4.3 C
London
Wednesday, January 22, 2025

Buy now

spot_img

ጋዜጣዊ መግለጺ ዋዕላ ምንቅስቓስ ይኣክል ሚላኖ 2024

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ሚላኖ ዓዲ ጣልያን፡ ንክልተ መዓልቲ ካብ ዕለት 5 ክሳብ 6 ሓምለ 2024 ዋዕላ ኣካይዱ። ኣብዚ ብጨንፈር ኤውሮፓ ዝተዳለወ ዋዕላ፡ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ንስርሑ ሓጋዚ ይኾኑ’ዮም ዝብሎም ኣርእስትታትን ሕቶታትን ብምድላው፡ ሃነጽቲ ሓሳባት ነቐፌታን ለበዋን ካብ ተሳተፍቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ’ዩ ተቐቢሉ። 

ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ውዕሎ ዋዕላ፡ ንስግረ ዶባዊ ጸቕጢ ዝምልከት ዛዕባ ብክኢላታ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ካልኣይ መዓልቲ ርክብ ድማ፡ ብፍላይ ንተሳተፍቲ ዘማእከለን ኣብ ንጥፈትን ህልው ኩነታት ምንቅስቓስ ይኣክል ዘትኮረ’ዩ ኔሩ። ብተወሳኺ ኣብ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ናይ ምጥርናፍን ሃገራዊ ሓይሊ ኣብ ምፍጣርን ከምኡ’ውን ምብራኽ ዲፕሎማስን ኣመልኪቱ ብጉጅለታት ዝተገብረ ናይ መጽናዕትን ዘተን መደብ፡ ኣዝዩ ኣሳታፍን መሃርን ምንባሩ ብተሳተፍቲ ተመጒሱ።

ኣብዚ ካብ ናይ ሳይበር ዓንኬል ብምውጻእ ብኣካል ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዝሓለፎም ወሰንቲ መድረኻት፡ ዘጋጠምዎ ብድሆታትን ዕድላትን፡ ዘለዎ ኩነታትን ንጹርነት ናይ ሓሳብን ኣገባብ ስራሕን ብህዝቢ ብዕምቆት ንምግምጋም ተኻኢሉ። ተሳተፍቲ ዋዕላ ብወገኖም፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ክፍልም እንከሎ ዝሓዞ ቅርጺ ህዝባውነት ንምውሓስ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ምስ ግዜ ዘይቀያየሩ መትከላት ኣጽኒዑ ክሕዝን ክምራሕን ተማሕጺኖም። ተሳተፍቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናውያን ዛዕባታት ኣተኲሮም ኣብ ዝተዘተየሉ እዋን፡ ኣብ ደንበ ተቛውሞ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ምትኳር፡ ኣብቲ ክውን ናይ ለውጢ መስርሕ ብምትኳር ንቕድሚት ዝጠመተ ብራእይ ዝተሰነየ ስትራተጂካዊ መርሓ ጎደና ክስእሉን፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ሓቢሮም ክሰርሑን ዓቢ ምሕጽንታት ቀሪቡሎም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ፡ ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ እትርከብ ዘላ ሃገር ምዃና ብምግንዛብ፡ ንምልካዊ ስርዓት ምእላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ከጋጥም ዝኽእል ሃጓፍ ሓደገኛ ምዃኑ ብምእማን፡ ምንቅስቓስ ይኣክል፡  ምስ ኩሎም ሰላም ናይ ኤርትራ ዝምነዩ ኤርትራውያን ሓቢሩ ክዓይን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድሉው ኮይኑ ክጸንሕ ኣድላዪ ዝበሃል መድረኻት ክፈጥርን ተሳተፍቲ ዋዕላ ተላብዮም። 

ብመንእሰያት ዝቃነ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መግዛእቲ ዘንቀሎ ሕራነ ምዃኑ ምግንዛብን ኣገዳስነት ኣለዎ። ስለዚ’ውን እቲ ብድሆ ቀሊል ከምዘይኮነ ብምርዳእ መንእሰይ ወለዶ ንቕሓቱ ክብ ኣቢሉ ወናኒ ምንቅስቓሱ ንኽኸውን፡ ኣብ ኣጀንዳ ኤርትራ ኣተኲሩ ንክሰርሕ፡ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ንዕድመን ተመክሮን መንእሰያት ተገንዚቡ ብሓሳብን ንዋትን ሓገዙ ከበርክት ተሳተፍቲ ተማሕጺኖም።

ብሓፈሻ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ዝኸደ ናይ ራዕድን ፕሮፖጋንዳን ኩነታት ብምግንዛብ፡ ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ፡ ዘለዎ ሰብኣውን ገንዘባውን ጸጋታት ተጠቂሙ ሓያል ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ብምስልሳል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ፖእቲካውን ዲፕሎማስያውን ተጽዕኖ ክገብር ከምዝግባእ ተሳተፍቲ ኣዘኻኺሮም። ብፍላይ ብዘይሓላፍነታዊ ኣገባብ ኣብ ገለ ሜድያታት ዝግበር ኣነዋሪ ፈላላይን ንክብርታት ህዝቢ ዘይምጥንን ዛዕባታትን ፈነወን፡ ኣብ ቃልሲ ሃስያ የውርድ ከምዘሎ ብምግንዛብ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብቓልዕ ዓገብ ክብል ክብድህን ክነጽግን፡ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ብወገኑ ነዚ ብግቡእ ተረዲኡ፡ ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ከም ወትሩ ብሓላፍነት መሪሕ ተራ ክጻወት ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም። 

እዚ ዋዕላ’ዚ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ኣወንታዊ ጽልዋ ዘሕደረን ምንባሩ፡ ብኣካል ዝተሳተፉ ይኹን ብማንዛ ዝተኸታተልዎ ምስክርነት ሂቦም። ነዚ ብምግንዛብ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ቅድምን ድሕሪ ሳልሳይ ጉባኤኡ ኣብዞም ዝተጠቕሱ ቀንዲ ጉዳያት ኣተኲሩ፡ ተወሳኺ መጽናዕቲ ክገብር፡ ክዝትይን ውሳኔታት ከሕልፍን ብምምሕጻን፡ ዋዕላ ሚላኖ ብዓወት ተዛዚሙ።

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
11 ሓምለ 2024    

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,780SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles