4.3 C
London
Wednesday, January 22, 2025

Buy now

spot_img

መግለጺ ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራዉያን ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት፡

ንሓዳስ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ: ህዝብና ክድበስ ሓቢርና ንቃለስ!

ዓመተ 2024: ከምተን ቅድሚኣ ዝሓለፈ ዓመታት: ኣብ ሃገርና፡ ከባቢናን ዓለምን: ብዙሕ ሓጎጽጎጽ: ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት: ኩናትን ሰዓቤናቱን፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ዝተራእየላ ዓመት’ያ ነይራ። 

ኣብ ስደት: ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለምን ዝነብርን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከብን ህዝብና ድማ: እንተስ ብቀጥታ እንተስ ብተዘዋዋሪ በቶም ዝተራእዩ ፍጻመታት ክጽሎን ክዋሳእን ግድነት ኢዩ። ኣብዛ እንፋነዋ ዘለና ዓመተ 2024: ዓለም-ለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል: ነቲ ብኹሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝተኻየደ ንጥፈታት ንባዕሉ መሪሕ ተራ ብምጽዋትን ብዓቕሙ ድማ ናይ ምኽሪ፡ ገንዘባውን ሞራላውን ደገፍ ብምሃብን እጃሙ ኣበርኪቱ ኢዩ።

ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል: ውዳበታቱ ንምሕያል፡ ሓያልን ድኹምን መዳያቱ ንምግምጋምን: ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ዝርከቡ ዉዳበታቱ ብኣካልን ብማንዛን ገምጋም ስራሑ ኣካይዱን መጻኢ መደባቱ ተሊሙን። ምንቅስቓስ ይኣክል ከምዝኾነ ካልእ ምንቅስቓሳት ዋላኳ ብውሽጣውን ግዳማውን ረቋሒታት ዝጽሎ እንተኾነ፡ ከምኡ ድማ ተሳታፍነት ህዝቢ ከምቲ ኣብ 2019 ዝተበገሶ ናህሪ እንተዘይሃለወ: ብሓፈሻ ቃልሲ ደምበ ፍትሒ ግን ካብ ዝነበሮ መሊሱ ንሂሩን ሓይሉን ምህላዉ ይኣምን። ምንቅስቓስ ይኣክል ከም ዉዳበ ድማ ተስፋ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ቅርጻን ናይ ቃልሲ ባይታን ኣጣጢሑ ኣሳታፊ ብዝኾነ መንገዲ፡ ምስ ኩሎም ሓይልታት ደምበፍትሒ ሓቢሩን ኣተሓባቢሩን ቃልሱ ኣብ ምቕጻል ይርከብ።

ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ብዓለምለኸ ደረጃ ኣቑሙዎ ዘሎ ጥርናፈ፡ ዝሰፍሓሉ፡ ዝሕይለሉን፡ ገዚፍ ናይ ቃልሲ ሓይሊ ኮይኑ ዝወጸሉን መደባት ሓንጺጹ ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ድማ ብሓድሽ መንፈስ ናብ ሓያል ግብራዊ ቃልሲ ከሰጋግሮ ዝኽእል ኣቃዉማን ዉዳበን ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ሓይልታትና ኣወሃሂድና፡ ሓቢርና ከይ ተቓለስናን እንኸዶ ጉዕዞ ጽልዉኡን ዉጽኢቱን ከምቲ ብዉሁደት እነካይዶ ቃልሲ ዘይምዃኑ ብምርዳእን፡ ሓባራዊ ቓልሲ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ እንኮ ኣማራጺ ምዃኑ ብምእማን፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ጀሚሩዎ ዘሎ ናይ ጽምዶ ዕዮ ብዝሰፍሐን ኣካታትን ብዝኾነ መልክዑ ይቕጽሎን ንምዕዋቱን ይሰርሕ ኣሎ። ኣብዚ መስርሕ እዚ ኩለን ዉድባት፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን፡ ስቪክ ማሕበራትን መድያታትናን ብትግሃት ክሰርሓሉ ለበዋና ነቕርብ።

ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ምስ ዝተፈላለዩ ዉድባት ማሕበረሰብ ዓለም፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኤዉራጳዊ ሕብረት፡ መንግስቲ ነርወይ፡ መንግስቲ ካናዳ፡ መንግስቲ ጣልያን ወዘተ ጆሚሩዎ ዘሎ ሓያል ጅማሮ ብዝሰፍሐ ቀጺሉ ናብ መድረኽ ምትሕግጋዝ ዝሰግረሉ ኩነት ንምፍጣር ኣሐይሉ ክሰርሓሉ እዩ። ኣብዚ ሓባራዊ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ደምበ ፍትሒ ጽልዉኡ ልዑል ምዃኑ ንግንዘብ።

ከም እምነት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ግዳም ዘሎን ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎም ዓቕምታትና ተወሃሂዱ ኣብ ዝሰርሓሉ ህሞት፡ ህግደፍ ክህልዎ ዝኽእል ዕምሪ ሓጺር ምዃኑ ብምእማን ኣብዚ መዳይ’ዚ ሓያሎ ዕዮታት ዝዓየየሉን ንቐጻሊ እዉን ብዝሓየለ ክቕጽለሉን ዘሎዎ ምዃኑ ኣሚኑ ይሰርሕ ኣሎ።

ክርም ዉጽኢት ዝተዋሃሃደ ጻዕሪናን: ሓይል ናይ ሎቢ ስራሓትናን ከም በዓል ዋሽንግቶን ፖስት ዝኣመሰለ ፍሉጥ ጋዜጣን ከምኡ እውን ብኣባላት ሓገግቲ ኣኣካላት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን: ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል: ኣብ ወጻኢ ዘካይዶ ዘይሕጋዊ ምእካብ ገንዘብ፡ ዘመተ ጽልእን ምዝራግ ሓድነትን ጠጠው ከብሎ ድምጾም ምስምዖምን: ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ክኸውን እንከሎ ብኣንጻሩ ንጸላኢና ድማ ሕማም መርዘን ኢዩ።

ህግደፍ: ኣብ ወጻኢ ከም ድሌቱ ክዕንድር ስለዘይክኣለ: ንጥፈታት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንምድኻምን ንምጽላምን ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን ኢዩ። ነቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ንምንጋስ ብንጥፈት ዝዋስኡ ዘለዉ ኣባላት ዓለም ለኸ ይኣክልን፡ ካልኦት ምንቅስቓሳት ደምበ ፍትሕን ንምርዓድን ህይወቶም ንምዝራግን: ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ከተማ ስያትል ኣበጊስዎ ዘሎ ብጸለመን ሓሶትን ዝተላዕጠጠ ስቪላዊ ክሲ ሓደ መርኣያ ናይ ጭንቀቱን ስዕረቱን ተንኮላቱን ኢዩ።

እዚ ኣበግሲዎ ዘሎ ክስን ጸለመን፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ከይናዛረብ ኣፍና ዓቢሱ፡ ንዝተዛረበ ድማ ብምእሳር፡ ምስቓይን ምቕታልን ዘካይዶ ዉጹእ በደልን መሪር መግዛእቱ ኮይኑ፡ ዓለም ነዚ ተረዲኣ ምስ ፍትሒ ደው ክትብል ሓያል ስራሕ የድልዮ። እዚ ስግረ-ዶባዊ ዓመጻ’ዚ ደው ክብል ሓባራዊ መኸተ ከምዘድልዮ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኽግንዘቦ ይግባእ። ማዕረ ማዕረ’ቲ ጉጅለ ህግደፍ ምንቅስቃስ ደለይቲ ፍትሒ ንምግታእ ንምብታንን ብቃልዕን ብስቱርን ዘካይዶ ዘሎ ተጻብኦታት: ንሕና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ እንገብሮ ቃልሲ ልዕሊኡ ዝተዓጻጸፈ ክኸዉን ይግባእ። እዚ ነርእዮ ዘለና ስቅታን ሸለልትነትን ክስተኻኽል ዘሎዎ ምዃኑ ድማ ነተሕሳስብ። ነብስና ካብ ቃልሲ ምግላልን ምዝሕታልን፡ ወይ እዉን ኣብ’ቲ ብተለምዶ silent majority እንዳተባህለ ዝጽዋዕ፡ ስቕታ ዝመረጸ ደምበ ምክታት ሓደ ካብቲ ንዓወትና ዘዳናጒን፡ ዕምሪ ህግደፍ ዘንዉሕን ምኻኑ ተረዲእና: ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ ንጡፋት ተቓለስቲ ክንከዉን ምንቅስቓስ ይኣክል ጻዉዒቱ የቕርብ።

ጉጅለ ህግደፍ: ኣብ ክሳዱ ኣትያ ዘላ መሸንቆቋ ውድቀት እንዳጸበበት ኣብ ትኸደሉ ዘላ እዋን: ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ መልክዓቱ እንዳቀያየረ ፈንጠርጠር ምባል ክቅጽል ኢዩ። ንሕና ከም ደለይቲ ፍትሒ ድማ:  ሕሰምናን ስደትናን ከብቕዕ ንተንኮላት ህግደፍ ብንቅሓት ገምጊምና:  ግዜ ዝጠልቦ ኣወዳድባና ከነሕይልን መሳርዕና ከነጽፍፍን ኣለና።

ህግደፍ ከም ልማዱ: መንእሰያት ንምሃላቅ: ስድራቤታት ንምብትታንን ሃብቲ ንምብኻንን: ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኩናት ምውላዕ: ጣልቃ ምእታውን ጽልኢ ምዝራእን ካብ ቀንዲ እኩይ ተግባራቱ ኢዩ። እዚ ደው ክብል፡ ሰላም፡ ዕብየትን ልዕልና ሕግን ዘሎዋ ሃገር ክዉንቲ ኽንገብር ኣብ ዉሽጥን ደገን ዘሎ ተቓላሳይ ህዝብና ሓቢሩን ተናቢቡን ክስጉም ይግባእ።

ከም ደለይቲ ፍትሒ ክንግንዘቦ ዘለና ጉዳይ: ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምውጋድን ኣብ ሃገርና ብሕጊ ዝምእዘዝ ስርዓት ንምትካልን: ኣህጉራዊ ደገፍ ኣገዳሲ’ኳ እንተኾነ: እቲ ዕማም ግን ብቀንዱ ናትና: ናይ’ዞም ብሓለንጊ ህግደፍ ብሓባር ንግረፍ ዘለና ኤርትራውያን ኢዩ። እቲ ሓቂ ንሱ ስለዝኾነ: ኣብዛ እንቅበላ ዘለና ሓዳስ ዓመት 2025: እቲ ን33 ዓመታት መንዳዓት ኮይኑና ዘሎ: ክብረትና ዝቀንጠጠን ሃብትና ዘዕነወን ቀዳማይ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ: ሓቢርና ክንምርሽ ጻዉዒትና ነቕርብ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ፍልልይናን ሕመቕናን ይነብር ከምዘሎ ኣሚንና: ዘለና ፍልልያት ብዘተን ምክእኣልን ፈቲሕና: ሓይልና ነዚ ንጥፍኣትና ተዓጢቑ ዘሎ ኣረሜናዊ ጉጅለ ንምጉሓፍ ክኸውን ኣለዎ። ነባሪ ስርዓት ከምዘየሎ ኣብ ከባቢናን ርሑቕን ዝረኣዩ ዘሎዉ ለዉጥታት ህያው ኣብነታት እዮም። ሕብረት ሓይሊ ምዃኑ ድማ ካብዚ ትማሊ ኣብ ሶርያ ዝተራእየ ዓወታት’ዉን ብሓጺር ክንመሃር ንኽእል።

ጽቡቕ ክትረክብ ክቡር ዋጋ ክትከፍልን ክትጸንዕን ስለዘለካ:  ህዝብና ኣትዩዎ ካብ ዘሎ ቁጠባዊ ውድቀት: ብኩራት ስርዓተ ሕግን ስደትን ንምድሓን: እቲ እንኮ ፍታሕ: ሓድነት: ጽንዓትን ንጹር ራእይን ምጭባጥ ኢዩ።

ህዝብና ክድበስ፡ ሓቢርና ንቃለስ!!
ዓወት ሰላምን ምዕባለን ንህዝቢ ኤርትራ
2025: ዓመተ ሰላምን ዓወትን ስምረትን ትኹነልና!!

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክልህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
1 ጥሪ 2025                                                                                                                                   

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,780SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles