7.4 C
London
Saturday, April 27, 2024

Buy now

spot_img

ጋዜጣዊ መግለጺ- ዓወት ጊሰን ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

እቲ ንሓያሎ ሳምንታት ምድላው ዝተገብረሉ፡ ኣብ ጊሰን ዝተኻየደ ናይ ህግደፍ ፈስቲቫል፡ ትማሊ ቀዳም ናብ ረጽሚ ዓሪጉ ኣሎ። ፖሊስ ጀርመን ጸጥታ ናይቲ ከተማ ክሕልዉ፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ብፍላይ ከኣ ብርጌድ ንሓመዱ ድማ፡ ነቲ ብህግደፍ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ፕሮፖጋንዳ ፈስቲቫል ከፍሽሉ ኣብ ረጽሚ ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ረጽሚ እዚ ብሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን። መቐጸልታ ናይቲ ን32 ዓመታት ኣብ በበይኑ እዋናት፡ ክካየድ ዝጸንሐ ሕጋዊ ሰለማዊ ሰልፍታት ኢዩ። እዚ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፍታት፡ ብሰንኪ ምዕራብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ኤውሮጳ ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተኸተለኦ ዝንቡዕ ፖሊሲ ፍረ ከምጽእ`ሲ ይትረፍ፡ እቲ ዝግበኦ ናይ ሜድያ ኣቓልቦ እኳ ክረክብ ኣይከኣለን። ሓደ፡ ኣብ ሃገሩ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ጥሒሱ፡ ብሕጊ ጫካ ዝመሓደር ስርዓት፡ ኣብተን ብሰብኣዊ መሰላት ዝልለያ ሃገራት መጺኡ ዜጋታቱ ከርዕድ ምፍቃድ፡ በቲ ኣብ ሃገሩ ምንባር ስኢኑ ኣብ ስደት ዝሰፈረ መንእሰይ ዝጽወር ኣይኮነን። ስለምንታይ ግን መንግስቲ ጀርመን ይኹን መንግስታት ምዕራብ ከምቲ ሆላንድ ዝወሰደቶ መርገጺ ክወስዳ ዘይከኣላ፧

ውዕሎ ጊሰን፡ ዋላኳ ነቲ ናይ ፕሮፖጋንዳ ፈስቲቫል ከዓግቶ እንተዘይከኣለ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ስቓይ፡ ኣብ ቤት ነፍሲ ወከፍ ምዕራብ ዓለም ከም ዝበጽሕ ጌርዎ ኢዩ። ድሮ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ኣፍሪቃን ሃገራት ዓረብን ዝርከባ ናይ ሜድያ ትካላት ሸፈነ ሂበነኦ ኣለዋ። እቲ ካልኣይ ዕላማ ውዕሎ ጊሰን ከኣ እዚ ኢዩ ኔሩ። ዓወት ጊሰን እምበኣር ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

ኣብዚ ኣብ ጊሰን ዝተኻየደ ረጽሚ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝወረደ፡ ናይ ጀርመን ናይ ሓበሬታ መሳኹቲ ይጽብጽባ ኣለዋ። በዚ ወሪዱ ዝበሃል ዘሎ ጉድኣት ዝሕጎስ ከኣ እቲ ኣብ ኣሰመራ ዓስኪሩ ዘሎ ስርዓት ኢዩ። ቀዳማይ ዕላማ ናይቲ ኩሉ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝወዓለ፡ ነቲ ናይ ፕሮፖጋንዳ ፈስቲቫል ንምዕጻው እምበር፡ ኣብ ዕግርግር ኣቲኻ ጉድኣት ንምውራድ ኣይነበረን። በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሰብ ዝወረደ ሓደጋ እንተሎ፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ቅልጡፍ ሕውየት ክረኽብ ይምነ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን፡ ነዚ በዞም መንእሰያት ተረኺቡ ዘሎ ዓወት ቅሂሙ ከይተርፍ እንታይ ክገብር ኣለዎ፧ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሕቶ መዕለቢኡ ሕጊ ኢዩ። እዚ መንእሰይ እዚ ብቐጻሊ ዋጋ ክኸፍል ክቅሰብ የብሉን። መጻኢኡ ከማዕዱ፡ ካብዚ ዘይዓርፍ ሸንኮለል ወጺኡ፡ መጻኢኡን መጻኢ እታ ዝቃለሰላ ዘሎ ሃገር ከውሕስ ክሕገዝ ይግበኦ። ስለዚ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ናይ ሕጊ መጋብኣያ ተወሲዱ መዕርፎ ዝረኽበሉ መንገዲ ምቕያስ የድሊ። እዚ ስራሕ እዚ ከኣ ናይ ሰብ ሞያ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ህዝቢ፡ ነዚ ናይ ሕጊ ጉዳያት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክገብሮ ዝግበኦ ኣበርክቶ ዓቢ ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ነዞም ዝስዕቡ ምሕጽንታት ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ የቕርብ።

  1. ነቲ ስራሕ ብሓላፍነት ከሰርሑዎ ዝኽእሉ፡ ዉፉያት ሰብ ሞያ ምሕራይ።
  2. እዞም ሰብ ሞያ እዚኣቶም፡ እቲ ጉዳይ ናብ ሕጊ ዝቐርበሉ መንገዲ መጽናዕቲ ምክያድ።
  3. እቶም ሰብ ሞያ ግብራውነቱ ምስ ኣረጋገጹ፡ ሕጋውያንን ንጉዳይ ኤርትራ ዝፈልጡን ጠበቓታት ምቑጻር።
  4. ነቲ ጉዳይ ብዓለም ደረጃ ኣብ ናይ ሕጊ መጋብኣያ ምቕራብ።
  5. ህዝቢ፡ ነዚ ዕላማታት እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ በቶም ሰብ ሞያ ዝእከብ፡ ዘድሊ ገንዘባዊ ሓገዛት ምውፋይ።

ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን

09 ሓምለ 2023

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,540SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles