14 C
London
Monday, May 20, 2024

Buy now

spot_img

ጋዜጣዊ መግለጺ – ንሓድሽ ኩነታት ብሓድሽ ናይ ቃልሲ መንፈስ

ምጽባእ ጠጠው ንምባል ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ኣብ ናይሮብን መቐለን ቀጺሉ፡ ራብዓይ ወርሑ ኣቑጺሩ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እዚ መስርሕ’ዚ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣብ ግብሪ ተተርጉሙ “ነባሪ ሰላም ከምጽእ ይኽእል ኢዩ” ኢሉ ዝተዋህቦ ግምት ትሑት ከምዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። ትምኒትን ድልየትን ግን ናይ ብዙሓት ደለይቲ ሰላም ኣህዛብን ዝተፈላለዩ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ኮይኑ ከምዝጸንሐ ኣይሰሓትን። ኣብዚ ዝሓለፈ ዝተኻየደ ናይ ክልተ ዓመት ኩናት፡ ዝተራእየ ምጭኽኻን፡ ጽልእን ቅርሕንትን ሃዲኡ፡ ኣብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ዘተን ምርድዳእን ደረጃ ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ ዝብል ተስፋን ግምትን ካብ ሕልሚ ዝፍለ ኣይነበረን። እነሆ ግን ብኣንጻሩ፡ እቲ ዝኸበደ መሲሉ ዝርአ ዝነበረ ሕቶታት ኮነ፡ ካብኡ ስዒቡ ከመጽእ ዘለዎ መስርሓት፡ ብጽቡቕ ይሳለጥ ከምዘሎ፡ ካብቶም ቀንዲ ተዋሳእትን ሰብ ብርክን ናይቲ መስርሕ፡ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ የመልክት ኣሎ። በቲ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ክልል ትግራይ መሰጋገሪ ምምሕዳር ክቐውም ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕን ክንጸባረቕ ዝጸንሐ ሃውሁን ተዛዚሙ፡ መስጋገሪ ምምሕዳር ከም ዝቖመ ድሮ ታሪኽ ኮይኑ ኣሎ። ሕጂውን ከምቲ ኣብ ሕሉፍ እዋናት ደጋጊምና ዝገለጽናዮ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ሽግር ብዘተን ብኢትዮጵያውያንን ዝፍታሕ ምዃኑ ብምእማን፡ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ዕዉት ኮይኑ ክዛዘም፡ ኣብ ዞባናን ሃገርናን ከኣ ናይ ሰላም ሃዋሁ ክፈጥር፡ ተስፋናን ምንዮትናን ካብ ምግላጽ ክንቁጠብ ኣይንደልን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኩናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ፈጢርዎ ዝጸንሐ ግዝያዊ ቅልውላውን ምርሕሓቕን ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን። እቲ ጠንቂ፡ ቀጥታዊ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኩናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ምዃኑ ክከሓድ ዝከኣል ኣይኮነን። ገምጋም ኣቐሚጥና መታን ህልው ቃልስና ከነማእዝን ከኣ እቲ ዝተራእየ ፍልልያትን ዝወሃብ ዝነበረ ምኽንያታትን እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ምፍታሽ ኣድላይን መምሃርን ኢዩ። እቲ ዘጋጠመ ፍልልይ ብዕምቆት ክረአን ክስነድን ዝግበኦ እኳ እንተኾነ፡ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ዛዕባ ንምፍታሽ ግን ኣብ ሰለስተ ኣፈናዊ ክፋላት መቒልካ ክርአ ዝከኣል ኢዩ።

  1. ኣኽራሪ ጉጅለ – እዚ ጉጅለ’ዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ኣምልኾት ኢሳያስ ዝኣምን፡ “ብክቱር ጸቢብ ሃገራዊ ፍቕሪ” ዝዓበደ፡ “ዋላ ትንፈር’ምበር ጤል ኢያ” ብዝብል ብሂል ዝምራሕ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ሕቶን እዋንን፡ ኢሳያስን ጉጅለኡን ዝወስድዎ ስጉምትን መርገጽን ኣብ ምጉዋሕ ብዘይ ዕቃበ ዝዋፈር፡ ገንዘቡን ግዜኡን ኣብ ዝተሓተቶ እዋን ክህብ ቅሩብ ዝኾነ፡ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝወርድ ዘሎ ሽግርን ጸበባን ካልኦት ናይ ደገ ሓይልታት ምዃኖም ዝኣምን ጥሩፍ ሓይሊ ኢዩ። ኣብ ክልተ ንኡስ ጉጅለታት መቒልካ ክርአ ድማ ይከኣል።

እቲ ሓደ ብዝተፈላለየ ረብሓታትን ዝምድናታትን ምስቲ ናይ ኢሳያስ ጉጅለ ዝተኣሳሰረ፡ ገለ ድማ እንዳተኸፈለ ዘዳኽርን ዘጓሃህርን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልእ ድማ ብለዋህ ሃገራዊ ስምዒትን ፍርሕን ዝድረኽ፡  ኣብ አእዋኑ ዝለዓሉ ሃገራዊ ሕቶታት ናቱ ነጻ ሚዛን ከቐምጥ ዘኽእሎ ናይ ትምህርቲን ተሞክሮን ዕድል ዘይረኸበ፡ እቶም ሰብ ረብሓ ዘዳኽርዎ ፕሮፖጋንዳ ኣሚኑ ዘይተቖጠበ ፋይናንሳውን ንዋታውን ህያብ ዝልግስ ዝበዝሐ ሰዓቢ ዘለዎ ጉጅለ ኢዩ።

ብገለ ተምሳላቱ ኣብ ውሱን እዋን ምስዚ ኣኽራሪ ጉጅለ ተጸጊዑ ዝጸንሐ  ምትእክኻብን ናይ ውልቀ ሰባት ጉጅለን ከምዝተራእየ’ውን ክግለጽ ይግባእ። እዚ ምትእኽኻብ’ዚ ቅድሚ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኩናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ፡ ደላይ ለውጢ ኮይኑ ኣብቲ ደምበ ፍትሒ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ካብቲ ክስተት ምትእትታው ንደሓር ግን ደጋፊ “ስትራተጂ ጌም ኦቨር” ኮይኑ ዝቐጸለን፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣንጻር ጉጅለ ኢሳያስ  ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ብርቱዕ ቅልውላውን ዘይምትእምማንን ዝፈጠረ ኣካል ምንባሩ ምዝካር ኣድላዪ ኢዩ። 

እዚ እኩብ’ዚ “ንልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ዝፈታተን ናይ ወጻኢ ሓይሊ (ህወሓት-ማለሊት)” ከም ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኣለልዩ “ምስ ሰራዊትናን መንግስትናን ኢና” ዝብል መርገጺ ወሲዱ፡ ነቲ ኩናት ብብርቱዕ ፕሮፖጋንዳ ክድግፍ ዝጸንሐ ኢዩ። ኣብዚ ኩናት’ዚ ዝበርስ ሃብትን ዝጠፍእ ሂወት ኤርትራዊ መንእሰይን ዜጋን ኣብ ግምት ከየእተወ፡ ካብ ሰብኣውነትን ሰላምን ዝረሓቐ፡ ሚዛን ዝጎደሎ መርገጺ ከቃልሕ ዝተሰምዐ ኢዩ።    

ካብዚ መርገጺ’ዚ ተብጊሱ ጸረ “ህወሓት-ማለሊት” ብርቱዕ ዘመተ ምክያድን፡ ነቲ ካብ ዝተፈላለየ  ኣረኣእያታት ተበጊሱ ንምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ዝቃወም ዝነበረ ክፋል ሕብረተስብ ኤርትራ ብክድዓትን ጥልመትን ምኽሳስ ኣበርቲዑ ዝሰርሐ ክፋል ኢዩ። ኣብቲ እዋን ኩናት ሒዝዎ ዝቐጸለ መርገጺ ብግብሪ ካብቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ዘካይዶ ዝነበረ፡ ብወያኔ ዝተገብረን ዘይተግብረን ደማሚርካ  ኣብ መንጎ ህዝብታት ጽልኢን ቅርሕንትን ኣብ ምስዋር ተዋፊሩ ዝጸንሐ ናይ ሶሻል ሜድያን፡ ናይ ውልቀሰባትን ምትእኽኻብ ኢዩ።

  • እቲ ካልኣይ ክፋል፡ ብብርቱዕ ናህሪ ንምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ዝተቓወመን፡ ነቲ ኩናት ዘበገሱ ሓይልታት ዝኾነነን ኮይኑ፡ ብዘይ ሓገዝ ሰራዊት ትግራይ፡ ጉጅለ ኢሳያስ ምእላይ ከምዘይከኣል ኣሚኑ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ፡ ኣብ ደምበ ደላይ ፍትሒ ተሰሪዑ ንነዊሕ ዝጸነሐ ኣካል ኢዩ። እዚ ክፋል’ዚ ኣብ ብቕዓት ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዝቖረጸ፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኲናት ከም ዕድል ኣሚኑ ንምእላይ ስርዓት ህግደፍ ንኽጥቀመሉ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ናይ ነዊሕ ስትራተጂ ክዓዪ ዝተበገሰ ጉጅለ ኢዩ።
  • ብሳልሳይ ጉጅለ ክርአ ዝኽእል፡ ካብ መጀመርታ፡ ኩናት መፍትሒ ናይቲ ሽግር ክኸውን ከምዘይክእል ኣሚኑ፡ ዝተቓወመን፡ ብዘተ ክፍታሕ ከምዘለዎ ደጋጊሙ ዝኣመተን ክፋል ኢዩ። ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኩናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንእሰያትን ህዝብን ኤርትራ ዘኸትሎ መቕዘፍትን ማሕበራውን ቁጠባዊን ቅልውላውን ብምግንዛብ፡ ቀጻሊ ተቓውሞን ኩነኔን ከስምዕ ዝጸንሐ ክፋል ኢዩ። እዚ ኩናት’ዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ትግራይ ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወትን ብርሰትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ክፍጠር ዝኽእል ጽልእን ቅርሕንትን ንምክልኻል፡ ህዝባውን ዲፕሎማስያውን ዝምድናታት ከካይድ ዝተራእየ ጉጅለ ኢዩ።

ብሕጽር ዝበለ እቲ ዝተራእየ ፍልልያት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ጉጅለታት ተኸፋፊሉ ኢዩ ጸኒሑ። ነዚ ምዝርዛር ዝመረጽናሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ንድሕሪት ተመሊስና “መን እንታይ በለ” ኢልና ዓቕምናን ጊዜናን ኣብኡ ከነህልኽ ዘይኮነ፡ ካብዚ ሕሉፍ ኩነታትዚ ተማሂርና ሎሚን ጽባሕን እንታይ ንግበር ኣብ ዝብል ሕቶ ከነተኩር ከምዝግበኣና ንምዝኽኻር ኢዩ።

ስምምዕ ፕሪቶርያን ድሕሪኡ ዝተካየደ ርክባትን ዝፈጠሮ ሓድሽ ፖለቲካዊ፡ ወታሃደራዊን ማሕበራዊን ኩነታት ብጽምዋ ክንከታተሎን ክንርደኦን ዘሎና መሲሉ ይረኣየና።ናይ ዞባና ኣሰላልፋ ሓይልታትን ዝምድናታትን ተቐይሩ ምህላዉ ርኡይ እንዳኾነ ይኸይድ ኣሎ። ወከልቲ ህዝቢ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ብጸቕጢ ወጻኢ’ዶ ብስዕረት ወይስ ኩናት ከምዘየዋጽእ ኩነታቶም ገምጊሞም ብዘየገድስ ብዘተ ክፈትሕዎ ምርጫኦም ወሲዶም ሽግሮም ኣብ ምእላይ ተጸሚዶም ኣለዉ።

እዚ ኣብ ዞባና ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ኩነታት፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ተፈጢሩ ዝጸንሐ ፍልልያት ምሉእ ብምሉእ ፈቲሕዎ ክበሃል’ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ከም ዘህሰሶን፡ እቲ ዝጸንሐ ናህርን ናይ ቃላት ውግእን ክሃድእ ከም ዝገበሮን ኩሉ ዝግንዘቦ ዘሎ ኢዩ። ካብዚ ንላዕሊ ክስጉም ከምዘለዎ ግን ንኩልና ርዱእ ክኸውን ኣለዎ። ዕላማና፡ ሎሚ እውን ከም ቀደም፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዓስኪሩ ዘሎ ናይ ውልቀ-ሰብ ስርዓት ኣሊኻ፡ ኣብ ቦትኡ ናይ ህዝቢ ስርዓት ምቛም ኢዩ። እዚ ዕላማ`ዚ ከኣ፡ ንኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ግምት ዘእተወ ቃልሲ ጥራይ ኢዩ ዘድልዮ። እቲ ክሳብ ሕጂ ሒዝናዮ ዝጸናሕና ዝተፈላለየ መርገጺ ኣብዚ ሓድሽ ዞባዊ ኩነታት ቦታ የብሉን። ስለዚ፡ ነዚ ሓድሽ ኩነታት ዝገጥም ሓድሽ ስትራተጂ ምሕንጻጽ የድልየና ኣሎ።

እቲ ብውልቃዊ ቅርሕንቲ ነቒሉ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዝኣተወ ገባቲ ስርዓት፡ ደገፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይነበሮ ግሁድ እንዳኾነ መጺኡ ኣሎ። እዚ ናይ ቅርሕንቲ ፖሊሲ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘምጻኣሉ  ቅንጣብ ጥቕሚ የብሉን። ንሱ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ፡ እቲ ዝተገብረ ዕንደራ ንጹግ ምዃኑ ዝሕብር ብዙሕ ምልክታት ክረአ ጀሚሩ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ እዚ ኹሉ ዓቢ ፍሽለት፡ ጉጅለ ኢሳያስ ክኽተሎ ዝጸነሐ ዓንዳሪ ፖሊሲ ክዓርፍ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ፡ ካልእ ዝምድናታት ፈጢርካ ወይ ናይ ሓይልታት ምምዕርራይ ጌርካ፡ እቲ ናይ ሰላም መስርሕ ካብ ምዕንቓፍን ኣብ ካልእ ኩናት ካብ ምእታውን፡ ድሕር ዝብል ኣይኮነን። ሕጂ’ውን፡ ናይ “ዶብ ሕቶን ልዑላውነት ሃገርን” ዝብላ ጭርሖታት ብምልዓል ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ከምዝጽዕር ካብ ተገንዝቦና ክኽወል የብሉን። ስለዚ፡ ነዚ ሓድሽ ኩነታት ዝፈጠሮ ባይታ ክንጥቀመሉን ኩሉና ነብሰ ፍተሻ ጌርና ብዕቱብ ክንርእዮን፡ ህዝብና ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ሰብኣዊ ሓደጋ ንምድሓን ሓድሽ ናይ ቃልሲ መንፈስ ክንቅይስ እዋኑ ኢዩ።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
10 መጋቢት 2023

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,550SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles