8.8 C
London
Wednesday, April 24, 2024

Buy now

spot_img

ጋዜጣዊ መግለጺ – ኲናት ዘላደዮ ህዝቢ፡ ንሰላም እምበር፡ ንኲናት ኣይህንደድን ኢዩ።

ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ፡ ሕሉፍ ስዕረቱ ንምሽፋን፡ ሕጂውን ንሳልሳይ ዙር፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ኲናት ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ኩናት’ዚ ቅድሚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንሓያለ ዓመታት ክኸይድ ዝጸነሐን ዝቕጽል ዘሎን ኢዩ። ከም ዝፍለጥ ቅልውላው ኢትዮጵያ ብባርኾትን ኢድ ኣእታውነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሃንዳሲ ተራ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ገባቲ ስርዓቱን ኣቢሉ፡ ንህዝብናን ሃገርናን ክጸሉ ካብ ዝጅምር ድሮ 2 ዓመቱ ሒዙ ኣሎ።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ነዚ ዘይቅዱስ ተግባር ኣብ እዋኑ ዓገብ ኢሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሉ ማሕበረ-ሰብ ዓለም እውን፡ እዚ ተግባር እዚ ብህጹጽ ክኹነን ምሕጽንትኡ ብጽሑፍ ኣቕሪቡ ኢዩ። እቲ ብድፍኢት ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ካብ መሬት ትግራይ ወጺኡ ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ፡ ዳግማይ ኣብዚ ብውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝፍለጥ ኲናት ምእታዊ ከኣ ክሳብ ክንደይ ቀይዲ በተኽ ዝኾነ ገባቲ ስርዓት ምዃኑ ዘንጸባርቕ ኢዩ።

ኩሉ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ከም ዝፈልጦ፡ እዚ ኣብ መላእ ኤርትራ ክካየድ ዝወርሐ ግፋ፡ ምውራስ ንብረትን ጥሪትን ምምዝንባል ሽማግለታትን ህጻውንትን ኣኸቲሉ ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ህዝቢ ካብ ገዛውቱ ወጺኡ ኣብ በረኻታት ተዛሕዚሑ ኣሎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ምንግልታዕን ምምዝባልን ብዓንደ ርእሱ፡ ንመንእሰያት ለቒምካ ኣብዚ ዘይፍትሓዊ ኲናት ንምጥባሶም ኢዩ። ስለ`ዚ እዚ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ንህዝቢ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ ንህዝቢ ኤርትራ እውን ግዳይ ጌርዎ ኣሎ።

እዚ ግፋ’ዚ ንመንእሰያት ጥራይ ዝዓለመ ኣይኮነን። ኩሎም ብጥዕናን ብስንክልናን ምኽንያት ካብ ሰራዊት ተሰናቢቶም ዝጸንሑን ካብ 60 ንላዕሊ ዝዕድሜኦምን እውን፡ “ብስም ዕቑር  ሰራዊት” ኣብ ከተማታት ኣዕጢቕዎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንኹሎም ኣገዲዱ ናብ ቅድመ ግንባር ክወፍሩ እዚ ገባቲ ስርዓት ኣዚዙ ኣሎ። እቲ ኣብ ሲቪላዊ ስራሕ ዝርከብ ከም ፖሊስን ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛን እውን ከይተረፈ፡ ናብ ቅድመ ግንባር ክኸይድ ተኣዚዙ ኣሎ።

በቲ ካልእ ወገን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብለይትን ቀትርን ብመካይን፡ ኣውቶቡሳትን ነፈርትን ናብ ኤርትራ ይኣትዉ ከም ዘለዉ ናይ ጎደና ምስጢር ኢዩ።  ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብዘይካቲ ኣብ ህዝብና ክፈጥርዎ ዝኽእሉ ቁጠባውን ስነ ኣእምሮኣውን ጸቕጢ፡ ድሕሪ “ምውዳእ ናይዚ ኩናት” ኣብ ልዑላውነት ሃገርና ኤርትራ ክፈጥሮ ዝኽእል ስግኣት እውን ቀሊል ኣይክኸውንን ኢዩ።

ስርዓት ህግደፍ ናይ ኢትዮጵያ ወታሃደራት ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ኤርትራ ኣስፊሩ ዘሎ። እቶም ቅድሚ ሕጂ ንስልጠና ኢሎም ዝኸዱ ብወግዒ ዝእመነሎም 5000 ሶማላያውያን’ውን፡ ገና ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኢዮም ዘለው። እዚ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎ ናይ ሶማልያ ሓይሊ፡ ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ነየናይ ጸግዒ ኢዩ ክወስድ ዛጊት ዝፍለጥ የለን። ይኹን እምበር ንኤርትራ ሓደጋ ወይ ስግኣት ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ ከምጽኦ ዝኽእል መስተርሆት የለን።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓኣ ይኣክል እምበኣር ንካልኣይ ግዜ ነዚ ኢሳያሳዊ ወራር ኣትሪሩ ይኹንን። ብምኽንያት ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይን፡ ምምዝንባል ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብናን፡ ንህዝቢኤርትራን ዓለምን ነዞም ዝስዕቡ ጻውዒትን ምሕጽንታን የቕርብ።

  1. ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ትነብር ዘለኻ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዝርአ ዘሎ እከይ ተግባራት ናይዚ ገባቲ ስርዓት፡ ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናትን፡ ልዑላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ከእቱን ተዓጢቑ ከምዘሎ ዘርኢ ዓቢ ምልክት ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብዚ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ዝዓቢ ሽግር ከሕልፍ ዝከኣል ኣይኮነን። ነዚ ኩነታት’ዚ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሸነኽ ሃሊኻ ብዘይ ግብረ መልሲ ስቕ ኢልካ ክትሓልፎ ከኣ ከቢድ ዕዳ ዘሰክም ኢዩ። እዚ ንሕጂ ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ ወለዶታት’ዉን ክፉእ ስምብራት ዝሓድግ ኢሳያሳዊ ምትኹታኽን፡ ናይ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ወራርን ብዓውታ ክትኩንኖ ንጽውዕ።
  2. ዝኸበርካ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሃገርካ ዘለካ ክቱር ፍቅሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልሲ ዕድሜኻን ድሕሪ ምሕራር መላእ ሃገርካን ብግብሪ ኣረጋጊጽካዮ ኢኻ። ክትከፍሎ ዘይግባኣካ ዋጋ፡ ብስም ዶባትካ ተወሪሩ፡ መንእሰያትካ ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም ኣሻሓት ክቕዘፉ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ርኢኻ ኢኻ። ጣዕሳ ናይቶም ጀመርቲ ኲናት`ሲ ይትረፍ፡ ካሕሳ ናይቶም ብሕሰም ናብራ ዘዕበኻዮም ደቅኻ እኳ ኣይረኸብካን። ሕጂ`ውን ንሳልሳይ ግዜ፡ ደቅኻ ካብ ሕቑፎኻ ክምንጥሉኻ ይጓየዩ ኣለዉ። እምቢ እትብለሉ ሕጂ ኢዩ`ሞ እምቢ ክትብል ንጽውዕ። ኣብ ኩሉ እትገብሮ ምንቅስቓስ ከኣ ኣብ ጎንኻ ምዃና ብኽብሪ ንምሕጸን።
  3. ዝኸበርኩም ላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ኣንጻላልዩ ዘሎ ሓደጋ፡ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ዝልክም እምበር ሌላን ጉሌላን ዝገብር ኣይኮነን። ነቲ ዝተጋደልኩሙሉ ዕላማን መጻኢ ወለዶን ክትብሉ፡ ነቲ ንልዕሊ 30 ዓመት መሰልኩምን መሰል መላእ ህዝቢ ኤርትራን ረጊጹ ዘሎ ናይ ሓደ ሰብ ስርዓት በዲህኩም ተለዓሉ። ንህዝብኹምን ሃገርኩምን፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ርሁው መጻኢኦም ኣብ ሓደጋ ኣትዩ፡ ንጥፍኣት ተዳልዮም ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ክትብሉ፡ ታሪኽ ክትሰርሑን ኣይፋል ንውልቀ-ምልካዊ ገባቲ ስርዓት ክትብሉን ዓለምለኻዊ ይኣክል ይምሕጸን።
  4. ዝኸበርኩም ኣባላት ሰራዊትን ፖሊስን ኤርትራ፡ ኣብ ዕሸል ዕድሜኹም፡ ብዘይ ፍታውኩም፡ ኣብዚ ዕስክርና ከም እተጸመድኩም ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር፡ እዚ ገባቲ ስርዓት ንመጋበርያ ናይ ዕንደራ ሸውሃቱ ክብል ክቡር ደምኩምን ሂወትኩምን ክትከፍሉ ይሓተኩም ኣሎ። እቲ ትማሊ፡ ድሕሪ ጥፍኣት ልዕሊ 150 ሽሕ ኤርትራውያን “ኣይከሰርናን” ዝበለ ገባቲ ስርዓት፡ ሕጂ እውን ሂወትኩምን መጻኢኹምን ንምጥፋእ ድሕር ኣይክብልን ኢዩ። ምእንቲ እቲ ንዓመታት ጨቐቕ ኢሉ ዘዕበየኩም ወላድን መጻኢ ደቅኹምን ብሓባር ኣይፋል ንጥፍኣት ኢልኩም ደው ክትብሉ ሕጂ እውን ከም ኩሉ ግዜ ንጽውዕ። ከም ወትሩ ከኣ ኣብ ጎንኹም ከምዘለና ኣትሪርና ንምሕጸን።
  5. ዝኸበርኩም ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ተቓለስቲ ኤርትራውያን፡ እዚ ንኤርትራ ኣንጸላልይዋ ዘሎ ናይ ኲናት ደበና ንልዑላውነት ኤርትራ እውን ኣብ ሐደጋ ከም ዘእቱ ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንዓመታት ስለ ሰላምን ዲሞክራስን ካብ ምዝማር ዓዲ ውዒልኩም ኣይትፈልጡን። ይኹን እምበር፡ ሰኣን ግብራዊ ውደባ፡ ህዝብና ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ኮፍ ኢልና ንዕዘብ ኣለና። ዓመት መጸ ውድባትን ሰልፍታትን ካብ ምጭጫሕ ክንቦክር፡ እቲ ነዛ ሃገር ንዓመታት ጅሆ ሒዝዋ ዘሎ ስርዓት ብእዋኑ ካብ ሱሩ ተማሕዩ ክእለ ክንጽዕርን ናይ ሓባር ውዳበ ፈጢርና ንቕድሚት ክንጥምትን ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ደጊሙ ይጽውዕ።
  1. ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ነዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ፡ ማእዝኑ ዝሰሓተ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቀውሲ ብኣትክሮ ክጥምቶን ኩሎም እቶም ነዚ ግጭት ዘሳስዩ ዘለዉ ወገናት ካብዚ እከይ ግብሪ ክቑጠቡን ግቡእ እጃሙ ከበርክት ንጽውዕ። ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ቁጠባዊ ድኽነት ብኣጋ ክወጽእ፡ ሰብኣዊ ሓገዞም ከበርክቱ ከኣ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣትሪሩ ይምሕጸን።

ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
22 መስከረም 2022

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,540SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles