3.9 C
London
Saturday, April 20, 2024

Buy now

spot_img

ጋዜጣዊ መግለጺ – መልእኽቲ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ድሕሪ እቲ “ብውዕል ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ” ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ኣብ መንጎ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን መራሒ ብልጽግና ዝኾነ ኣብይ ኣሕመድን ዝተገብረ ሕቡእ ውዕል፡ ኢትዮጵያ ትኹን ኤርትራ ኣብ ናይ ኩናት ሃዋሁ ኢየን ተጸሚደን ኣሕሊፈነኦ። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 9 ኣዋርሕ ድማ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ትግራይን ሓይልታት ምክልኻል ፈደረላዊት ኢትዮጵያን ብዙሕ ሂወት ዝበለዐ ኩናት ተባሪዑ ኢዩ። ብኡ ንብኡ፡ እቲ ብህግደፍ ዝምራሕ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዘይምልከቶ ኩናት ኣትዩ፡ ሂወት ኣሻሓት ኤርትራውያን ንከንቱ ከም ዝጠፍእ ጌሩ ኢዩ። ንድሕሪት ተመሊስካ እምበኣር፡ እቲ ኣብ 2018፡ ናይ ሰላም ውዕል ተባሂሉ ፌርማ ዝተቐመጠሉ ወረቐት፡ ናይ ኩናት ውዕል ምንባሩ ተጋሂዱ ኣሎ። ኩናት፡ መጀመርያ ነቲ ኣብቲ ኩናት ዝኣቱ ምስኪን ሰራዊት፡ ቀጺሉ ከኣ ንህዝቢ ናይ ክልቲኡ ወገን ለኪሙ ኢዩ ዝጠፍእ። ስለዚ ቅድሚ ኹሉ ሂወት ገዛእ ነብሱ፡ ቀጺሉ ከኣ ድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ዘድሕን፡ እቲ ብሓይልታት ምክልኻል ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰራዊት ናይተን ሃገራት ኢዩ። ንሕና፡ ከም ናይ ኤርትራ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ መልእኽትና ብቐጻሊ ነቲ ሃገር ክከላኸል ዝቖመ ሰራዊት ኤርትራ ምቕንዑ ከኣ ዘገርም ኣይኮነን።

ከምዝፍለጥ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መንጎ ክሊ ዕድመ 18ን 80ን ኢዩ። ይኹን እምበር እቲ ኣብዚ ሕጂ ዝጥጃእ ዘሎ ኩናት ዋጋ ዝኸፍል እቲ ትሕቲ 30 ዝኾነ ኣባል ሰራዊት ኤርትራ ኢዩ። መልእኽትና ከኣ ንዕኡ ኢዩ። እዚ ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዘሎ ኢዩ እምበኣር ሕጂ ነቲ ኣቦታቱን ኣያታቱን ዝሓለፍዎ መሪር ናይ ኩናት በሰለ ክደግም ኣብ ተጠንቀቕ ዝርከብ ዘሎ። ንሕና፡ እዞም ሎሚ ይኣክል ንብል ዘለና፡ መብዛሕትና፡ ኣብቲ ትማሊ ብግንቦት 1998 ብዘይንፈልጦ ምኽንያት ኣብ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ተጠቢስና ዝሰንከልናን ዝደመናን ዝተሰደድናን ኢና። እቲ “ብወያነ ተጀሚሩ” ዝተበሃለና ኩናት፡ ብሓደ ናትና እንብሎ ሓደ ውልቀ-ሰብ ከም ዝተጀመረ ዓለም ብዓውታ ፍርዳ ሂባትና ኢያ። ስለዚ፡ ስለምንታይ ንከንቱ ግዜናን ሂወትናን ከም ዝጠፈአ ክሳብ ለይተ ሎሚ መልሲ ዝሃበና በዓል ስልጣን ይኹን መራሒ ሃገር ኣይተረኽበን። እቶም ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ፡ ልዕሊ 40 ሽሕ ትንፋስ ዝበለዐ ኩናት ክግምገምን፡ ጠንቂ ናይቲ ኩናት ክምርመርን ዝሓተቱ ኣቦታትናን ኣያታትናን ኣዴታትናን ኣሓትናን ኣብ ማሕዩር ተዳጒኖም ይሓቁ ኣለዉ። ከም ሳዕቤኑ፡ ሃገር ዋና ስኢና፡ ኣደዳ ማእሰርትን መግረፍትን ኮይንና ንስደት ኢና ኣምሪሕና። እታ “ካብ ባዕዲ ተኸላኺልናላ” ዝበልናያ ሃገር፡ ሰኣን ግቡእ ምሕደራ ደቃ ተፊኣ ብሕሱም ትሳቀ ኣላ።

ሕጂ፡ ድሕሪ ናይ 21 ናይ ስቓይ ዓመታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ኤርትራ ንሳልሳይ ግዜ ዋጋ ክኸፍል ይሕተት ኣሎ። እቶም ትማሊ ወያነ መጺእኩም ኢሎም ዘዋጉኡና፡ እቶም ትማሊ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርቲ ዘሳቐዩና፡ እቶም ትማሊ ኣብ ምሕረት ራሻይዳን በደዊንን ኣውዲቖም ብገንዘብ ዝሸጡና፡ እቶም ትማሊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክንጥሕል ከለና ኤርትራውያን ኣይኮኑን ዝበሉና፡ ሎሚ ሂወቶምን ሂወት ደቆምን ከድሕኑ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ዘይጠፍእ ኩናት ክጸምዱኻ ሃነፍነፍ ይብሉ ኣለዉ።

እዞም ሕጂ ዘየለ ጸላኢ ክፈጥሩልካ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ዘለዉ፡ ሰብ ረሳዒ ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ ኢዮም ከይሓፈሩ “ወያነ ከይጠፈአ ድቃስ የብልካን” ዝብሉኻ ዘለዉ። ኣብ ኩናት ትግራይ ኣቲኻ ወያነ ዘይኮነ ህዝቢ ትግራይ ከም ዝጎዳእካ ክትፈልጥ ይግባእ። ሎሚ፡ እዞም ማሕበረ ሰብ ዓለም ሽም ጸዊዑ ብገበን ዝኸሶም ዘለዉ “መራሕትኻ”፡ ጽባሕ ዝጠፈአ ምስ ጠፈአ ወይ ገዲፎምኻ ክጠፍኡ ኢዮም ወይ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ኢዮም። ስለዚ ዜሩ ዜሩ እቲ ጥፍኣት ኣብ ልዕሌኻን እተፍቅሮ ህዝብኻን እምበር ኣብ ልዕሌኦም ኣይኮነን።

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ኣቲኻ ገበን ንክትፍጽም ዝደፉኡኻ፡ ሕጂውን ንካልኣይ ግዜ ገበን ምእንቲ ክትፍጽም ጽልኢ ክምህሩኻ ኢዮም። ኣብ ተለቪዥናቶምን ሰሚናራትን “ወያነ ንኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ዕሩቕ ዝባኖም ሰጒጉ” ክብሉኻ ኢዮም። ንስኹም’ከ ነቶም ዝተሰጉ እንታይ ጌርክምሎም በሎም። “ወያነ መቓብር ስዉኣት ፊሒሮም” ክብሉኻ ኢዮም። ንስኹም’ከ ንደቂ ስዉኣት እንታይ ጌርክሙሎም በሎም። “ወያነ ዓባይ ሰበይቲ ተጋሲሶም” ክብሉኻ ኢዮም። ንስኹም’ከ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኣሕዋትና እንታይ ጌርኩም በሎም። ን20 ዓመታት ጽልኢ ክኹስኩሱ እምበር ሃገር ክሃንጹ ከምዘይሕለፍዎ ኣዳዕዲዕካ ትፈልጥ ኢኻ’ሞ “እምቢ ንኲናት!” በል።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኤርትራ ንመበል 34 ዙርያ ሰራዊት ከምዘሰልጠነትን ንዕኡ ንምጽምባል ዝተገብረ ፈንጠዝያን ብዓይንኻ ርኢኻዮ ኢኻ። ድሕር`ቲ ኣብ 2000 ዝተወደአ ኩናት ኢትዮ-ኢርትራ ጥራሕ 25 ዙርያታት ሓሊፎም ኣለዉ። እቶም ኣብዚ ገደብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ዕስክርና ተጸሚዶም ብዘይ ተስፋ ዝባኸኑ ልዕሊ 510 ሽሕ መንእሰያት ኣበይ ኣለዉ ኢልካ ሕተት። ሃገር ብጀካ ኣብ ተለቭዥን ኣብ መሬት ክትለምዕ ኣይረኣኻን። ስድራ ቤትካ ብስእነት ሕክምና በብሓደ ኣብ ዘይዕድሚኦም ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ንስኻ ትፈልጥ። ደቅኻን ኣሕዋትካን ብዋጋ ናህርን ስእነት ቀረብን ብጥሜት ይማስኑ ከም ዘለዉ ልዕሊ ኹሉ ንስኻ ትፈልጥ። ናይ ትምህርቲ ዕድሜኻ ንብላሽ ባኺኑ መጻኢ ሂወትካ ኣብ ጸልማት ኣትዩ ከም ዘሎ ልዕሊ ኹሉ ንስኻ ትፈልጥ። እዞም ሕጂ፡ ብኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባር ዝኽሰሱ ዘለዉ፡ ከም በዓል ጀነራል ፍሊጶስን ብርጌደር ጀነራል ኣብራሃ ካሳን ናትካ ሂወት ኣይዓጦምን ኢዩ። ዝዓጦም ኔሩ እንተዝኸውን ናብ ዘይምልከተካ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ክትኣቱ ከለኻ፡ ዓገብ ክብሉልካ ምተገበኣ። ተመን ኣብ እግርኻ በትሪ ከኣ ኣብ ኢድካ ኢዩ`ሞ፡ ሂወትካን ድሕነት ህዝብኻን ሃገርካን ክትሕሉ ኣፈሙዝካ ናብኣቶም ኣቕንዓዮ። ግዜ ምስ ሓለፈ ምጥዓስ ዋጋ ከም ዘይብሉ፡ ካብ ኣቦታትካን ኣባሓጎታትካን ተመሃር።

ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
26/08/2021

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,540SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles