ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን 3ይ ጉባኤ ኣቃኒዑ።
እዚ ልዕሊ 200 ተሳተፍቲ ባይቶታት ምንቅስቓስ ይኣክልን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽብሉ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ካብ ዕለት 28 ለካቲት ክሳብ ዕለት 2 መጋቢት 2025 ን3ይ ግዜ ተቓኒዑ። ኣብዚ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ጉባኤ፡ ብዙሓት ምሁራትን ሰብ ተመክሮን ብምስታፍ፡ ልቦና ብዝመልኦ ኣቀራርባን ስሉጥ ኣወዳድባን ዝተሰነየ ብምንባሩ፡ ኣብ ጉዕዞ እዚ ግዙፍ ምንቅስቓስ ዓቢ ምዕራፍ ከፊቱ ኢዩ።
እቲ ኣብ ዓርቢ 28 ለካቲት ዝተኻየደ ቀዳማይ መደብ፡ ኣብ ኣመራርሓን መዋቕራዊ ዕብየትን፡ ኣብ ምግምጋም ይኣክል ዝሓለፎም ዓመታዊ ጸብጻባት፡ ፋይናንሳዊ ኦዲትን ስትራተጂካዊ ለበዋታትን ዘተኮረ ኔሩ። ሓድሽ ኣገባብ ምርጫ ብምትእትታው ከኣ፡ ንተልእኾ ይኣክል ንቕድሚት ከሰጉሙ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሎም፡ ኣቦ መንበር፡ ምክትል ኣቦ መንበርን ጸሓፍን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ።
ኣብ ካልኣይ መዓልቲ፡ ማለት ሓደ መጋቢት 2025፡ ንተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘተኮረ መደረታትን ምሕጽንታን ቀሪቡ። ኣብዚ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዘካየዶ መደብ፡
- ህግደፍን ኣሰራርሕኡን ብዝብል ኣርእስቲ፡ ንህሉው ኩነታት ስርዓት ህግደፍ ዝድህስስ፡ ብኣሕዋት ኣምባሳደር ዓብደላ ኣድምን ኣቶ ዳዊት ፍስሃየን ቀሪቡ።
- ብዛዕባ ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ቃልስን መንእሰያት ዘለዎም ማሕበራውን ቁጠባዉን ብድሆ ብመንእሰያት ሰምሃር ገብረስላሴን ሰናይ ኣስጎዶምን ቀሪቡ።
- ህልው ኣገባብ ቃልሲ ኣብ ዲያስፖራ ብዝብል ኣርእስቲ ብዶክተር መጎስ ያቆብን ሰንጋል ወልደትንሳኤን ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ።
- ህዝቢ፡ ኣብቲ ዝተዋህበ መደረታትን ህሉው ፖለቲካዊ ለውጢ ናይ ከባቢና ዘተኮረ ናይ ዘተ መድረኽ ተኻይዱ።
ኣብቲ ኣብ 3ይ መዓልቲ፡ ማለት ሰምበት 02 መጋቢት 2025 ዝተኻየደ መደብ፡ ጉባኤኛ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ዛዕባታት ዘትዩ።
- ህዝባዊ ዲፕሎማስን ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብን፡ እዚ ብዓወት ጸሃየ ዝቐረበ መደብ፡ ደለይቲ ፍትሒ ብዘይምሕባሮም ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ፈጢርዎ ዘሎ ምድንጋር ዓቢ ምዃኑን፡ ነዚ ምድንጋር ንምውጋድ ኩሎም ተቓለስቲ ብጽምዶ ክዓዩን ዘለዎ ኣድላይነት ዓቢ ምዃኑ ኣገንዚቡ።
- ስግረ-ዶባዊ ጸቕጥን ዲፕሎማስያዊ ቃልስን – ዶክተር ኣሮን ብወገኑ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ፡ ንኣብ ደገ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ዘውርዶ ዘሎ ዓመጽ፡ ብዘይ ወዓል ሕደር ክግታእ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።
- ነጸብራቕ ምንቅስቓስ ይኣክልን መጻኢ ዕድላቱን ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብዶክተር መብራህቱ ኣተወብርሃንን ተኣምራት ስዩምን ዝቐረበ መደብ፡ ሓደ ካብቶም ዛዘምቲ ኣርእስታታት ናይቲ ጉባኤ ኢዩ ኔሩ። ምንቅስቓስ ይኣክል ዝሓለፎም ዓበይቲ መድረኻትን፡ ንቕድሚት ከስተብህለሎም ዝግበኦም ሃገራዊ ኣጀንደታትን ድማ ብዝርዝር ቀሪቦም።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሓድሽ ዝተመርጸ መሪሕነት፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ መጻኢ ሒዝዎም ካብ ዘለዉ ዓበይቲ መደባት፡ ንጉባኤኛ ኣካፊሉ። እዚ ብኣቦ መንበር ዳዊት ዘርእዝጊ ዝቐረበ ሓጺር ጽሑፍ፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ሓጺርን ነዊሕን ክዓዮም ዝተለሞም ዕዮታት ኣብሪሁ። 3ይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ድሕሪ ውዕዉዕ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዘተ፡ ከምቲ ዝመደቦ፡ ብዓወት ተዛዚሙ።