ወዲ ሰብ ይኹን ስርዓት፡ ይንዋሕ ይሕጸር ካብ ተፈጥራኣዊ ዕድሚኡ ፍጹም ዘምልጥ የለን። እቲ ሓቂ ንሱ ስለዝኾነ ከኣ ኢዩ፡ እቶም ዘይትንከፉ ዝመስሉ፡ ዓለም ዘናወጹ ውልቀ-መለኽቲ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ፡ ምስ ገበታ ገበናቶም፡ ሃገር ኣብ ሓደጋ ደርብዮም ዝሓልፉ። ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ሓደ ካብቶም ዓለምና ዝረኣየቶም፡ ውሑዳት ናይ ዘመንና ገበትቲ ውልቀ-መለኽቲ ሓደ ኢዩ። ከም ኩሎም ቅድሚኡ ዝሓለፉ ውልቀ-መለኽቲ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝተዋህቦ ናይ ዕድመ ጸጋ ንነስሓን ምሕረትን፡ ንዕርቅን ሰላምን ዝጽውዕ፡ ነታ ባዕሉ ኮነ ኢሉ ዘዕነዋ “ሃገር ክከላኸል”፡ ደቂ ደቁ ዝኣኽሉ መንእሰያት ከህልቕ ይሸባሸብ ኣሎ።
ኣብዚ ቅንያት እዚ ምስ ውግእ-ሓድሕድ ኢትዮጵያ ተኣሳሲሩ፡ ዘይወግዓውን ንኽብሪ ህዝብን ደለይቲ ለውጥን ዘይምጥን፡ ሕሱር ፖሮጋንዳ ክናፈስ ጀሚሩ ኣሎ። “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ባሕርና ይደሊ ኣሎ`ሞ፡ ተቛዋማይን ደጋፋይን ከይበልና፡ ኣብ ጎድኒ መንግስትና ኮይና ሃገርና ንከላኸል” ዝብል እዩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ፡ ምስቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ኣብ ግዜ ዕርበቱ ከይፈተወ ዘድመጾ፡ ድምጺ ስምባደ ኢዩ።
ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ብዛዕባ ልዑላውነት ሃገርን ህዝብን ሓልዮት እንተደኣ ሃልይዎ፡ ሕጂ`ውን ከም ኩሉ ግዜ ብተደጋጋሚ ንሓቶ ሕቶ ኣሎ። እዚ ኤርትራ ሕጂ ኣትያቶ ዘላ ሓደጋ፡ ትማሊ ወይ ሎሚ ዝኣተወቶ ሓደጋ ኣይኮነን። ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከምዘላን ነብሳ ንኽትከላኸል ዘኽእላ ዓቕምታትን ትካላትን ይበርስ ከምዘሎን ንዓመታት ጽሒፍና፡ ተዛሪብና፡ ደሪፍና፡ ናይ ሓዘን ንብዓት ነቢዕና። እዚ ሕጂ ከም ሓደጋ ዝንገረና ዘሎ እምበኣር፡ ነቶ ዝደቀሱ እምበር ንዓና ክነግረና ዝኽእል ሰብ የለን። እቲ ምንታይ፡ ኣብ 2018፡ ንሃገርና ብገዛእ ዋኒኑ፡ ከም ናይ ግሉ ንብረት ክሕርጃ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ይኣክል ኢልና፡ ህዝብና ብምልዕዓል ክንቃለስ ዝጸናሕና ኢና።
ሕጂ`ውን እቲ ንብሎ ክንደግሞ እንተዘይኮይኑ፡ ሓድሽ ነገር ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ልዑላውነት ኤርትራን ድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ብኸመይ ንከላኸሎ ንሰርሓሉ ስለ ዘለና፡ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነት ኤርትራ ዝወርድ ኣደራዕ፡ ብውሽጢ ይምጻእ ብደገ ኣንጻሩ ኢና።ሃገር ብግዝኣተ-ሕጊ እምበር ብጠበንጃ ኣይትሕሎን ኢያ።ግዝኣተ-ሕጊ ዘየኽብር ስርዓት ከኣ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ግዳይ ናይቲ ባዕሉ ዝጠሓሶ ሕጊ ኢዩ ዝኸውን። ስለዚ፡ ምስዚ ኣተሓሒዝና ሕጂውን ብቀዳምነት ንጠልቦ ሕቶታት ኣለና።
- ብዘይ ምኽንያት ተወንዚፉ ዘሎ ሃገራዊ ቅዋምን ባይቶን ብህጹጽ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ፡ መስርሕ ምስግጋር መንግስቲ ክጅመር።
- ብዘይ ክስን ፍርድን ኣበየ ማእሰርቲ ተሓይሮም ዘለው ዜጋታትና ነጻ ክልቀቁ፡ ህሉዋት እንተዘይኮይኖም ከኣ ስድራቤቶም ብዘይ ወዓል ሕደር ሃለዋቶም ክንገር።
- ብግዱድ ዕስክርና ናብ ዘይምልከቶም ኲናት ዝልኣኩ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ደው ክብል።
- ብስእነት መሰረታዊ ቀረባት ዝሳቀ ዘሎ ህዝብና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ፍታሕ ክረክብ።
- ነጻ ናይ ሜድያ ትካላት ብቀጥታ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ፈነውአን ከካይዳ።
እዝን ካልእን ዝምልስ ናይ ዘተን ቀጥታዊ ተግባራውነትን፡ ዋናን ተሓታትነትን ዘለዎ ፕሮጀክት ምስ ዝቐርብ፡ ንሃገራውን ህዝባውን ረብሓታት ክንብል፡ ናይ ዘተ ማዕጾና፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ክፉት ምዃኑ ነፍልጥ። ግዝየ ንምሽማት ይኹን ንኣምሰሉነት ዝወጹ ጭርሖታትን መደናገርቲ መግለጽታትን ግን፡ ፍጹም ክንቅበል ከምዘይኮንና፡ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ክርድኣልና ብኣኽብሮት ነፍልጥ።
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ።
ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
07 ጥቕምቲ 2026


