ህጹጽን እዋናውን መልእኽቲ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም

 09 ጥቅምቲ 2026

ናብ፦

ክቡር ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ዋና ጸሓፊ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት
ክቡር ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ኣቦ መንበር፡ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ
ክብርቲ ኡርሱላ ቮን ደር ላየን፡ ፕረዚደንት፡ ኮሚሽን ኤውሮጳ
ክቡር ማርኮ ሩቢዮ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ጉዳይ፦ ህጹጽ – ዞባዊ ኲናት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምክልኻል፦ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ውግእ እንደገና ተጀሚሩ ኣሎ። ርክባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ ተበቲኹ ኣሎ።

ክቡራት ላዕለዎት ሰበስልጣን፡

ንሕና፡ እዞም ኣብ መወዳእታ እዚ ደብዳበ ተተሓሒዙ ዘሎ ጥብቆ ኣስማትና ኣስፊርና ዘለና፡ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ምንቅስቓሳት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ናይ ማሕበረሰብ ጉጅለታትን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዲያስፖራን ንዝርከቡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ህዝቢ ኤርትራ እንውክል፡ ኣብ ፍትሒ፡ ደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ብዘለና ናይ ሓባር መርገጺ ተደሪኽና፡ ብኣዝዩ ህጹጽን ኣሻቓልን ዝኾነ ኩነታት ኢና ንዓኻትኩም ንጽሕፍ ዘለና።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንካልኣይ ግዜ ኲናት ናይ ምውላዕ ሓደጋ የንጸላሉ ከም ዘሎ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም መጠንቀቕታታት ኣቕሪብና ኢና። ኣብ መስከረም 2025 ብዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ይኣክል (Global Yiakl Eritrean Movement) ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምሕጽንታ ቀሪቡ ኔሩ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ብዘሕዝን መንገዲ፡ እቶም ዘቕረብናዮም መጠንቀቕታታት ነዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ምብኣስ ናይ ኲናት ክከላኸሉ ኣይከኣሉን። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ዞባ፡ ናብ ሰፊሕ ኲናት ተሰጋጊሩ ኣሎ። እቲ ንኲናት ንምክልኻል ዘሎ ዕድል ድማ ብቕልጡፍ ኣብ ምጽባብ ገጹ ይኸይድ ኣሎ።

ካብ 23 መስከረም ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታትን፡ እንተላይ ህወሓት (TPLF) ከምኡውን ጉጅለ ፋኖ፡ ዝተኻየደ ውግእ፡ ነቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተኸተመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ጸቕጢ ኣእትይዎ ኣሎ። እቲ ውግእ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ተዘርጊሑ ኣሎ። ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ግጭታት ከም ዝተፈጸሙ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ናይ ቦንባ ፍንጀራታት ከም ዝተሰምዑ ሓበሬታታት ተዘርጊሖም ኣለዉ። ሲቪላውያን ይቕተሉን ካብ መንበሪኦም ይመዛበሉን ኣለዉ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ድርቂ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ማሕበረሰባት ኣቐዲሙ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣእትይዎም ጸኒሑ ኢዩ። እዚ ዳግማይ ኣጋጢሙ ዘሎ ውግእ፡ ምምዝባል ህዝብን ሰብኣዊ ተኣፋፍነትን ተደሪብዎ፡ እቲ ግጭት ካብ ውሽጣዊ ዶባት ኢትዮጵያ ሓሊፉ ክዝርጋሕ ዘለዎ ተኽእሎ ላዕሊ ኢዩ።

እቲ ኣዝዩ ናይ ቀረባን ኣሻቓልን ስክፍታና፡ እቲ እንዳሓርፈፈ ዝኸይድ ዘሎ ርክባት ኢትዮጵያን ኤርትራን እዩ። ብሓደ ጥቅምቲ 2026፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝነበራ ኤምባሲኣ ዓጽያ፡ ዓሰርተ ኤርትራውያን ዲፕሎማት ድማ ካብ ሃገራ ሰጒጓ ኣላ። እቲ ምኽንያት፡ “ኤርትራ፡ ምስ ግብጽን ሱዳንን ብምዃን ነቲ ብልፍንቲ ዝፍለጥ ናይ ኢትዮጵያ ዕጡቕ ሓይሊ ትድግፍ ኣላ” ዝብል ኢዩ። ኤርትራ፡ ነቲ ክሲ ምሉእ ብምሉእ ነጺጋቶ ኣላ። ኩሉ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ቆሪጻ፡ “ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ወደባት ኤርትራ ክትምንዝዕ ትደሊ ኣላ” ይብል። እዚ ምፍራስ ንቡር ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ዘይምህላው ቀጥታዊ ርክብ ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታትን ብቕልጡፍ ናብ ቀጥታዊ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምርሕ ዝኽእል ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ።

ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጥርጥር ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ ኣብ ዘተ ዝኣቱ ጉዳይ ከምዘይኮነ ንገልጽ። ንልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ ንምድኻም ዝዓለመ ዝኾነ ይኹን ዓይነት መደረ፡ ፖሊሲ ወይ ተግባር ከምኡእውን ንመግለጺታት፡ ብሓይሊ ናብ ባሕሪ መእተዊ ንምርካብ ዝቐርብ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ብትሪ ንኹንን። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ናይ 2000፡ ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (EEBC) ኣብ መወዳእታ ተወሲኑ እዩ። ኣብ ደገፍ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝቐርብ ክስታት፡ ሓቅነቱ ብዘየገድስ፡ ግዝኣት ጎረቤት ሃገር ንምጥሓስ ፈጺሙ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ብኢትዮጵያ ዝህሉ ሕጋዊ ተገዳስነት ኣፍደገ ባሕሪ፡ ልኡላውነትን ናይ ማሪታይም መሰላትን ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ብምኽባር፡ ብዲፕሎማስያዊን ሕጋዊን መንገዲ ጥራይ ኢዩ ክረጋገጽ ዘለዎ።

ልኡላውነት ኤርትራ ንምክልኻል እንገብሮ ጻዕሪ፡ ደገፍ ንመንግስቲ ኤርትራ ከም ምዃኑ ክውሰድ የብሉን። ንሕና ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኢና ደው ንብል። እቲ ህዝቢ ኣብ መንጎ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ስግኣትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ምልካዊ ምሕደራን ክመርጽ ክግደድ የብሉን። ስርዓት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ ናጽነት ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ዋላሓንቲ ሃገራዊ ምርጫ ከይኣካየደ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ኢዩ። እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተግበረን። ብኣሻሓት ዝቑጸሩ እሱራት ፖለቲካ፡ ሰበስልጣንን ጋዜጠኛታትን፡ ብዘይ ክስን ፍርድን ካብ 2001 ጀሚሮም ኣብ ማእሰርቲ ኣለዉ። እቲ ስርዓት ንህዝቡ ናብ ዘይመረጾ ኲናት ከእትዎ የብሉን። እዚ ቅልውላው ንዘይተወሰነ ግዜ ዝቕጽል ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምንዋሕን ጻውዒታት ለውጢ ንምድቃቕን ክጥቀመሉ እውን የብሉን። እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ብቅዋም መሰረት ዝምራሕ ናጻ ህዝቢ ጥራይ ኢዩ።

ኣብ ጥርዚ ዝዓረገ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ሃገራት ጥራይ ዝውሰን ግጭት ኣይክኸውንን እዩ። ንህይወትን መነባብሮን ሲቪላውያን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ምምዝባልን ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋድድ፡ ኣብ ሰፊሕ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ሓደስቲ ስግኣታት ዝፈጥር እዩ። ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ድርቂ፡ ነዚ ሓድሽ ግጭት ከጋድዶ ይኽእል እዩ። ኣብ ሱዳንን የመንን ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት ድሮ ኣብቲ ዞባ ዓበይቲ ሰብኣዊን ጸጥታዊን ጸቕጥታት ፈጢሮም ኣለዉ። ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ካልእ ዓቢ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝካየድ ኲናት ክጻወር ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ግጭት ምክልኻል፡ ሓላፍነት ናይተን ክልተ ተዋሳእቲ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ህጹጽ ዓለምለኻዊ ተሳታፍነት ከድሊ ኢዩ።

ስለዚ፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እዚ ዝስዕብ ስጉምትታት ክወስዱ ብህጹጽ ንጽውዕ፦

1. ቅጽበታዊ ምቁራጽ ተኹሲ ክህሉ ምርግጋጽን፡ ምሕላው ስምምዕ ፕሪቶርያን፦

ብቕጽበት ግጭት ክቋረጽን፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክሕሎን ክትግበርን ጠለብ ኣቕርቡ። እዚ ድማ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ፡ ውጽኢታዊ ዓለምለኻዊ ምክትታልን ውሕስነታት ጸጥታን ዝሕሉ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ መጻኢ ዝግበሩ ስምምዓት እሙናት ዓለምለኻውያን ኣውሓስቲ ክህልውዎም ኣለዎም።

2. ቕጽበት ስጉምቲ ምውሳድ፦

ህጹጽ ኣኼባታት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ጸውዑ። ከምኡውን ናብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ላዕለዎት ልኡኻት ብቕልጡፍ ክልኣኹ።

3. ልኡላውነት ኤርትራ ምሕላው፦

ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ ዝኾነ ይኹን ስግኣት ወይ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ብወግዒ ምኹናን። ከምኡውን፡ እቲ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (EEBC) ዝተወሰነ ናይ መወዳእታን ኣማራጺ ዘይብሉን ናይ ዶብ ውሳኔ ዳግም ምርግጋጽ።

4. ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ቦትኡ ምምላስ፦

ክልቲኦም መንግስታት፡ ዘቋረጽዎ ቀጥታዊ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ናቲ ዝነበሮ ክመልሱን፡ እቲ ዝተወሰደ ምስጓግ ናይ ዲፕሎማት ክስርዙ፡ ኣብ ሓባራዊ ዶቦም ዘሎ ወጥሪ ንምንካይ ድማ ብቕጽበት ስጉምቲ ክወስዱ ጸቕጢ ምግባር።

5. ቅዋማዊ መሰላት ኤርትራውያን ምኽባር፦

ሰበ ስልጣን ኤርትራ፡ እሱራት ፖለቲካ ክፈትሑ፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ዝቕጽል ሃገራዊ ኣገልግሎት ከቋርጹ፡ ከምኡውን ነቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ክትግብሩ ጸቕጢ ምግባር።

6. ዞባዊ ግጭት ከይሰፍሕ ምጽዓር፦

ግብጺ፡ ሱዳን፡ ሃገራት ወሽመጥን ካልኦት ኩሎም ናይ ደገ ተዋሳእትን፡ ነቲ ግጭት ከስፍሕ ዝኽእል ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ወይ ደገፍ ካብ ምሃብ ክቑጠቡ ምትሕስሳብ።

7. ሲቪላውያን ካብ ጉድኣት ምሕላው፦

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓዊሱ፡ ሲቪላውያንን ስደተኛታትን ክሕለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ጥሕሰታት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ድማ ተሓታትነት ክረጋገጽ ጠለብ ምቕራብ።

8. ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዓብየሉ መንገዲ ምፍጣር፦

ቀረብ መግቢ፡ ማይን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት ነቶም ብድርቂ ንዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ሰሜናዊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክበጽሕ ሓያል ጻዕሪ ምክያድ።  

ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ ሓደጋ ዳግማይ ግጭት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ነይሩ ኢዩ። እቲ ሓደጋ ሕጂ ናብ ክውንነት ተቐይሩ ኣሎ። ስለዚ፡ እዚ ህሉው ቅልውላው ናብ ምሉእ ደረጃ ዝበጽሐ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት ከይምዕብል፡ ብቖራጽነትን ብቕጽበትን ስጉምቲ ክትወስዱ ንላቦ።

ብኣኽብሮት፡

እቶም ኣብ ታሕቲ ዝፈረሙ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት (ጥብቆ ርኣዩ)

ንኣስማት ፈረምቲ ዝምልከት ምምሕዳራዊ ርክብ፦ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ዪኣክል (Global Yiakl Eritrean Movement)

ጥብቆ

ዝርዝር ዝፈረሙ ውድባት

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞባዊ ኲናት ንምግታእ ብዝምልከት፡ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኮሚሽን ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝተጻሕፈ ሓባራዊ ደብዳበ፡ 09 ጥቅምቲ 2026።

ቁ.ስም ውድብዓይነትመሰረት/ሃገርመርበብ ሓበሬታ / ርክብ
1ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያንምንቅስቓስዓለምለኻዊ / ዲያስፖራhttps://eriyiakl.com   global@eriYiakl.com
2ሃገራዊ ሰልፊ – ንስራውያን)ፖለቲካዊ ሰልፊዲያስፖራhttps://hagerawiselfi.com  hagerawiselfi@gmail.com
3ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን)ፖለቲካዊ ሰልፊዲያስፖራinfprmationue4j@gmail.com
4መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ደገፖለቲካዊ ሰልፊዲያስፖራhttps://nrce-gie.org/home/  nrce.in.exile@gmail.com

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,920SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles