5.4 C
London
Saturday, April 27, 2024

Buy now

spot_img

ጋዜጣዊ መግለጺ – ዝተጠልመ መብጸዓ፡

መበል 30 ዓመት ረፈረንደም 1993ን ብኩራት ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምምጻእ ዲሞክራስን ፍትሕን 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ኣብ ሚያዝያ 1993፡ ብዓለም ደረጃ ሃገራዊ ረፈረንድም ኣካይዱ ኢዩ። ሎሚ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት፡ ዕላማን ሕልምን ህዝቢ ኤርትራ ሰሚሩ`ዶ፧ እቲ ብድምጹ ዘረጋገጾ ሃገራዊ ናጽነትን ምፍጣር ሓዳሽ ልዑላዊት ሃገርን፡ ንሕልምታቱን ባህግታቱን ከተግብር ዕድል ሂበሞ`ዶ፧ ዝበሃሉ ሕቶታት ምስልሳል እዋኑን ግቡእን ኢዩ።

ኣብዚ መበል 30 ዓመት ሃገራዊ ረፈረንድም እንዝክረሉ ዘለና እዋን፡ መብጸዓታት ብረታዊ ቃልስና ይኹኑ ባህግን ሕልምን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተጠለመሉ ሓያል ግዜ ኢና እንርከብ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ መሰረታዊ ናይ ወዲ ሰብ መሰላት ረጊጹ፡ ኤርትራ ኣብ ጎደና ዲሞክራስን ምዕባለን ንኸይትጎዓዝ ሓሊኹ ሒዝዋ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ንኹሉ በብእዋኑ ዝተላዕለ ናይ ህዝቢ ኣብያን ዲሞክራስያዊ ሕቶታትን ደቚሱ፡ ድምጺ ህዝቢ ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ሓይሩ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፡ ናይ ምእካብን ማሕበር ናይ ምፍጣርን መሰላት ዓጽዩ፡ ገደብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈጢሩ ተስፋን መጻኢን መንእሰያት ቀቲሉ፡ ኤርትራ ኣብ ምሕረት ሃደ ሰብ ከምትወድቕ ጌሩ ኣሎ።

እዚ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ጥልመት ማዕጾ ኩሉ ኤርትራዊ ክኩሕኩሕ ይግባእ። ኣንጻር እዚ ዓመጽ እዚ ኩሉ ክትንስእን፡ ዓው ኢሉ ድማ ይኣክል ክብልን፡ ነቲ ዝተጠልመ መብጸዓ፡ ኣብ ቦትኡ ክምለስን፡ መባእታዊ መሰላት ወዲ ሰብ ክኽበርን፡ ኣንጻር እዚ ገባቲ ስርዓት ጠጠው ክብል ይግባእ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ልዕሊ ማንም ህዝቢ፡ መሰል ወዲ ሰብ ዘኽብርን፡ ብስርዓተ ሕጊ ዝመሓደርን፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ፡ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕሉን መንግስቲ ክህልዎ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ነጻ፡ ምዕሩይን ግሉጹን ዲሞክርስያዊ መስርሕ ንኽሳተፍ፡ ናጽነት ናይ ሓሳብካ ምግላጽን ባይቶ ናይ ምፍጣርን መባእታዊ መሰልን ዕድልን ክወሃቦ ይግባእ። 

ኣብዚ ዕለት`ዚ፡ ነቶም ሃገራዊ ናጽነት ክውን ንምግባር ትብዓት ዘርኣዩን መስዋእቲ ዝኸፈሉን ኤርትራውያን ክንዝክሮም ይግባእ። ኣብዚ ዕለት`ዚ፡ እቲ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣብ ምፍጣር ዝኣተናዮ መብጸዓ እነሕድሰሉ ክኸውን ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ኩሎም ካልኦት ህዝብታት፡ መባእታዊ መሰል ወዲ ሰብ ዘኽብርን ረብሓታቱ ዝሕሉን መንግስቲ እምበር፡ ኣብ ልዕሊኡ ተጻዒኑ፡ ረብሓ ሓደ ውልቀ ሰብ ዘሳሲ ገባቲ ስርዓት፡ ዝግበኦ ህዝቢ ኣይኮነን።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ፡ በቲ ገባቲ ስርዓት ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዕቱብ ክኹንንን ንጽውዕ። ኩለን ሃገራት፡ ዘለወን ጽልዋታት ተጠቒመን፡ ንለውጢ ክደፍኣን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣበጊስዎ ዘሎ ናይ ለውጢ መስርሕ ክድግፋን ንምሕጸን።

ኣብዚ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝተኻየደ ናይ ናጽነት ረፈረንዱምን ንዕኡ ክዉን ንምግባር ዝተኸፍለ መስዋእትን እንዝክረሉ ዘለና እዋን፡ እቲ ንዲሞክራስን ፍትሕን ዘካየድዎ ቃልሲ፡ ገና ኣብ ዕላምኡ ከምዘይበጸሐ ክንዝክር ይግባእ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ እምበኣር፡ ብሓባር ደው ኢልና ኣለና ንበሎም። እቲ ንጽቡቕ መጻኢ ቀጻሊ ወለዶታት ክብሉ ዝከፈልዎ ዋጋ ከንቱ ኮይኑ ከይተርፍ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ጎኒ ፍትሒ ደው ንበል። 

ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
23/04/2023

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,540SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles