4 C
London
Tuesday, February 11, 2025

Buy now

spot_img

ጋዜጣዊ መግለጺ ምንቅሰቓስ ዓለም-ለኸ ይኣክል ብምኽንያት ዋዕላ መንእሰያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን፡ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኢትዮጵያ፡ ዕዉት ዋዕላ ኣቃኒዑ። እቶም ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃን ካልኦት ከባቢታትን ዝመጹ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ተጋባእቲ ሕሰም ህዝብና ከብቕዕን ኣብ ሃገርና ግዝኣተ ሕጊ ክረጋገጽን እንኮ ኣማራጺ ንጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ብምውጋድ ምዃኑ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ምዕራፉ መታን ክበጽሕን ህዝብና ክርህዎን ስደት ከኸትምን፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ተሳትፈፎ ከምዝሓትት እውን ኣስሚሮሙሉ። ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ዝሓለፋ 3 ዓመታት፡ ጉጅለ ህግደፍ ንምቕዋም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ጎነጽ ዘተሓወሶ ንጡፍ ቃልሲ ከምኡውን ውዳበታቱን መደባቱን ንምሕያል ኣኼባታት ከካይድ ጸኒሑ ኢዩ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቃንዐ ዋዕላ ብርጌድ ንሓመዱ ድማ ከም መቀጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሎሚ በብእዋኑ ንስለ ፍትሒ ከሰላስሎ ዝጸንሐ ቃልሲ ኮይኑ፡ ብብዝሒ ተሳተፍቲ፡ ብዘልዓሎ ዛዕባን ዘርኣዮ ናይ ቃልሲ ወንን ተደሚሩ፡ ኣብ ኣፍንጫ ጉጅለ ህግደፍ ምክያዱ፡ ሻቕሎትን ራዕድን ንስርዓት ህግደፍ፡ ተስፋን ሞራልን ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

ከምዝፍለጥ እቲ ብሰንኪ ኣረሜናዊ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ፡ ምድረበዳን ባሕርን ጥሒሱ ካብ ሃገሩን ስድራቤቱን ክፈላለ ተገዲዱ ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፍ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ ህግደፍ ነቲ ኣንጻሩ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፡ ከም ክድዓትን ግብረሽበራን ብምዕራባውያን ዝተባባዕን ክገልጾ ጸኒሑ ኢዩ።

እዚ ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ከኣ፡ ጃንዳ ህግደፍ ካብ ስግኣቱ ዝነቅል መናውራ ከጸልሞን ከነኣእሶን ባህርያዊ ኢዩ።  ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ትማሊ ዝበሎ ዝርስዕን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተጋላባጢ መርገጺ ዝወስድን ኮይኑ እምበር፡ እቲ ኣብ 2018 ምስ ሰልፊ ብልጽግና ዘካየዶ ስማዊ ስምምዕ ሰላምን ጥልመትን እንተዝስቆሮ፡ ዋዕላ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ውጽኢት ናይቲ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዝኽተሎ ፖለቲካዊ ዕብዳን ኢዩ።

መርገጽን እምነትን ምንቅስቓስ ዓለም ለኸ ይኣክል፡ ይዕበ ይንኣስ ንጥፈታት ብርጌድ ንሓመዱ፡ ሕመረትን መንፈስን ቃልሱ ቀዳማይ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ንምስዓርን ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ንምንጋስን ልኡላውነትን ሓድነትን ህዝብና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱ ክሳብ ዝኾነ ብዘይ ዕቃበ ልዑል ደገፉ ይገልጽን ከም ቀደሙ ናይ ቃልሲ መሓዛ ምዃኑን ደጊሙ የረጋግጽ። ብርጌድ ንሓመዱ፡ ንጥፈታቱ ንምዕዋት ዘካይደሉ ቦታን፡ ምስ መን ይመሓዞን፡ ከም ቅድመ ኩነትን ስግኣትን ጌርካ ክጥመት ከምዘይግብኦ እውን ይኣምነን። ይኹን እምበር ምንቅስቓስ ዓለም-ለኸ ይኣክል፡ ብተግባር ከምዝተራእየ እቲ ርጡብ ፖለቲካዊ መርገጺ ይኹን ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ዘይብሉ ሰልፊ ብልጽግና፡ እናሻዕ ዝደግሶን ዘይበልን ጥሙሕ ምውናን ባሕሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ትማሊ ምስ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ወደኽደኽ ዝብል ዝነበረ፡ ንብርጌድ ንሓመዱ ይኹን ኻልእ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ፡ ንግዝያዊ ረብሕኡ መጣልዒ ካርታ ከይጥቀመሉ ልዑል ጥንቃቐ ዝሓትት ኢዩ።

ኣቢዪ ኣሕመድን ካልኦት ልሂቃን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብዙሕ ተጋላባጢ ፖለቲካዊ መርገጺ ክወስዱ ብምጽንሖም፡ ብስምዒትን እምነትን ጥራይ ምጉዓዝ ሃስያ ክህልዎ ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ። ብቀንዱ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ዕላማ ቃልስናን ቀዳምነታትና ምንጻር፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ ይኹን ካብ ውሽጥና ንዝመጽእ ዕንቕፋታትን መሾምቦባን፡ ናይ ምጽዋርን ምፍታሕን ዓቅሚ ከነጥሪ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።

ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
ሰላምን ምዕባለን ንህዝቢ ኤርትራ!
ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል
28 ጥሪ 2025

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,800SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles