ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ብሕቡእ ዝለምድናዮ፡ ብኣዋጅ ከኣ ሓድሽ ዝመስል፡ ንኤርትራ ናይ ምኻድ ፋሽን ጀሚሩ ኣሎ። ብፍላይ ድሕሪ ምምጻእ ስርዓት ኣቢይ ኣሕመድን፡ ንዕኡ ተኸቲሉ ዝመጸ ውግእ ኣብ ትግራይን፡ ኣብ ደንበ ፍትሒ ኤርትራውያን ናይ መትከል ምግልባጥ ተራእዩ ኢዩ። እዚ ከኣ ዘይተጸበናዮ ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ምስ ምምጻእ ሰማያዊ ማዕበል መንእሰያት፡ ነቲ ቅሂሙ ዝመስል፡ ኣብ ደገ ዝነበረ ናይ ፍትሒ ቃልሲ፡ ከም ዝንህር ጌርዎ ኢዩ። ሓቂ ክሰምዕ ዝሕርብቶ፡ ክውንነት ክርኢ ዝጽልምቶ ሰብ ደኣ ኣሎ ኮይኑ እምበር፡ ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ክነግስን፡ እዚ ንኤርትራ ከም መንደዓት ኣብ ሕቖኣ ተጻዒኑ ዘሎ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ክእለን፡ ዘይደልን ዘይምነይን ኤርትራዊ ፍጹም የለን። እንተሎ ግን፡ ብርግጽ ኤርትራዊ ኣይኮነን።
መንቀሊ ጽሑፍና፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ የዋህ ኤርትራዊ ከይጋገ እምበር፡ እቶም ናይ ውሻጠስ ኩሉ ኢና እንፈልጦ። “መስራቲ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንኤርትራ ኣትዩ” ዝብል ዜና፡ ካብ ኤርትራ ክጋዋሕ ምስማዕና ከኣ፡ ንዕብየት ምንቅስቓስ ይኣክል ዘጉልሕ፡ ነቶም ነዳያት ከኣ ምስ ግዜ ዘልምስ፡ ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ ዜና ኢዩ። ንምዃኑ፡ ምንቅስቓስ ይኣክል መስራቲ ዝበሃል ውልቀ-ሰብ ይኹን ጉጅለ ኣለዎ`ድዩ፧ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ኣብ ዓሰርተ ሓደ ሃገራት ዓለም፡ ብናይ መዓልታት ፍልልይ፡ ብህዝቢ ዝተመስረተ ማዕበል ምዃኑ፡ ኣይኮነን እቶም “መስረቲ” ዝተባህሉ፡ እቶም “መስራቲ” ዝበሉ እኳ ኣዳዕዲዖም ዝፈልጥዎ፡ ጋህ ዝበለ ሓቂ ኢዩ።
እቲ ዘገርም፡ እቶም ንምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ናይ ኣዋርሕ ዕድሚኡ ዝገደፍዎ፡ “መስረቲ ይኣክል ኔርና” ኢሎም ክጅሃሩ ምስማዕና ኢዩ። “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉለይ በለ” ካብ ምባል ሓሊፍና፡ ካልእ ንብሎም የብልናን። ወዮ ደኣ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ምሕረት ሕማቓት ተዋሳእቲ ወዲቓ እምበር፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ዘልዓሎ ዕላማን ጭርሖን፡ እቶም ኣብ ጎዳጉዲ ዔላዔሮን ማእለያ ዘይብሉ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራን ዘለዉን ዝሓለፉን፡ ዘልዓልዎ ዕላማን ጭርሖን ኢዩ ደጊሙ። ስለዚ፡ ምጥፋእ ወይ ምንቁልቋል ምንቅስቓስ ይኣክል ምምናይ፡ ምኽሓድ ናይቶም ስለ ፍትሕን ምዕባለን ሃገርና ኤርትራ ክብሉ፡ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኤርትራ ሂወቶም ዝበጀዉ፡ ኣሸሓት ደቂ ህዝቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ካልእ ክወሃቦ ዝከኣል ትርጉም የልቦን።
ስለምንታይ ግን ኤርትራ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ንኤርትራ ዘይምጥን ናይ ቃላት ዳርባ ወዲቓ፧ እቲ እንኮን፡ ኣብ ታሪኽና ናይ መጀመርታን ዝኾነ፡ ብህዝቢ ዝቖመ ምንቅስቓስ ይኣክል እንድሕር ተጸይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ክገብር ኢዩ ዝድለ ዘሎ፧ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ስለ ፍትሒ እምበር፡ ስለ ስልጣን ንሓንቲ መዓልቲ እኳ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን። እዚ ዕላማ እዚ፡ ክሳብ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ ምዃኑ ከኣ፡ እቶም “መስረቲ ኢና” በሃልትን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ይፈልጥ።
እታ ንዓመታት “ኣብ ኤርትራ ፍትሒ የለን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብዘይወዓል ሕደር ክእለ ኣለዎ” ኢላ ኣብ ጎደናታት ኣመሪካ እትጭርሕ ዝነበረት ነዋሕ መልሓስ፡ ሎሚ፡ ኣብታ ብፍታው ውልቀ-መላኺ በሪሳ ዘላ ከተማና ባጽዕ ተኾይጣ፡ “ይኣክል መይቱ ኢዩ” እንተበለት መን ክኣምና ይኽእል፧ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ መሸፈኒ ጥልመት ውሑዳት ሰብ ግዜ ክኸውን ዘፍቅድ ደላዪ ፍትሒ የለን።
እተን ይሕስዋ ከምዘለዋ ጽቡቕ ጌረን ዝፈልጣ ክልተ መልሓስ፡ ድሕሪ 34 ናይ ንድየት ዓመታት፡ ነቲ ብሂወት ዘየሎ ህዝባዊ ግንባር፡ ቀላሲ ናይ ለውጢ ክገብርኦ እውን ፈቲነን ኢየን። ህዝባዊ ግንባር እቱው ከይበለ ሓድሕድ ተበላሊዑ፡ ቆርበት ጥራይ ተሪፍሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ “ንሱ ጥራይ ኢዩ ባሕሪ ዘስግረና” ኢለን ክምጉታ ከኣ ተሰሚዐን። “ኣየናይ ህዝባዊ ግንባር” ዝብል ሓታቲ ደኣ ኣይረኸባን እምበር፡ እዚ ዘረባ እዚ፡ ኣይኮነን ንኣባላት ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ፡ ንጓና እኳ ከእምን ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ ንሳተን “ህዝባዊ ግንባር” ዝብልኦ ዘለዋ ዘየሎ ባእታ፡ ኣይኮነን ባሕሪ ከሳግር፡ ነቲ ተጻይ ህዝባዊ ግንባር ዝኾነ፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዝሰፈረ ውልቀ-መላኺ እኳ፡ ዕድሚኡ ከሕጽር ኣይከኣለን። እቲ ዝላሕለሐት ጋቢ ተጎልቢቡ፡ ባሕሪ ከስግር ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ናይ ዓዋሉ ዕስለ፡ ባሕሪ ከስግር ይኽእል ኔሩ እንትዝኸውን፡ ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት መን ኢዱ ሒዝዎ፧
ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ሕጂ`ውን ከምቲ ዝጀመሮ፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ስርዓት ከይተተኽለ፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ካብ ሸላታት ህግደፍ ከይወጹ፡ ዶብ ኤርትራ ብንጹር ከይተሓንጸጸ፡ ኢዱ ክህብ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ንፍትሒ እምበር፡ ንላግጺ ክብል ኣይተመስረተን።
ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
27/01/2025