14 C
London
Monday, May 20, 2024

Buy now

spot_img

መሪሕነት ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ምስ ናይ ኣመሪካ ጉዳያት ወጻኢ ተራኺቡ።

ኣባላት መሪሕነት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ኣቶ ዓወት ጸሃየን ኣቶ ልኡል ዘውደን ምስ ወከልቲ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ተራኺቦም። እዚ ኣቐዲሙ ተመዲቡን ብቖጸራ ተታሒዙን ዝጸንሐ ክልተኣዊ ርክብ፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤርትራ ክህሉ ዝኽእል ክልተኣዊ ረብሓን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ እዋናዊ ብድሆታትን ዘተኮረ ኢዩ ኔሩ። ኣብዚ ናይ 1 ሰዓትን 20 ደቓይቕን ዝወሰደ ርክብ፡ ኣብ ዛዕባታት ቃልሲ ንፍትሒ ኤርትራዉያን ብሓፈሻ፡ ኣብ ጥርናፈን ዝርገሐን ምንቅስቓስ ይኣክል ድማ ብፍላይ ኣስፊሖም ተዛራሪቦም፡፡

ምንቅስቓስ ይኣክል ምስ ካልኦት ሰብ ብርኪ ኤርትራዉያን ሓቢሩ ዝሰርሖም ዘሎ ስራሓትን፡ ምስ እቶም ዝተረፉ’ዉን ብሓባር ንምስራሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣረዲኦም። ካልእ፡ ኣብ’ዚ እዋን`ዚ ዝተገብረ ምብጻሕ ፕረሲደንት ኢሳያስ ናብ ሩስያን ቻይናን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ዝገብሮ ዘሎ ዘለፋን ግርጭትን፡ ኣብ ኣመሪካ ይኹን ኣዉሮጳ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምእካብ ገንዘብን፡ ንዕኡ ንምግባር ዝግበሩ ፈሲቫላትን ናይ ህግደፍ ሰሚናራትን ብኸመይ ብሕጋዊ ተሓታትነት ከምዝሕዝዎ ኣመልኪቶም ተዘራሪቦም።

ኣባላት መሪሕነት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንተራን ኣገዳስነትን ናይ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ዓቢ ምዃኑ፡ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ኤርትራዊ’ዉን ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራን ከባቢናን ክመጽእ ዝድለ ዘሎ ናይ ለውጢ መስርሕ ሓጋዚ ምዃኑን ኣስሚረሙሉ።

ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ምስ ካልኦት ሰብ ብርኪ ኤርትራዉያን ብምትሕብባር ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለዉጢ ንምምጻእ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣፍልጦ ክህቦን ዲፕሎማስያዊ ደገፉ ኽልግሰሉን ጠሊቦም።  ከምተወሳኺ መሪሕነት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ዕላማን ምኽንያትን ናይ’ቲ ኣብ ኣመሪካ ክካየድ ዝቐነየ፡ ብዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዝተዳለወ ሰሚናርን ሲምፖዝዩምን መብርሂ ሂቦም። ኣብ መወዳእታ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣድላይነት ናይ’ቲ ሓቢርካ ምስራሕን፡ ቀጻሊ ዝኾነ ክልተኣዊ ናይ ሓበሬታ ምቅይያርን ምትሕግጋዝን ክህሉ ብለበዋ ተፈላልዮም።          

ዓወት ንፍትሓዊ ቓልሲ ህዝብና፡
ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል
ዕለት 23 ሰነ 2023
ክፍሊ ዲፕሎማሲ

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,550SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles