18.1 C
London
Wednesday, September 17, 2025

Buy now

spot_img

ህጹጽ መጠንቀቕታ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝጎሃሃር ዘሎ፡ ዘይተርፍ ዝመስል ሓደገኛ ኲናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ጎነጻዊ ኣገባብ ሕቶ ምውናን ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን

ዕለት፡ መስከረም 8, 2025

ናብ፡

ክቡር ኣቶ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ክቡር ኣቶ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ

ክብርቲ ወይዘሮ ኡርሱላ ቮን ደር ሌየን ፕሬዚደንት ኤውሮጳዊ ኮሚሽን

ክቡር ኣቶ ኣሕመድ ኣቡል ገይት ዋና ጸሓፊ ሊግ ዓረብ

ክቡር ኣቶ ኢስማዒል ዑመር ገለ፡ ኣቦመንበር ምምሕዳር ልምዓት ኣባል ሃገራት ኢጋድ (IGAD)

ዛዕባ

ህጹጽ መጠንቀቕታ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝጎሃሃር ዘሎ፡ ዘይተርፍ ዝመስል ሓደገኛ ኲናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ጎነጻዊ ኣገባብ ሕቶ ምውናን ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን

ክቡራትን ክቡራንን፡

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቕሰ ኣሰካፊ ኩነት፡ ብህጹጽ ኣቓልቦ ክወሃብ ስምዕትኡ የቕርብ።

እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኽሰት ዝኽእል ኣሰካፊ ኲናት፡ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት፡ ንዓለማዊ መስመራት ንግዲ ከኣ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ክሽምም ዝኽእልን፡ ንኣህጉራዊ ስርዓታት ንግዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከቢድ ሓደጋ ዝኾነን ግጭት ንምክልኻል፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ህጹጽን ወሳንን ስጉምቲ ክወስድ ብትሪ ንጽውዕ።

ብቀዳማይ-ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ፡ ንኣዋርሕ ዝኸይድ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ናይ ኲናት ዘመተ ክካየድ ጸኒሑን ኣሎን። ዕላማ ናይዚ ዘይሓላፍነታዊ ዘመተ ድማ፡ ንወደብ ዓሰብ (ኤርትራ) ንምጉባጥ ከም መበገሲ ዝገበረ ኮይኑ፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ መግዛእታዊ ዶባዊ ውዕላት ብቅሉዕ ዝጥሕስ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ብቃሉ ከም ዝገለጾ፡ ናጽነት ኤርትራ “ታሪኻዊ ጌጋ” ናይ ኢትዮጵያ ከም ዝኾነን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ “ክስተኻኸል” ከም ዝግበኦን ገሊጹ። ምውናን ቀይሕ ባሕሪ፡ ናይ ኢትዮጵያ ህልውና ጉዳይ ከም ዝኾነን፡ ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ምርካብ “ናይ ግዜ ጉዳይ” ጥራሕ ምዃኑን ገሊጹ። እዚ ሰራም ስነ-መጎት’ዚ ብመራኸቢ ብዙሓን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይጎሃሃር ኣሎ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንቡዕ ቋንቋ፡ ብመራኸቡ ብዙሓን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይጋዋሕ ኣሎ። ዝተሰንዐ ሓበሬታን ዝተሰነዐ ሃገራዊ ካርታታትን እንዳኣምጻኻ፡ ኣብ ህዝቢ ናይ ኲናት ስምዒት ንምልዕዓል ይጥቀመሉ ኣሎ። እዞም ስጉምትታት እዚኣቶም፡ ንመሰረታዊ መትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ሕገ-መንግስቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ብቐጥታ ዝጻረርን ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኣባል ሃገራት’ውን ብዘይጥርጥር ዝጥሕስ ኢዩ።

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘከራኽር ኣይኮነን። ዶባት ኤርትራ ከምተን ናይ ካልኦት ኩለን ቅድሚ ሕጂ ዝተገዝኣ ኣፍሪቃውያን ሃገራት፡ ብውሳነታት ናይ መግዛእቲ ጥልያን ዝተሓንጸጸ ኢዮ። እቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ኤርትራን-ትግራይን ዝተላዕለ ናይ ዶብ ግጭት’ውን ብ “ናይ መወዳእታን ቀያድን” ውዕል ኣልጀርስ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤትዮጵያን ኤርትራን ተወሲኑ እዩ። እዚ ኢትዮጵያ ትገብሮ ዘላ ዘመተ ከኣ፡ ነቲ ብዓለም-ለኸ ዝተፈልጠ ዶባት ኤርትራ ንምፍራስ ዝእምት እዩ።

ሃቀነ ወራር ኢትዮጵያ፡ እቲ ቀንዲ ደራኺ ናይዚ ሽግር እኳ እንተኾነ፡ ናይ ኤርትራ ስርዓት’ውን ነዚ ጉዳይ ብምምዝማዝ፡ ነቲ ናይ ኲናት ሓደጋ ከም ምኽንያት ብምጥቃም፡ ነቲ ዝኽተሎ ጨቛኒ ምሕደራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዝብኣሰ ንምቅጻል ይጥቀመሉ ኣሎ። ስርዓት ኢሰያስ ነቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ኤርትራ ንኸይትግበር ምኽኑይ ንምግባር፡ ከምኡ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላቱ ንምኽላእን ይጥቀመሉ ኣሎ። እዚ ናይ ግዳም ሓደጋ፡ ነታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ናይ ኲናት ህላወ ከምዘላ ኣምሲልካ፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ባርነት ዝተገልጸ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኽቕጽል ምኽኒት ይፈጥረሎ ኣሎ። ከምኡ’ውን ንዝኾነ ናይ ዲሞክራሲ ምትእትታው ዝምልከት ጻውዒት ንምንጻግ ይጥቀመሉ ኣሎ። ከም ውጺኢቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ናይ ህላወ ግዳማዊ ሓደጋን ውሽጣዊ ጨኳኒ ምሕደራን ተኸቢቡ ይርከብ ኣሎ።

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣሰቃቒ ዝኾነ ግዳማውን ውሽጣውን ኲናት ኣሕሊፎም ኢዮም። ሕጂ ሓድሽ ግጭት ምጅማር ማለት፡ ነዘን ገና ካብ ምዝንባል፡ ቁጠባዊ ጸገማትን በሰላ ኲናትን ዘይተገላገላ ክልቲአን ሃገራት፡ ዋጋ ዘኽፍል ኢዩ። እዚ ኲናት እዚ እንተደኣ ተወሊዑ፡ ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ዝበኣሰ ምዝንባል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ናይ ጸጥታ ሃጓፍን ክፈጥር ኢዩ። ጥሩፋት ሓይልታት ከኣ ነቲ ሃጓፍ ኣብ ምምላእ ክነጥፉ ኢዮም። ከም ተወሳኺ፡ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ኣብቲ ዞባ ዝገብርዎ ምትእትታው፡ ነቲ ገና ተሃዋሲ ዘሎ ጉዳይ ናብ ዘይተደልየ ኣንፈት ክወስዶ ኢዩ።

በዚ ምኽንያት እዚ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ዓረባዊ ሊግ፣ ኣባል ሃገራት ኢጋድን ኩሎም ኣብ ሰላምን ቅሳነትን ቀርኒ ኣፍሪቃ-ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝግደሱ ሃገራትን ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ብህጹጽ ከተግብሩ ንጽውዕ፣

  1. ንኲናት ዝዓለመ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ምኹናን: መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ኤርትራ ዘቕርቦ ዘሎ ነጥብታት፡ ከምኡ’ውን ብሓይሊ ንምውሳድ ዘርእዮ ዘሎ ስግኣታት፣ ንኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስን ንዓለማዊ ሰላም ዝዘርግን ብምዃኑ ብንጹር ምኹናን።
  2. ብኣህጉራዊ ሕግታት ክትግዛእ ምጥላብ: ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን-ኢትዮጵያን (EEBC) “ናይ መወዳእታን ቀያድን” ምዃኑ ዳግም ምርግጋጽ፣ እዚ ድማ ነቲ ብእኡ መሰረት ዝተገብረ ዶብ፡ ከም ወግዓዊ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ምዃኑ ምእማን።
  3. ቕልጡፍ ትህድዳእ ንክገብሩ ጻውዒት ምቕራብ: ካብ ዘይተደለዪ ናይ ግጭት ሓደጋ ንምክልኻል፣ ኣብ ዶባት ዝግበር ካብን ናብን ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ደው ክብል ምጽዋዕ። ሰራዊት ካብ ኩሉ ዶባት ክወጽእ ምጽዋዕ።
  4. ህጹጽ ዲፕሎማሲያዊ ምትእትታው ንኽግበር ምጥላብ: ብሓይሊ ዝግበር ናይ ዶብ ምጥሓስ ፈተነ ተቀባልነት ከምዘይብሉን፡ ከቢድ ሳዕቤናት ከምዘኸትልን ብንጹር ብምግላጽ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ “ሽግር” ንምእላይ፡ ብላዕሊ ደረጃ ዝተሓዝ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ከም ዝጅመር ምግባር። ንኢትዮጵያ ብወግዒ ብወደባ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ወደብ ዓሰብ፡ ናይ ምጥቃም መሰላ፡ ምስ ኣህጉራዊ ሕግታትን ስምምዓትን ብዝሰማማዕ ክትግበር፣ ሓደ ካብ ኣገደስቲ መዳያት ናይ ምዝርራብ ክኸውን ይኽእል እዩ።
  5. ኤርትራ፡ ውሽጣዊ ምምሕያሽ ንኽትገብር ጸቕጢ ምግባር: ግዳማዊ ስግኣት እንዳተፈትሔ ከሎ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ጨቋኒ ፖሊሲታቱ ከወግድ፡ ቅዋም ከተግብርን፡ ሰብኣዊ መሰል ናይቲ ብሰላምን ክብረትን ክነብር ዝብህግ ህዝቢ ኤርትራ ክሕሉ ጸቕጢ ምግበር።

መደምደምታ

እቲ ናይ ምክልኻል ዲፕሎማሲ ዝጅመረሉ ሕጂ ኢዩ። ንቐዳመይቲ ጥይት ክትኮስ ምጽባይ፡ ሸለል ዘይብሃል ውድቀት ናይ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ስለዘርኢ፡ ነዚ ከቢድ ጉዳይ እዚ ዘድልዮ ህጹጽ ኣቓልቦ ክትህቡዎ ደጋጊምና ንምሕጸን።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,890SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles