14 C
London
Monday, May 20, 2024

Buy now

spot_img

ምትፍናን ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጊሰን

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ኣብ ጊሰን ጀርመን ንመንግስቲ ኤርትራ ብዝድግፉ ኤርትራውያን ዝተወደበ ዓመታዊ ፈስቲቫልን ንምብታን ብዝተኣኻኸቡ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ዝዀኑ መንእሰያት፡ 26 ኣባላት ፖሊስ ከምዝሃረሙን ልዕሊ 125 መዝገብ ክሲ ከምዝተኸፍተን ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም፡ ቢቢሲ፡ ሲኤንኤንን ኣልጀዚራን ካልኦት ብዙሓት መደበራት ቴሌቪዥንን ራድዮን ዲጂታል ሜድያን ዝሰሓበ፡ ኣስታት ሽሕ ኣኽበርቲ ጸጥታ ፖሊስ፡ ዕሉማት ኣፍራስን ኣኻልብን፡ ብርቱዕ ማይ ዝነጽጋ ተኸላኸልቲ ናዕቢ መካይን ፖሊስ ዝተሳተፍኦ ጎነጻዊ ሰልፊ ነይሩ።

እቲ ተጓንፎ፡ ንህዝባዊ ምንቅስቓስ እታ ኣስታት 900 ሽሕ ዝነበርታ ከተማ ጊሰን ስለዘደስከሎ፡ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ጀርመን “ ጊሰን ዓውደ ግጭት ሳልሰይቲ ሃገር ክትከውን ከነፍቅድ ኣይግባእን’ዩ” ክብሉ ኣማሪሮም።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዝያት ክካየድ ዝተሓስበ ፈስቲቫል፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስትን መንእሰያትን ብዘጋጠመ ግጭት፡ ሓያሎ ሰባት ተጐዲኦም ምንባሮም ኣይርሳዕን።

ሎምዘበን እውን ተመሳሳሊ ግጭት ንኸየጋጥም ዝሰግአ ምምሕዳር ጊሰን፡ እቲ ፈስቲቫል ንኸይካየድ ከልኪሉ’ኳ እንተነበረ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጽኑዕ ምትእስሳር ዘለዎ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ኣብ ቤት ፍርዲ መጒቱ ስለዝረትዐ እዩ እቲ ኣቓልቦ ዓለም ዝሰሓበ ጎነጻዊ ምንቅስቓስ ኣጋጢሙ።

እቲ ምስ ፖሊስ ዘጋጠመ ግጭት ብሚልዮናት ዝቝጸር ክሳራ ስለዘስዓበ፡ ፖለቲከኛታት ጀርመን ንመጻኢ ኣዝዩ ክሕሰበሉ ከምዝግባእ ከተሓሳስቡ እንከለው፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ንወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ጸዊዑ ብዛዕባ እቲ ማእከል ስሕበት ዝዀነ ግጭት ዝኾነ ፈስቲቫል ከምዘዘራረቦ ተሓቢሩ።

ከንቲባ ከተማ ጊሰን ፍራንክ ቲሎ ባቸር፡ “እዚ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ካብ ከተማና ናብ መላእ ዓለም ዝተዘርግሐ ስእሊ ዝጽወር ኣይኰነን” ብምባል፡ ንመጻኢ ከምኡ ዝኣመሰለ ግጭት ዝዕድም ፈስቲቫላት ክውደብ ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።

ቶረስተን ፈረይ ዝተባህለ ሓደ ኣባል ባይቶ ከኣ “ኣኽበርቲ ጸጥታና መዝሓሊ ናይቲ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ግርጭት ክዀኑ ኣይግባእን” ክብል ንማዕከን ዜና ዲፒኤ ሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ለንደን፡ ን15-16 ሓምለ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን’ውን ከምዝተሰረዘ፡ መርበብ ማሕበረኮማትን ውድባትን ኤርትራውያን ብሪጣንያውያን ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣመዓባብላ ፈስቲቫላትን

ካብ መፋርቕ 1970ታት ኣትሒዞም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሰዲዶም ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዘዝጥዕሞም እናተኣኸኸቡ ብጉዳይ ሃገሮም ይዝትዩ ነይሮም እዮም።

ቁጽሪ ተሳተፍቲ እናበዝሐ ምስ ከደ ከኣ ዓመታዊ፡ ናብ ከተማ ቦሎኛ ኢጣልያ እናነገዱ፡ ምስቶም ካብ ሜዳ ኤርትራ ዝመጽኡዎም ተጋደልቲ ተራኺቦም ይጽንብልዎ ነይሮም እዮም።

በብዓቕሞም ነቲ ቓልሲ ይድግፉን፡ እቲ ፈስቲቫል ድማ እናዓበየ ካብ ሜዳን ስደትን ዝተፈላለያ ጉጅለታት እናመጽኣ ነቲ በዓል የድምቓኦ ምንባረን ሓደ ካብቶም ምሉእ ግዜኦም ንሰውራ ወፍዮም ነቲ ፈስቲቫል ዘካይዱ ዝነበሩ ኣቶ ደስበለ መሓሪ ይገልጽ።

እቲ ሽዑ ዝካየድ ዝነበረ ፈስቲቫል ንህዝቢ ሞራል ዝህብ ሓደ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ክውን ከምዝኸውን ዘተስፉ ብምንባሩ ኣብ ወለዶ እቲ እዋን ተዘካሪ እዩ።

ኣብ ግንቦት 1991 ሰውራ ኤርትራ ምስ ተዓወተ ግን፡ እቲ ኣብ ስደት ዝካየድ ዝነበረ ፈስቲቫል ንኤርትራ ግዒዙ።

እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓጋይ ኣውሮጳ ንቦሎኛ ዝውሕዝ ዝነበረ ህዝቢ ከኣ፡ ንኤርትራ ክነግድን ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ዝጸንሕ ዝነበረ ፌስቲቫልን ይሳተፍ ነይሩ።

ኣብ 1998 -2000 ብዶባት ዝተሳበበ ኵናት ኢትዮ ኤርትራ ምስ ኣጋጠመ ግን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ናይ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ኩለንትናዊ ደገፍ ስለዘድለዮ እንደገና ሰሚናራትን ፈስቲቫላትን ብምውዳብ ነቲ ፈስቲቫል እንደገና ኣብ ስደት ከበራብሮ ጀሚሩ።

ፈስቲቫል ተሓኤካስል ጀርመን

ጎድኒ ጎድኒ ናይቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ብህዝባዊ ግንባርን ድሕሪ ነጻነት ከኣ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ዝካየድ ዝነበረን ዘሎን ፈስቲቫላት፡ ብኻልእ ሸነኽ እውን ኣብ ከተማ ካስል ጀርመን፡ ብተጋድሎ ሓርነትን ደገፍቶምን ዝውደብ ሰሚናራትን ባህላዊ ምርኢትን ዝካየዶ ፈስቲቫል ይካየድ ነይሩ’ዩ።

ተሓኤ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ደማዊ ውግእ ሓድሕድ፡ ኣብ 1981 ካብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ወጽአት ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት እኳ እንተተፈናጨለት ሕጂ እውን እንተኾነ ገና ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ዝቕጽል ውዳበታት ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ድሕሪ ማእሰርቲ ጕጅለ 15 ዝማዕበለ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ

ኣብ 2001፡ ንኣመዓባብላን ኣልያን ኵናት ዶባት 1998 – 2000ን ንበይናዊ ውሳነን ዕብለላን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ብምቅዋም ግቡእ ምምሕያሽ ክግበር ዝጠለቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰውራን መንግስትን ነበር፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ምስተኣስሩ፡ ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ኣፍደገ እቲ ኣብ ስደት ዝውደብ ፌስቲቫላትን ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲታትን እናተኣከበ ተቓውሞኡ ከስምዕን፡ ኣብቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘካይድዎ ዝነበሩ ሰሚናራት ፈስቲቫላት እናኣተወ ሕቶታት ከልዕክን ተቓውሞ ከስምዕን ጀሚሩ።

እንተኾነ ደገፍቲ መንግስቲ፡ ነቶም “መንግስቲ መዓስ’ዩ ነቶም ዝኣሰሮም ኣብ ፍርዲ ዘቕርቦም?” ክብሉ ንዝሓተቱ ኤርትራውያን ንገሊኦም ብሓይሊ ካብቲ ኣኼባታት ከውጽኡዎም እንከለው፡ ንንገሊኦም ከኣ ከም መሳርሒ ባዕዲን ብኽድዓትን እናጠቀኑ ከጋፍዑዎም ጀሚሮም።

እቲ ተቓውሞ ካብ ሃገር ሃዲሞም ዝተሰዱ መንእሰያት እናተጸንበርዎ በብቕሩብ ዓብዩን ሰፊሑን።

ኣብ ለንደን ዝቕመጥ መምህር ጸጋይ ገብረሂወት፡ ንኣባል ጕጅለ 15 ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ፡ ነቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘሰሓሐበ ጉዳያት ንህዝቢ ክገልጽ ኣብ ለንደን ኣኼባ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ብቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ዝተወደቡ ሰባት መጺኦም፡ ነቲ ኣኼባ ብምዝራግ፣ ንመስፍን ብኽድዓት እናጠቀኑ፡ ሰድያታት ብምድርባይ ብጎነጽ ነቲ ኣኼባ ከምዝበተንዎ ይዝክር።

እዚ ሕጂ ብደገፍቲ መንግስቲ ንዝውደብ ፈስቲቫላት ብሓይሊ ንምብታን ዝካየድ ዘሎ ናይ መንእሰያት ተቓውሞ ድማ ምንጩን መበቆሉን እቲ ፍልልይ ሓሳባት ዘይቅበል ኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ይገልጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ዘረጋገጸ ኣኼባ ጀኔቫ

ኣብ 2012 ቤት ምኽሪ ላዕለዋይ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣጽኒዓ ንቤት ምኽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ከተቕርብ ንወ/ሮ ሺላ ቢ ኪታሩዝ መዚዙዋ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ስርሓ ከተሳልጥ ስለዘይፈቐደላ ግን፡ ንሳን ብጾታን፡ ኣቦ መንበር’ቲ ኮሚሽን ኣቶ ማይክ ስሚዝ፡ ተሓጋጋዚኡ ጠበቓ ኣቶ ቪክቶር ዳንክዋንን ካልኦት መሳርሕቶምን ኰይኖም፡ ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ኣስታት 880 ግዳያትን ስድራ ቤት እሱራትን ቃለ-ምስክርነት ኣኪቦም።

ብ2015 ንባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብዘቕረቡዎ ሰነድ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ኣንጻር ሰብኣውነት ከቢድ ገበን ከምዝፈጸመ ኣረዲኦም። እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተመሓላሊፉ።

ኣብ 2016 ከኣ፡ ኣስታት 13 ሽሕ ዝግመቱ ካብ መላእ ዓለም ዝተኣኻኸቡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ተረኺቦም ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ፡ ነቲ ውሳነ ናይ ደገፍ ድምጾም ኣስሚዖም።

ርእይቶታት ዜጋታት ኣብ እዋናዊ ግጭት ጊሰን ጀርመን

ኤርትራውያን ዜጋታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ጊሰን ጀርመን ዘጋጠመ ግጭት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይህቡ ኣለው።

ኣብ ሳውዝ ባንክ ዩኒቨሪሲቲ መምህር ምዕባለን ስደትን ስደተኛታትን ዶ/ር ጋይም ክብረኣብ፡ ንኣብነት፡ እዞም ብስርዓት ህግደፍ ተገፊዖም ከቢድ በሰላ ጉዕዞ ስደት ተሰኪመም ዝመጽኡ ተቓወምቲ መንእሰያት፡ ኣብ ክንዲ ብደገፍቲ መንግስቲ ኣብ ዝተወደበ ኣኼባታት ናብ ዝሳተፉ ኤርትራውያን ኣሕዋቶም እምንን ጠራሙዝን ዝድርብዩን ምስ ፖሊስ ዝጋጨውን፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣማራጺ ፈስቲቫል ወዲቦም ሓሳቦም እንተዝገልጹ ዝሓሸ ነይሩ፡ ይብል።

ኣቶ ተስፋይ ከኣ፡ እዞም ብኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ንዝውደብን ዝተባባዕን፡ ካብ ዓዲ ዝመጽኡ መራሕቲ ዞባታትን ደረፍትን ዝሳተፉዎ ፌስቲቫላት፡ ነዞም ብኸቢድ ምልካዊ ምሕደራ ካብ ሃገር ነፊጾም ዝመጽኡ መንእሰያት፡ብጥልመትን ክድዓትን እናጸለሙ ሰላም ምስ ከልኡዎም ተቘጢዖም ዝህቡዎ ዘለው ግብረመልሲ ብምዃኑ ምስ ሸበራን ምዕግርጋርን ክርአ ኣይግበኦን’ዩ ይብል።

ዶ/ር ጋይም ሓሳቡ ብምቕጻል፡ ኵሉ ሳዕ፡ መለኽቲ ስርዓታት ንዜጋታቶም ከፋፊሎምን ኣጋጭዮምን ስለዝነብሩ፡ እዞም ሕጂ ንሓድሕዶም ኣእማን ዝደራበዩን ዝፋጠጡን ዘለው ዜጋታት፡ ደቂ ሓንቲ ሃገር ኣሕዋት ስለዝዀኑ፡ ክንኖ እቲ ብካድራት ስርዓት ህግደፍ ዝጥጃእ ሕቡእ ኣጀንዳ በሪኾምን ነቒሖምን፡ ብልዙብ ስልጡን ኣገባብ እሂን ምሂን ክበሃሃሉ እምበር፡ ደለይቲ ፍትሒ እናተባህሉ፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ዝኽሰሰሉ ጎነጻዊ ባህሪ ክደግሙዎን ኣብ ሓድሕዶም ጽልእን ቂምን ክተኽሉ ኣይግባእን’ዩ ክብል ማዕዳኡ የቕርብ።

እቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቓወሙ መንእሰያት ብወገኖም ድሕሪ’ቲ ዓሚ ከምዚ እዋን ኣብ ጊሰን ዘጋጠመ ግጭት፡ እቲ ብስም ባህላዊ ምትእኽኻብ ዝምኽነ ብመንግስቲ ዝውደብ ናይ ፕሮፖጋንዳ ፈስቲቫል ንኸይግበር ብሕጋዊ መገዲ ክምጉቱ ፈቲኖም ምስ ተሳዕሩ ተገዲዶም ዝኣተውዎ ግጭት ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

ገለ ካብቶም ንመንግስቲ ዝድግፉ ተሳተፍትን ወደብትን እቲ ፈስቲቫል ግን፡ ኣብቲ ጋዜጠኛ መስትያት ቤትና ዘካርያስ ክብረኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ከም ኣብ ኵሉ ሃገራት ኣፍሪቃ ጸገም ከምዘሎ ብምእማን፡ “ዋላ እውን ንውልቀ መላኺ እንተኽበርና ከም ዜጋታት መሰልና እንድዩ። ብዛዕባ ውልቀ መላኺ ብዝምልከት ከኣ ሓሳብ እምበር እምኒ ሒዝካ ኣይትምጽኣኒ። እቶም የማናውያን ጀርመናውያን እውን እኮ ንሂትለር እዮም ዘኽብሩ።” ክብሉ ጎንጽን ግጭትን ፍታሕ ከምዘይኮነ ተዛሪቦም።

እንተዀነ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ነቶም ኣብ ከተማ ጊሰን ብስም ማሕረበረኮም ዝተወደበ ፈስቲቫል ተቓውሞኦም ዘስምዑ ሰባት፡ ‘ኣንጻር ኤርትራ ብዝሰርሑ ወያነን መሻርኽቶምን ዝተደፍኡ ዕሱባት እዮም’ ብምባል ክሳብ ንመንነት እቶም ተቓውምቲ እውን ክኽሕዱዎ ስለዝፍትኑ፡ እቲ መንእሰይ ኣብ ጊሰን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳ ተቓውሞኡ ብናህሪ ዝቕጽል ዘሎ ይብል መምህር ጸጋይ።

እቲ ተግባር ከኣ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ መንጐ እዞም ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ ብፈቐዶ በረኻን ባሕርን ከቢድ ብድሆ ሰጊሮም ዝመጽኡ መንእሰያት ዘይዕረቕ ጽልኢ ተኺሉ ዕድመ ስልጣኑ ንምቕጻል ዝሓለኖ ስለዝዀነ፡ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘለው ለባማት ሃገራውያን ነቶም መንእሰያት ክመኽሩዎምን ከረድኡዎምን ከምዝግባእ የስምረሉ።

Source BBC: https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c0j4wlv0wveo

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,550SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles