19 C
London
Sunday, May 19, 2024

Buy now

spot_img

መበል ራብዓይ ዓመታዊ ዋዕላ ምንቅስቓስ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

መበል ራብዓይ ዓመታዊ ዋዕላ ምንቅስቓስ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ዛዛሚ ዑደት ህዝባዊ ሰሚናር ዓለም- ለኸ ምንቅስቓስ ይኣክልን፡ ካብ ዓርቢ 9 ሰነ ክሳብ ሰንበት 11 ሰነ 2023፡ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡
ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ንዓርቢ ዕለት 9 ሰነ 2023 ራብዓይ ዓመታዊ ዋዕልኡ፡ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ከካይድ’ዩ። ተሳተፍቲ ናይዚ ዋዕላ፡ ኩሎም ተወከልቲ ኣባላት ባይቶ ከተማታት ይኣክል (General Assembly) ብኣካል ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ተራኺቦም፡ ዓመታዊ ንጥፈታቶም ዝግምግምሉ፡ ናይ ኣባላት ባይቶ፡ ዕጹው ኣኼባ ከካይዱ’ዮም።
እቲ ኣብ ቀዳም 10 ሰነ 2023 ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ኣቶኲሩ ክካየድ’ዩ፡
ንፈለማ ግዜ፡ ብምንቅስቓስ ዓለም- ለኸ ይኣክል ዝተዳለወ፡ ዛዛሚ ህዝባዊ ሰሚናር፡ ንቀዳም 10 ሰነ 2023፡ *ንውሑስ መጻኢ፡ ንቃለስ ኣንጻር ሓደ ጸላኢ* ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ከቃንዕ እዩ። ኣብዚ ህዝባዊ ሰሚናር፡ መሪሕነት ይኣክል ምስ ህዝቢ ዋሺንግቶን ዲሲን ከባቢኣን ዝዛተይሉ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርናን መጻኢ ቃልስናን ዝመኻኸርሉ፡ ሕቶታት ህዝቢ ዝምልስሉን፡ ርእይቶታትን ለበዋታትን ህዝቢ ዝቕበልሉ፡ ኣገዳሲ መኣዲ ልዝብ ክኸዉን እዩ።
ቀጺሉ፡ መደብ ናይ ልዝብ ወይ ድማ ዘተ (panel discussion) ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ሃገራውያን፡ ብዛዕባ ብድሆታት ቃልስን፡ መጻኢ ዕድላትን፡ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣተኲሮም ክመያየጡ’ዮም።
ብተወሳኺ፡ ድሕሪ እቲ ዋዕላ፡ በቶም ህቡባት ስነጥበባውያን ደለይቲ ፍትሒ ሃገርና፡ ዮውሃንስ ትካቦ (ወዲ ትኳቦ)፡ ደሃብ ፋይቲንጋ፡ ቨሮኒካ ሰለሙንን፡ ሮቤል ሚካኤልን፡ ካብ ሰዓት 8 ናይ ምሸት ክሳብ ሰዓት 2 ወጋሕታ፡ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ተዳልይልኩም ኣሎ።
ህዝባዊ ሰሚናር ዝጅምረሉ፡ ካብ ሰዓት 9 ናይ ንግሆ ክሳብ 7፡30 ናይ ምሸት ኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ናይ ምሳሕን ድራራርን ግዜ ክህለወና እዩ።
*ኣድራሻ*
Catholic University
620 Michgan Ave, NE Washington, DC 20064
ብዘይካ ‘ዚ፡ ንሰንበት ዕለት 11 ሰነ 2023፡ ካብ ሰዓት 12 (ፋዱስ)፡ ክሳብ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ፡ ብደለይቲ ፍትሒ ናይ DMV ማለት ዲሲ ሜሪላንድን ቪርጂንያን፡ ኣብ RIVER FRONT PARK Avondale Street Laurel, MD ፒክኒክ ተዳልይልኩም ኣሎ።
ብደሓን ምጹ!
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!
*ንውሑስ መጻኢ፡ ንቃለስ ኣንጻር ሓደ ጸላኢ!*
ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራዉያን፡ ምስ ባይቶኹም ባይቶ ይኣክል ሕ/መ/ኣ

Live Concert in Washington

  • Veronica Solomon
  • Dehab Faytinga
  • Yohannes Tikabo
  • Robel Michael
  • Adhanom (Arif)
  • Teddy Berhane
  • AAron Berhane

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,550SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles