14 C
London
Monday, May 20, 2024

Buy now

spot_img

ጋዜጣዊ መግለጺ – ዘይሕጋዊ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ስርዓት ህግደፍ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ውሽጣዊ ጉዳያት መንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ፡ ብዛዕባ ንዓባይ ብርጣንያ ዝኣትዉ ዘለዉ “ዘይሕጋውያን ስደተኛታት” ሓድሽ መደብ ኣውጺኡ ኣሎ። እዚ መደብ እዚ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ከኣ፡ ኩሎም ካብ ፈረንሳ ንዓባይ ብርጣንያ ዝመጹ ስደተኛታት ጉዳዮም ኣብ ርዋንዳ ክርአን፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ጉዳዮም ዘይተወሰነ ከኣ ንርዋንዳ ክምለሱን ኢዮም። ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት መንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ፡ ጉዳዮም ኣብ ርዋንዳ ድሕሪ ምርኣይ፡ ብናይ ስደተኛ ሕቶኦም ዕጉብ ኮይኑ እንተተረኺቡ ናብ ዓባይ ብርጣንያ ብሕጋዊ መንገዲ ክኣትዉ ኢዮም። ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት መንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ፡ “እዚ መደብ እዚ ብቐንዱ ነቶም ጨካናት ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ዝገትእ፡ ነቶም ሕጋውያን ስደተኛታት ከኣ ኣብ ምሕረት መሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ንኸይወድቁ ዝከላኸል መደብ ኢዩ” ይብል። ይኹን እምበር፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መደብ ብብዙሓት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተንቀሳቀስቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተቛወምቲ ሰልፍታትን ብዙሓት ኣባላት እቲ ዝውስን ዘሎ ሰልፍን ነዚ መደብ እዚ ተቛውሞኦም ገሊጾም ኣለዉ። ነዚ መደብ እዚ ተኸቲሉ ድማ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓድሽ ዝመስል፡ ግን ከኣ ዝበለየ፡ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ዜና ስርዓት ህግደፍ፡ `ግናይ መደብ ምምላስ ስደተኛታት`ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ንውዕል መንግስቲ ዓባይ ብርጣንያን መንግስቲ ርዋንዳን ኮኒኑ ኣሎ። ሚኒስትሪ ዜና ቀጺሉ፡ “እዚ መደብ እዚ ነቲ ቀንዲ ምኽንያት ዋሕዚ ስደተኛታት ሸፊኑ፡ ንገለ ሃገራት ጥራየን ንምትራፍ ዝዓለመ፡ ብውዲት ዝተሃንደሰ መደብ ኢዩ” ይብል። እዚ መግለጺ እዚ ነታ ኣብዚ ውዕል ዝኣተወት ናይ ኣፍሪቃ ሃገር ዝኾነት ርዋንዳ እውን ኣብቲ ውዲት ከም ዘላ ጌሩ ዘቕርብ ሓደገኛ መግለጺ ኢዩ። ብቓላቱ፡ “ኣብዚ ሕሱርን ዘይሞራላውን ውዕል፡ ንሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብገንዘብ ጌርካ ናይ ምስዳዕ ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ፡ እዚ ድማ ክኹነንን ጠጠው ክብልን ዘለዎ ኢዩ”ይብል። እዚ መግለጺ እዚ፡ ምስ ኩሉ ጸገማቱ፡ ብካልእ ሃገር ተባሂሉ ኔሩ እንተዝኸውን ቁሩብ ሰማዒ ምረኸበ። ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉለይ በለ ከም ዝበሃል፡ በዚ ናይ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ሚኒስትሪ ዜና ዝወጸ መግለጺ ዝደናገር ሰብ እንተሎ፡ ብጀካ ጸሓፊኡ ካልእ ሰብ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

እስኪ ቁሩብ ምልስ ኢልና፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ስደተኛታት ዘለዎ መርገጺ ንመልከት። ኩሉ ከም ዝዝክሮ፡ ብዕለት 3 ጥቕምቲ 2013, 678 ትንፋስ ዝጸዓነት ጃልባ፡ ኣብ ኣፍደገ ላምፖዱሳ ጥሒላ ኢያ። ካብዚኦም፡ 368 ኤርትራውያን ብኡንብኡ ባሕሪ ውሒጥዎም። ዓለም ምሉእ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣዊጃ፡ ዓዲ ጥልያንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ባንዴረአን ትሕት ኢላ ክትስቀል መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን። እዛ ሕጂ ብምምላስ ስደተኛታት እተስቆርቁር ዘላ ናይ ህግደፍ ሚኒስትሪ ዜና ግን፡ 350 ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ጥሒሎም ክትብል ኢያ መስኪራ። ንምዃኑ፡ ነታ ኤርትራውያን እትብል ስም እኳ ክትደፍራ ኣይከኣለትን። ክሳብ ዕለተ ሎሚ ከኣ፡ ሬሳ ኤርትራውያን፡ ንኤርትራ ከይኣቱ ተኸልኪሉ፡ ኣብ ጎላጉል ላምፖዱሳ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ ኣሎ።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ፡ እቶም ካብ ኤርትራ ሕሰም መሪርዎም ዝወጹ ዝነበሩን ዘለዉን መንእሰያት፡ “ማዳ ሃገር” ተባሂሎም ክዝለፉ እምበር፡ መፍትሒ ክናደየሎም ንሓንቲ መዓልቲ እኳ ኣይተፈተንን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ካብ ሃገር ተሸይጦም ንኽወጹ ኢዩ ዝግበር ዝነበረን ዘሎን። እተን ኣብ ኣስመራ “ናይ ኩሊት” ተባሂለን ዝሸራሸራ ዘለዋ መካይን ነዚ ሓቂ እዚ እንዳፈለጠኦ ከመይ ጌራ ሚኒስትሪ ዜና ክትፈልጦ ይጽግማ፧ እቲ ዘገርም፡ እቶም መሰጋገርቲ ደቂ ሰባት፡ ካብ ማእከል ኣስመራ ይብገሱ ምንባሮም ኢዩ። ኩሎም እቶም ብገንዘብ ንወጻኢ ከይዶም ዝበሃሉ ኤርትራውያን ከኣ፡ ኣብ ሱዳን ይተሓዙ ኣብ ሲናይ፡ ናይ መሸጣ ውዕሎም ኣብ ኣስመራ እምበር ኣብ ካልእ ሃገር ኣይተገብረን። እታ ውዕል ርዋንዳን ዓባይ ብርጣንያን ክትኩንን ዝጎየየት ሚኒስትሪ ዜና ግን፡ ነቲ ኣብ ሕምብርታ ዘሎ ውዕል ክትሪኦ ኣይከኣለትን። ስርዓት ህግደፍን እዛ ሕጂ ተንባሁቕ ዘላ ናይ ህግደፍ ሚኒስትሪ ዜናን፡ ብዛዕባ ስደተኛታት`ሲ ይትረፍ ብዛዕባ ዝኾነ ይኹን ውሳኔ እኳ ክዛረቡ ሞራላዊ ባይታን ሕልናን የብሎምን።

ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
20 ሚያዝያ 2022

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,550SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles