓለስቲ ካብ ምትፍናን ኣውጺኡ፡ ህዝቢ፡ ኣብ ሓደ ሃገራዊ ሓሳብ ከም ዝሰጥም ጌሩ፡ ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ክፈጥር ሓያል ጻዕሪ ኣካይዱ ኢዩ። እነሆ ድማ ሕጂ፡ 3ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መበል ሓሙሻይ ዓመቱ፡ ናብ ዓሰብ ዝቐነዐ ወስታታት ከንሳፍፍ ይሰምዕ ኣሎ።
ምንቅስቓስ ይኣክል ካብ ዝፍልም ኣትሒዙ፡ ኣንጻር ኲናት ጠጠው ምስ በለ ኢዩ። ንወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕለቕ፡ ንከትሪ ህግደፍ ከኣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ኮይኑ ዝቃለስ፡ ንጹር መትከል ዝውንን ምንቅስቓስ ኢዩ። ኲናት ብዝኾነ መንገዲን መንግስትን ይምጻእ ክኹነን ዝግበኦ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ኤርትራ ሃገርና፡ ብቛንቋ ኲናት ጥራሕ ዝርድኦ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት እትደሚ ዘላ ሃገር ኢያ። ሰንሰለት ቃልሲ እምቢታ ወለዶታት ኤርትራ ከይብተኽ፡ ንድሒሪት ተመሊሱ ከይቅህም፡ምንቅስቓስ ይኣክል ጥራይ ዘይኮነ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ዕማም ወሲዱ፡ ነዚ ክፉእ ስርዓት ኣልቦ ምሕደራ ክኣሊ ኣለዎ።
ከምቲ ውሽጣዊ ኩናት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ተወለዐ፡ ብትሪ ዝኾነነ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ኩናት ከይኣቱ ብትሪ ዘዘኻኸረን፡ ስምዕትኡ ናብ ማሕብረ-ሰብ ዓለም ዘስመዐን፡ ሕጂ እውን፡ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝግበር ኲናት፡ ብዝኾነ ወገን ይምጻእ፡ ክጻወር ከም ዘይኮነ ደጊሙ የዘኻኽር። እዚ ብወገን ስርዓት ብልጽግና ዝግበር ዘሎ፡ ምጥሓስ ዶብ ኤርትራ ዝመስል ወስታታት፡ ነዚ ክልተ ህዝብታት ናብ ዝያዳ ጥፍኣትን ህልቂትን ዘስዕብ እምበር ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን። ፍታሕ ዘምጽእ ኔሩ እንተዝኸውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 70 ናይ ኲናት ዓመታት ፍታሕ ከምጽእ ምኸኣለ።
እቲ ፍታሕ ከምቲ ዝግመት ብርቱዕ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ብኢደ ዋሚምካ፡ ልዑላውነት ሃገር ጥሒስካ፡ መሬት እንዳማትካ ክትግብት ምፍታን፡ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ለውጢ ከምጽእ ከይደቀሰ ዝሓድር ዘሎ ኤርትራዊ ሓጊዝካ፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሽግርን ዕግርግርን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ምእላይ፡ ነባሪ ፍታሕ መምጸአ። እዚ ነዚ ስርዓት ኣልዩ፡ ምስ ጎረባብቱ ብሓባርን ብሰናይ ጉርብታናን ክነብርን ክሰርሕን ዝቃለስ ዘሎ፡ ናይ ሰላም ቆጽሊ ምቕባል ምሓሸ። ሕጂ እውን በዚ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ሓጋዚ ስኢኑ፡ ሃገሩ እንዳበረሰት ኣማዕድዩ ዝዕዘብ ዘለ ሰብ ዋና ባሕሩን መሬቱን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓገዝኩም ከተበርክቱ ንጽውዕ።
ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡
- ክልቲኦም ወገናት ደው ኢሎም ክሓስቡ፡ እዚ ደበና ኩናት ደው ኢሉ፡ ቋንቋ ዲፕሎማሲ ክተኣታቶ ክጽዕቱ ይጽውዕ።
- እቶም ብህዝቢ ኤርትራ ዝሓስቡ፡ ኩሉ ናውቶምን ናይ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ርክባቶምን፡ ኣንጻር እቲ ሓደ ኣብ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ከቕንዑ ይጽውዕ።
- እዚ ናይ ኩናት ወስተታት፡ ዕድመ ስልጣን ገባቲ ስርዓት ኢስያስ ዘደልድል ከይከውን ክልተ ግዜ ክሓስቡ ይጽውዕ።
- ስርዓት ኢህወደግ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ዝተኸተሎ ናይ 20 ዓመታት ግጉይ ፖሊሲ፡ ዕምሪ ስልጣን ስርዓት ኢሳያስ ወሲኹ፡ ንህዝቢ ትግራይ ለኪሙ ከምዝሓለፈ፡ ናይ ትማሊ ትዝታ ኢዩ። ታሪኽ ነብሱ ከይደግም፡ ኩሉ ኣቓልቦና ናብ ሰላምን ምኽባር ውዕል ኣልጀርስን ክኸውን ይጽውዕ።
ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
መጋቢት 10 2025