4.2 C
London
Wednesday, January 22, 2025

Buy now

spot_img

ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብምኽንያት ምስጓግ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ፈደራላዊት ኢትዮጵያ፡

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ተገፊፎም፡ ክእሰሩ፡ ዘይግቡእ ክፍሊት ክሕተቱን፡ ናብ ኤርትራ ክስጎጉን ምቕናዮም ክጽብጸብ ቀንዩ ኣሎ፡፡ ብወግዒ ዝወሃብ ምኽንያት እኳ እንተዘየሎ፡ ብዘይ ዝተማለአ ሕጋዊ መስርሕን፡ እኹል ምጽራይን ዝግበር ምስጓግን ምእሳርን ስደተኛታት ግን ኣንጻር እቲ ኢትዮጵያ ዝፈረመትሉን ክትግዛኣሉ ዝግበኣን ብዓለምለኻዊ ዉዑላት ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ምዃኑ ክፍለጥ ይግበኦ።

ኣብ ኩሉ ክፋላት ዓለም ተበቲኖም ዘሎዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐንዱ ካብ ሃገሮም ክስደዱ ዘገደዶም ምኽንያት፡ ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ዓማጽን ጸረ ህዝብን ስርዓት ምንባር ስኢኖም፡ ብሰንኪ ፖሊቲካዊ ኣራእያኦም፡ ሃይማኖታዊ ዝንባሌኦምን ገደብ ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን ወዘተ ሃገሮም ራሕሪሖም ናይ ስደተኛ ዑቕባ ዝሓተቱ እዮም። ነዞም ካብ ጥይት ስርዓት ህግደፍ ኣምሊጦም ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት፡ ናብ ኤርትራ ምስጓግ ማለት ኣብኡ ምስ ተመልሱ ከጋጥሞም ዝኽእል ናይ ሂወት ሓደጋን ማእሰርትን፡ ልዕሊ ዝኾነ ኣካል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈልጦ ጉዳይ ኢዩ ኢልና ንኣምን። እቶም ድሮ ተሰጉጎም ኣብ ኤርትራ በጺሖም ዘሎዉ በጺሑዎም ዘሎ ዕጫ፡ ማእሰርትን ብግዴታ ናብ መዓስከር ታዕሊም ሳዋ ወሲዶም ናብ’ቲ ዘየቋርጽ ግዱድ ዕስክርና ይመልስዎም ምህላዎም ይሕበር ኣሎ። እዚ ከቢድ ስግኣትን ሓደጋን’ዚ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ፡ ስደተኛታት ብጃምላ ምስጓግ ማለት ብሕግን መለክዒ ሰብኣዊ መሰላትን ዘይቅኑዕን ዘይቅቡልን እዩ።

ስደተኛኛታት ሕጊ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)ን፡ ኣዕቋቢት ሃገርን ኣማሊኦም ክነብሩ ከምዝግባእ ንርዳእ። ኣብ ኢትዮጵያ እትነብሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት’ዉን ከም ዝኾነ ስደተኛ እቲ ካባኹም ዝግባእ ሕጋዊ መምዘኒ ከተማልኡን ከተኽብሩን ግዴታ ኣሎኩም። ነዚ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ሕጋዉያን ስደተኛታት ዝግበር ግፋን ዘይሕጋዊ መስጎግትን ግን ኣብ ደገን ኣብ ኢትዮጵያን ዝነብር ህዝብና ኹሉ ዓገብ ክብሎን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ከም ዝፈልጦን ኽገብርን፡ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽፈጥር ኣብ ምጽዋዕን ብንጥፈት ክንዓዪን ይግባእ።

ኢርትራውያን፡ ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ተግባር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጂ ንካልኣይ ግዜ’ዩ ዝፍጸም ዘሎ። ዝቐደመ መስጎግቲ ዝኾነ ይኹን ፖሊቲካዊ ተሳትፎ ኣብ ዘይነበሮም ንጹሃን ኤርትራዉያን ተፈጺሙ ከቢድ በሰላ ገዲፉ ሓሊፉ እዩ። ሕጂ ድማ ተመሳሳሊ ፍጻመ ከይድገም ሓያል ጥንቃቐን ፖሊቲካዊ ስብእናን ዝሓትት ምዃኑ ከነገንዝብ ንፈቱ።

ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራዉያን፡ ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ማሕበረ-ሰብ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን ነዚ ክኸይድ ዝቐነየ ግፋን ጃምላዊ መስጎግትን ኣቓልቦ ሂቦም ከጻርይዎን ኣራሚ ስጉምቲ ክወስዱን ይጽዉዕ። እቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም ዘሎዉ’ዉን ብዘይ ወዓል-ሕደር ክፍትሑን፡ ናብ ኤርትራ ንምስጓጎም ዝግበር ዘሎ ሓሳብ ጠጠው ክብልን ይጽውዕ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኩሉ ምስ ስደተኛታት ዝተኣሳሰር ውሳኔታት፡ ብመንገዲ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ክገብሮን ብመሰረት ዝኣተዎ ዉዕል ምሉእ መሰል ስደተኛታት ከኽብርን ንጽውዕ።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ንደሞክራስያዉን ሰብኣዉን መሰላት ኤርትራዉያን ዝቃለስ ህዝባዊ ፖሊቲካዊ ምንቅስቓስ እዩ። ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራዉያን ምሰሎም ክኽበረሎም ድማ ብኹሉ ዓቕሙ ይጣበቕ።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
24 ታሕሳስ 2024

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,780SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles