5.2 C
London
Wednesday, March 19, 2025

Buy now

spot_img

ደምዳሚ ኣዋጅ ሳልሳይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን

ደምዳሚ ኣዋጅ ሳልሳይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን

ሳልሳይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ውህደት ቀስትታትና ናብ ቀዳማይ ጸላኢና ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ፡ ካብ ዕለት 28 ለካቲት ክሳብ ዕለት 2 መጋቢት 2025 ተቓኒዑ።  

ኣብቲ ኣብ ዕለት 28 ለካቲት ዝተኻየደ ጉባኤ ባይቶ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ነባራትን ሓደስትን ወከልቲ ዝተሳተፍዎ ኮይኑ፡ ንኩነታት ምንቅስቓስ፡ ንጥፈታቱን ብድሆታቱን ዳህሳስ ድሕሪ ምግባርን፡ ናይ ተቖጻጻሪት ሽማግለ ጸብጻብ ድሕሪ ምስማዕን፡ ሓደስቲ ናይ ስራሕን ስትራተጂን ወረቓቕትን ከምኡ’ውን ዝተመሓየሹ ሕግታትን ኣጽዲቑ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ዕለት’ዚ፡ ሓደስቲ ወከልቲ ባይቶ፡ ኣብ መሪሕነት ንዘገልግሉ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ማለት፡ ኣቦ-መንበር፡ ምክትል ኣቦ-መንበርን ጸሓፍን መሪጾም።

ካብ ዕለት 01 ክሳብ 02 መጋቢት፡ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ምንቅስቓስን፡ ዝተፈላለዩ እዋናውያን መጽናዕታዊ ጽሑፋትን፡ ዝቐረበሉን ዝተዘተየሉን፡ ናይ ደገፍ መልእኽትታት ዝተሰምዓሉን ወፈያታት ዝተገብረሉን ክፉት ናይ ህዝቢ ጉባኤ’ዩ ኔሩ። ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ህልውን መጻእን ንጥፈታት ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ከም ኣብ ዲፕሎማሲ፡ ውደባን ጐስጓስን፡ ጽምዶን ሜድያን ብምትኳር፡ ነዞም ዝስዕቡ ንጥፈታት ብንጥፈት ክዓዩ ምዃኑ ውሳኔታት ኣሕሊፉ።

  1. ናይ ቃልሲ መንፈስን ትብዓትን ከሕድስ
  2. ውሁድን ቕርጥውን ንጥፈታት ከሰላስል
  3. መንእስያት ንዝተበገስሉ ዕላማ ብግቡእ ኣብ መጨረሽትኡ ንምብጻሕ ንጡፍ ተራ ክጻወትን
  4. ቃልሲ ኣብ ድርኩኺት ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ ናይ ለውጢ ዓወት ንኽሳለጥ ክሰርሕን፡ ዝብሉ ኢዮም።

ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ነዞም ዝኣመሞም ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ነቲ ቀንዲ ተዋሳኣይ ናይቲ ለውጢ ዝኾነ ሕብረተሰብ ኤርትራን፡ ናብ ዝተፈላለዩ ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላትን፡ መልእኽትን ለበዋን ኣመሓላሊፉ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ 

    ዝሓለፉ ልዕሊ 30 ዓመታት፡ ብኹሉ መዳይካ፡ ማለት ካብ መነባብሮኻ ጀሚሩ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ደረጃኻ፡ ታሪኽካን ክብርታትካን፡ መጻኢኻ እውን ከይተረፈ፡ በብግዜኡ እናተደወነን እናጸልመተን ከም ዝኸደ ባዕልኻ እትርእዮ ዘለኻ ሓቂ’ዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ህዝቢ ኣትዩ ዘሎ ምክፍፋላት፡ ዘይምትእምማን፡ ስግኣትን ፍርሕን፡ ኮነ ኢልካ ካብ ዝተፈላለዩ ንሃገርን ህዝብን ዘየርብሑ ኣጀንዳታትን ዝነቅልን፡ ናብ ጎጃጃሊ ኣተሓሳስባታት ዝመርሕን፡ ንሓድነትካ’ውን ዘራጊ እንዳኾነ መጺኡ ኣሎ። ስለዚ፡ እቲ ውሑድ ስልጣን ዝጨበጠ ጉጅለ፡ ንኹሉ ናይ ክፍኣትን ጥፍኣትን መስርሓት ኣብ ልዕሊኻ ዝፈጸመን ዝፍጽምን ዘሎ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ከም ወትሩ፡ ትብዓትካን መንፈስ ኤርትራውነትካን ብምሕዳስ፡ ንግዝኣተ ሕግን ልዕልና ሕግን ክትጽውዕ ንምሕጸን።

    ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

    ከም ዜጋታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን፡ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ዝወጻኻ፡ ንሃገርካ ብቕንዕና ንምግልጋል ወይ’ውን ብኣስገዳድ ከካብ መረበትካ ዝተዋፈርካ ምዃንካ፡ ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነን። ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞ ወተሃደራዊ ሂወትካን መነባብሮኻን`ውን እንተኾነ፡ ዘሎካ ሓርጎጽጎጽን ቀቢጸ ተስፋን፡ መጻኢ ዝተሓረሞ ምዃኑ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝግንዘቦ ኢዩ።

    ስለዚ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ንዕላማኻን ኣህጉራዊ ሕግን ተቐይድካ፡ ካብ ምልኪ ንምግልጋል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ቃልሲ ርብርብ፡ ኣብ ጐድኒ ህዝብን ሃገርን ክትሰለፍ እናተማሕጸንና፡ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ፡ ዕዙዝን ዓቢ እጃም ናይ ምብርካት ዓቕሚ ከምዘለካን፡ እቲ መፍትሕ አብ ኢድካ ከምዘሎን ነዘኻኽር። 

    ሰበ-ስልጣንን ሓለፍትን፡

    ዝኾነ ብሕጊ ዝተመርጸ ስርዓት ግዜኡ ወዲኡ ዝሓልፍ ከም ዝኾነ ርዱእ’ዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ውሑድ ጉጅለ ዑደት ሂወቱ ብተፈጥሮ ምኽንያት ኣብ ምዝዝዛም ኢዩ ዝርከብ ኣሎ። ከም ሰብን ዜጋታትን፡ ዝተዋህበኩም ሓላፍነት ንህዝብን ሃገርን ምግልጋል እምበር ንውልቃዊ ምሕደራ ምግልጋል ከምዘይኮነ ብግቡእ ከምእትግንዘቡ ርዱእ’ዩ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡  ልኡላውነት ሃገር ብተደጋጋሚ ኣብ ሓደጋ እንዳ ወደቐን፡ ህዝቢ ብፍርሕን ራዕድን እናተሸቑረረን፡ መጋበርያ ዓመጺ ውልቀ-ምልኪ ክትኮኑ ግዜ ዘፍቅድ ኣይኮነን። ነዚ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘሎ ጉጅላዊ ስርዓት ኣሊኹም፡ ምስ ህዝብኹም ክትውግኑ ይግባእ።

    ተቃወምቲ ውድባትን ምንቅስቓሳትን፡

    ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ ናይ ተቃውሞ ቃልሲ፡ ሽሕ`ኳ ብዙሕ ጻዕርን ፈተነታትን እንተተገብረ፡ ሓቢርካ ንምቅላስ ዝውሰድ ተበግሶታት ግን ዛጊት ከምቲ ዝግባእ ክምዕብልን ክዕወትን ኣይከኣለን። እዚ ውሑድ ጉጅለ፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ፍልልያትናን ድኹም ውዳበናን ይነብር ከምዘሎ ይፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ ብተግባር ሰሪሕና ከነድምዕ ግን ኣይበቓዕናን። ስለዚ፡ አብ ደንበ ተቃውሞ ዘሎ ናይ አመራርሓ ጽልግልጽ ብግቡእ ክእለን፡ ዕማማቱ ብቐደም ተኸተል ሰሪዑ ንቕድሚት ክምርሽን፡ ናይ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት ሓላፍነት ከም ዝኾነ ምርዳአ ኣገዳሲ’ዩ። ክንዮ እቲ ጋሪዱና ዘሎ ጽልግልግ ጠሚትና ሃገር ከነድሕን ከኣ እዋኑ ኢዩ።

    ምሁራት ኤርትራውያንን ጸለውቲ ውልቀ-ሰባትን፡

    ኣብ ስደት ዘሎ ምሁር ኤርትራዊ፡ ንሃገሩን ህዝቡን ኩርዓትን ሓበንን’ዩ። ዘለኹም ፍልጠት፡ ተመክሮ፡ ርክባትን ጸጋታትን፡ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ህዝብና ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ሓላፍነት ክትስከሙ ይግባእ። ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ወሪዱ ዘሎ ማህሰይቲ ብምግንዛብ፡  ኣብ ምንቕቓሕን ምብርባርን ፍልጠቶምን ዕድላቶምን ዘተኮረ መደባትን መድርኻትን ብምድላው፡ መንፈስ ርድኢቶምን ስኒቶምን ንኸቕንዑ ክትተሓባበሩ ምኽሪ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።

    ስቅታን ሸለልትነት፡ ነቲ ዝጋገን ዝብድልን መሊሱ ዘብእስ፡ ንዘሎ ጸገማትን ሽግራትን ድማ ዘቃልዕ ምዃኑ ብዕምቆት ምሕሳብ ዘድልዮ ኢዩ። ህዝቢ፡ ኣብ ሓድሕዱ ከይተፋነንን፡ ካብ ርድኢትን ክውንነትን ከይርሕቕን፡ ዘለኩም ተራ ቀሊል ከምዘይኮነ ምስትብሃል ዘድልዮ ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ብዝቐሰምክምዎ ሞያውን ኣካዳምያውን ፍልጠት፡ ሞያዊ ምትእኽኻባት ፈጢርኩም፡ ኪንዮ እቲ ህሉው መድረኽ ክትሓስቡን፡ ምድላዋት ክትገብሩን፡ ብሓላፍነት ክትሰርሕሉን ንጽውዕ።

    ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን፡

    ኣዴታት ኤርትራ፡ ናይ ሓድነትን ቃልስን መትኒ ምዃነን፡ ብግብሪ ኣብ ታሪኽና ዝተራእየ ኢዩ። ኣብ ስደት እውን እንተኾነ፡ ምስ ኩሉ ናይ ናብራ ብድሆታትን ጸገማትን፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ቃልሲ ዘለወን ተራ ቀሊል ኣይኮነን። በዚ ኣጋጣሚ፡ ከም ወትሩ ዘለክን ኣብነታውን መሪሕ ተራ ከተዕዝዛን፡ ንስኒትናን ሓድነትና ንምድልዳል ክትሰርሓን፡ ንምሕጸን።   

    መንእሰያትና፡ ካብ ኣዝዩ ኣስካሕካሕን አሰካፍን ናይ ስደት መንገዲ ሰጊሮም፡ ናብ ቃልሲ ክጽንበሩ ምኽኣሎም፡ ናህሪ ናይ ቃልስና ከምዝዛይድ ጌሮሞ ኢዮም። ይኹን እምበር፡ ዝሓለፍዎ መስገደል ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ መንእሰያትና፡ ንቡር ህይወቶም ክመርሑን፡ ኣብዚ ተበጋጊሱ ዘሎ ናይ መንእሰያት ምጥርናፋት እጃሞም ከበርክቱን፡ ዓቢ ደገፍ ከምዘድልዮም ዝከሓድ ኣይኮነን። ናይ መጻኢ ሓላፍነት ንኽስከሙ ድማ፡ ምንቅስቓሶም፡ ቅርጽን መልክዕን ክሕዝ ኣብ ምግባር ምትሕግጋዝ ክግበረሎም ኣገዳሲ ባእታ’ዩ። መንእሰይ፡ ሽሕ`ኳ ናይ ለውጢ ሓይሊ እንተኾነ፡ ኣብ ርእሲ ወኑን ድሌታቱን፡ ብቑዕ ራእይን ዲሲፕሊንን ሰኒቑ፡ ነዚ ህሉው ናይ ቃልሲ መድረኽ ክጓዓዝ ንምሕጸን።

    ጎረባብቲ ሃገራትን ቀርኒ ኣፍሪቃ፡

    ኩነታት ሃገርና ኤርትራ፡ ብሰንኪ እቲ ንነዊሕ ዝኸደ ምልካዊ ምሕደራን መወዳእታ ኣልቦ ኩናትን፡ ናብ አዝዩ አሰካፊ ዝዀነ ኩነታት የምርሕ ከምዘሎ ግሁድ’ዩ። ኣብ ዞባና ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡ እንተ ብቐጥታ እንተ ብተዘዋዋሪ፡ ጽልውኡ፡ ኣብ ሃገርና ከምዝገድፍ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት፡ እቲ ቀንዲ ዘራጊ ሰላምን ዘይምርግጋእን ዞባና ምዃኑ፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝተመዝገበ ኢዩ። እዚ ተግባር እዚ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክፈጥሮ ዝኽእል ዕዳ ከኣ ቀሊል ኣይክኸውንን ኢዩ።

    ኣድላይነት ሰናይ ጉርብትናን ሓባራዊ ረብሓታት ህዝብታትን ብምግንዛብ፡ ኣብ ከባቢና ተኸሲቱ ዘሎ ግርጭታት፡ ዞባውን ኣህጉራውን ሰላም ብዝረጋግጽ መንገዲ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ንጽውዕ። ሰላምን ዲሞክራስን፡ ዞባዊ ርግኣትን ምዕባለን ንምስፋን ዘገልግል ጥዑይ ዝምድና ንምህናጽ ከኣ፡ ኩለን ናይ ከባቢና ሃገራት ሓላፍነት ክስከማ ነዘኻኽር።

    ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካላትን፡

    እዚ በዚ ውሑድ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ዝፍጸም ዘሎ ኣደራዕን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን መዘና ዘይብሉ ምዃኑ፡ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝተኸወለ ጉዳይ ኣይኮነን። ነዚ መሰረት ጌሮም፡ ዝተፈላለዩ ውልቀ-ሰባት፡ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳትን ውድባትን ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ነመስግን። እቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝካየድ ጻዕርታትን ኣቤቱታትን ብግቡእ ብምግንዛብ፡ እቶም ልሉያት ናይ’ዚ ውሑድ ጉጅለ ኣባላት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንክቐርቡን ኣገዳስቲ ቆላሕታ ክግበርን ነዘኻኽር።

    ኣብ መወዳእታ፡ ንኹሎም ኣባላት ባይቶታት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን ዕዱማትን ተሳተፍትን ሳልሳይ ጉባኤ እናመስገንና፡ ሕጂ’ውን ከም ወትሩ ኩሉ ቀስትታት ቃልስና ናብ’ዚ ንሃገርናን ህዝብና ጅሆ ሒዙ ዘሎ ውሑድ ጉጅለ ይኹን።

    ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
    መጋቢት 02, 2025

    Stay Connected

    16,400FansLike
    745FollowersFollow
    2,850SubscribersSubscribe
    Prisoner of Consciencespot_img

    Latest Articles