ሎሚ መዓልቲ፡ 8 መጋቢት 2025፡ እታ ብዓለም ደረጃ እትኽበር ዕለት፡ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኢያ። ደቀንስትዮ ዓለምና፡ ናብዚ ሕጂ ዘለዎኦ ናይ መሰል ደረጃ ንኽበጽሓ፡ ብዙሕ መስገደል ኣሕሊፈን ኢየን። ሳላ እዚ ክቡርን ሓያልን ቃልሲ ከኣ፡ ሎሚ ዳርጋ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም፡ ማዕረ እቲ ንዓመታት ዝጨቆነን ወዲ ተባዕታይ ክኾና በቒዐን ኢየን። በዚ ኣጋጣሚ፡ ምንቅስቓስ ይኣክል እንቋዕ ናብዚ ክቡር በዓል ኣብጻሓክን ይብለን።
ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ከም ኩለን ደቀንስትዮ ዓለምና፡ ንመሰለን ዝኸፈለኦ ዋጋ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ዓለምና፡ ኣዝዩ ውሑድ መዳርግቲ ጥራይ ዘለዎ ዋጋ ብምኽፋል ከኣ፡ ብዓለም ደረጃ ዓቢ ተፈላጥነት ዝረኸባ ኢየን። ሃገርና ኤርትራ፡ ካብ መንጋጋ ናይ ባዕዲ መግዛእቲ ንኽትላቐቕ፡ ክጉሰ ዘይከኣል ተሳታፍነት ኣርእየን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሽመንን ሽም ሃገርናን ኣበየ መድረኻት ኣፍሪቃን ዓለምን ከምዝጽዋዕ ጌረን ኢየን። እዚ መዓልቲ እዚ ከኣ፡ ልዕሊ ኹሉ ንደቀንስትዮ ኤርትራ ይግበአን። እዚ ብቓልሲ ዝመጸ ታሪኽ ከይሃስስ፡ ነበረያ ነበረ ኮይኑ ከይተርፍ፡ ናይ ደቀንስትዮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኩሉ እቲ ምእንቲ መሰል ናይ ደቀንስትዮ ዝጣበቕ ኤርትራዊ ሓያል ጻዕሪ የድሊ። ድሮ፡ እቲ ብሓያል ጻዕሪ ዝረኸበኦ መሰል፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነን ክብሕጎግ ጀሚሩ ኣሎ። ብዘቤታዊ ዓመጽ ዝሳቐያ፡ ብመንግስታዊ ትካላት፡ ካብ ደቀን ተፈልየን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልያ ደቀንስትዮ ውሑዳት ኣይኮናን። ኣብዛ ክብርቲ ዕለት እምበኣር፡ ኩለን እተን ኣብ ማእሰርቲ ተሓይረን ዘለዋ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ክፍትሓ፡ እተን ብዘቤታዊ ዓመጽ ተበዲለን ኣፈን ዝተዓብሳ ከኣ ኣለናልክን ክንብለን ይግባእ።
ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ሕጂ እውን ከም ቀደም፡ ኣገልገልቲ ምልኪ ዘይኮነ፡ በሃግቲ ናጽነት፡ በሃግቲ መሰል፡ በሃግቲ ፍትሕን ራህዋን ክኾና፡ ኣደነታዊ ሓላፍነት ኣለወን። ሃገር ከም ኣደ እትምሰል ከኣ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን – ሃገር ህዝባ ተጽልል፡ ኣደ እውን ደቃ ተጽልል፡ ሃገር ነባሪኣ ይብህጋ ኣደ እውን ደቃ ይብህግዋ። ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ሕጂ እውን ከም ቀደም፡ ኣብ ጎኒ እቲ ከማኽን ውጹዕ ዝኾነ ኤርትራዉ ወዲ ተባዕተይ ደው ኢልክን፡ ይኣክል ንምልኪ፡ ይኣክል ንዓመጽ፡ ይኣክል ንምፍልልላይ ክትብላ እዋኑ ኢዩ።
በዚ ክቡር ዕለት ምኽንያት ብምግባር እምበኣር፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን እትነብራ ደቀንስትዮ፡ ነጻ ናይ ደቀንስትዮ ማሕበራት ፈጢርካን፡ ንመሰልክንን መሰል መላእ ህዝቢ ኤርትራን ክትሰርሓ ይምሕጸን። ከምቲ ናይ ዓለምና ፈላስፋታት ዝብልዎ፡ ብዘይ ተሳታፍነት ደቀንስትዮ ክፍታሕ ዝኽእል ሽግርን ክመጽእ ዝኽእል ሰላምን ጨሪሹ የለን።
ዓወት ን8 መጋቢት 2025
ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
8 መጋቢት 2025