ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል 3ይ ምዱብ ጉባኤኡ ንምክያድ ይዳሎ ኣብ ቃልሲ ንፍትሒ፡ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን መሪሕ ሓይሊ ዝጻወት ዘሎ ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ 3ይ ምዱብ ጉባኤኡ ንምቅናዕ ይሸባሸብ ኣሎ። እቲ ካብ ዕለት 28-ለካቲት ክሳብ 2-መጋቢት 2025 ዝካየድ ጉባኤ፡ ‘ውህደት ቀስትታትና ናብ ቀዳማይ ጸላኢና’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ክካየድ’ዩ።
ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ 2019 ካብ ዝምስረት ንደሓር፡ ቃንዛ ህዝቢ ኤርትራ ንዓለም ኣብ ምርዳእን ጭቆና ምልኪ ንምፍራስን ኣበርቲዑ ዝሰርሕ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኢዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ ሓቢሮም ክሰርሑ ከም ዘድሊ ኣሚኑ፡ ተቓወምቲ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ሓቢሮም ክሰርሑ ብቐጻሊ ይጉስጉስን ይሰርሕን።ቃልስና ኣብ ደገ ከይትሓጽረ ንውሽጢ ዓዲ ሰሊኹ ብምእታው፡ ምስ ህዝቢ መላግቦ ፈጢሩ እቲ ንብህጎ ለውጢ ክመጽ’ውን ኣብ ምርብራብ ይርከብ። በዚ መሰረት፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ወጽዓ ህዝብን ሃገርን ተገንዚቡ፡ ምስ ህዝቡ ክውግንን ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምእላይ እጃሙ ከበርክትን ንጽውዕ። ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታት ኣብዚ ዝመጽእ 3ይ ጉባኤኡ ተጸንቢሮም ሃናጺ ርእይቶኦም ከበርክቱ ይዕድም። ኣብቲ ጉባኤ
- ምምራጽ ሓድሽ መሪሕነት፣
- ካብ ጸለውቲ ዕዱማት፡ መራሕቲ፡ ተቓወምቲ ውድባትን መንእሰያትን ናይ ሓሳብን ምይይጥን መድረኽ ክህሉ ኢዩ።
- ከምኡ’ውን ንዝመጽእ ምዕራፍ ናይቲ ምንቅስቓስ ዝዓለመ ስትራተጂካዊ ውጥንን መድረኻትን ክቐርብ ኢዩ።
ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ 15 ጥሪ 2025
ዘለኩም ሕቶታት ንምምላስ በዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ተወከሱ
Email: global@eriyiakl.com
Website: www.eriYiakl.com