6.1 C
London
Wednesday, April 24, 2024

Buy now

spot_img

ጋዜጣዊ መግለጺ፡- ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ነቲ ብዕለት 2 ሕዳር 2022፡ ኣብ መንጎ ፈደረላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወያነ ሓርነት ትግራይን፡ ኣብ ፕሪቶሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ዘለዎ ደገፍ ይገልጽ። ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንድሕነትን ሰላምን ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ግምት ዘእተወ ብምዃኑ፡ ዓንቀጻቱ፡ በቲ ተኣሚምዎ ዘሎ ናይ ግዜ መቓን፡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘለዎ ተስፋ፡ ልዑል ምዃኑ የስምር።

እቲ ኣብ መጀመርታ ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኩናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ልክዕ ኣብ ክልተ ዓመት ዕድሜኡ እነሆ  ኣብ 2 ሕዳር 2022 “ንድፊ ውዑል ንዘላቒ ሰላምን ነባሪ ደው ምባል ተጻብኦታትን” ብዝብል ስምምዕ ተዛዚሙ ኣሎ። ካብዚ ንድፊ ውዑል’ዚ ብምብጋስ ብዙሓት ናይ ብሓቒ ደለይቲ ሰላም ጥራይ ዘይኮኑ፣ እቶም ደገፍቲ ኩናት ኮይኖም ዝጸንሑውን “ዮሃና” ክብሉ ይስምዑ ኣለው። እዚ ናይ ሰላም ውዑል’ዚ ንድፊ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብትሕዝቶኡ ትጽቢት ዘይተገብረሎም ኣገደስቲ ሕቶታት ዘስፈረ፣ ኣብ ግብሪ ንክውዕል ከጋጥሙ ዝኽእሉ ዕንቅፋታት ቀለልቲ ዘይምዃኖምን፣ ክወስዶ ዝኽእል ግዜ ሓጺር ክኸውን ከምዘይኮነን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ናብ ጥርጣሬን ስክፍታን ዝእንፍት ስምዒት ኣስፊሩ ይርከብ። መስርሕ ሰላም ነዊሕን ሕልኽልኽ ዝመልኦን ብምዃኑ፣ ኣብዚ መድርኽ’ዚ ብኣዎንታ ይኹን ብኣሉታ ደምዳሚ ሚዛን ምስፋር ዝከኣል ኣይኮነን።

ዋላ’ውን ኣብ ግብሪ ከጋጥም ዝኽእል ጸገማትን ዕንቅፋታትን እንተሃለወ፡ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም፡ ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ዓለምለኻዊ  ምንቅስቓስ  ይኣክል ኤርትራውያን፡ ካብዚ ኣረዳድኣ’ዚ ብምብጋስ፡ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ ምሉእ ደገፉ ከስምዕን፡ ዓቕሙ ብዝፈቕዶ ብቀጻሊ ክጉስጉስን ከምዝኾነ ይገልጽ።

ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ እዚ ኩናት’ዚ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ደጋጊሙ ክቃወሞን ክኹንኖን ጸኒሑ ኢዩ። ስለዝኾነ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፣

  1. ኩናት፡ ህልቂት ሂወት ወዲ ሰብን፣ ዕንወት ንብረትን ትካላትን ዘስዕብ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ክኹንንን፡ ብዘተ ክፍታሕ ከምዘለዎን ክጽውዕ ጸኒሑ ኢዩ።
  2. ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸነሐ ኲናት፡ ንኤርትራ ዘይምልከት ኩናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብኣጋ ክወጽእ ከምዘለዎ ክሓትት ጸኒሑን ኣሎን።
  3. ኣብ ኣህጉራዊ ውዑላት ዝተሰረተ፡ ልኡላውነትን ረብሓን ሃገር ዘውሓሰ፡ ንህዝቢ ዘቐደመ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን፡ ንሰላምን መጻእን ዝጠመተ ተበግሶታትን ከሰላስል ጸኒሑ ኣሎ።

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብምግባሩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን ኣባላቱ ዝወረደ ጸለመን፡ ኣንጻሩ ዝተኻየደ ዘመተን፡ ብትዕግስትን ብዘይ ተርባጽን፡ ተጻባኢ መልሲ ከይሃበን ተጻባኢ መርገጽ ከይወሰደን፡ ንኹሉ ብድሆታት ብግብራዊ ስራሕ ክሰግሮ ጸኒሑ ኢዩ። ብሕጂ’ውን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ንቃልሲ ዘይምጥን ምምልላስ ኣቲዩ፡ ኣብ ሃልኪ ዝኣትወሉ መንፈስን ኣተሓሳስባን ኣይክህልዎን እዩ።

ብመሰረቱ፡ እዚ ኩናት’ዚ ናይ ኣሽሓት ህዝቢ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት፡ ሂወት ከይቀዘፈ፣ ብቢልዮናት ዝትመን ሃብትን ንብረትን ከየብረሰ፣ ናይ ኣሽሓት ስንክልና ከየኸተለን፣ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ከቢድ ስቓይን ጸበባን ከየውደቐን እንከሎ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክርከበሉ ዝግባእ ከምዝነበረ፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን ብእዋኑ ገሊጹ ኢዩ። መሰረታዊ እምነት ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ካብ ኩናት ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ረብሓ ከምዘየለን፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ከኣ፡ ኣንጻር ኲናት ደው ምባልን ኢዩ። እዚ እምነት`ዚ፡ ሰብኣዊ ግዴታ ናይ ነፍስ-ወከፍ ፍጡር ወዲ ሰብ ብምዃኑ ክሰዓብ እምበር ክጽየን ግቡእ ኣይነበረን።

እዚ ኲናት’ዚ፡ ዕድመን ስልጣንን መራሕቲ ንምንዋሕን ንምድልዳልን፡ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናተዋህቦ፡ ካብ ፖለቲካዊ ፍታሕ ብምርሓቕ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን። ነዚ ብምምዝማዝ’ውን ስርዓት ህግደፍ፡ ንሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ’ውን ብምእታው፡ ቀላሲ ናይቲ ዝካየድ ዝነበረ ኩናትን ወተሃደራዊ ስትራተጂን ኮይኑን ጸኒሑን ኢዩ። ክሳብ ለይቲ ሎሚ ከኣ ምሉእ ብምሉእ፡ ብጋህዲ ብምስታፍ ኣዕናዊ ተራ ይጻወት ምህላዉ ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። ኣብዚ ጌና ዝካየድ ዘሎ ኣህላቒ ኩናት፡ ጸብጻቡ ዘይፍለጥ ዝጠፍአ ሂወትን ዝበረሰ ሃብትን ኤርትራ’ውን ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ።

ኣብዚ፡ ብኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ናይ ግድን ክለዓል ዘለዎ ኣገዳሲ ሕቶ እንተሎ፡ እዚ ናይ ሰላም ስምምዕ’ዚ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ሰላም ንፋስ ከምጽኣሉ`ዶ ይኸውን ዝብል እዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ዘይምኽኑይን፡ እንትርፎ ሞትን ዕንወትን ረብሓ ዘይርከቦን ኲናት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኣስገዳድ፡ ኣብ ዘይደልዮ ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ሃዋሁ ክሽመም ከምዝተገብረ ርዱእ’ዩ። ስለዚ፡ ሰላም ኣብ ኤርትራ ክሰፍን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ንዘሎ ርኡይ ጸገም ብምትኳር፡ ናይ ገዛእ ርእስና ሓባራዊ ቃልስን ጻዕርን ከይተሓወሶ፡ ለውጢ ይኹን ዘላቒ ሰላም ክመጽእ ከምዘይክእል፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን ይኣምን።

እዚ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ንኤርትራ ከም ሃገር ይኹን ከም ተሳታፊት ናይቲ ኲናት፡ ብቐጥታ ዝጠቅስ’ኳ እንተዘይኮነ፣ ብተዘዋዋሪ ግን፡ ኣብ ዓንቀጽ 3 (2)፣ ኣብ ዓንቀጽ 7 (1) (a) ከምኡ’ውን ኣብ ዓንቀጽ 8 (1)ን (2)ን ሰፊሮም ካብ ዘለው ናይ ስምምዕ ዛዕባታት ገለ ኣንፈት ሂቦም ኣለዉ።

  1. ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋታት ይኹን ዘይምርግጋእን ንምፍጣር ዝግበር ፈተነን ናይ ምክልኻል፣
  1. ምሕላውን ምቑጽጻርን ኣህጉራዊ ዶብ፣ ልኡላውነትን ምሉእነት መሬት ይኹን ጸጥታ ሃገርን ምውሓስ፡ ሓላፍነት ሓይልታት ምክልኻል ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ከምዝኾነ የረጋግጽ።

እዚ ዓንቀጻት’ዚ ኣብ ሓደ ውሱን ጊዜ ናይቲ መስርሕ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእን፣ እቲ ብኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ውሳኔ ኣብ ባይታ ክረግእን ዘገድድ ነጥብታት ኢዩ። ስለዚ’ውን ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓቢ ብድሆ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ።

ነዚ ብምግንዛብ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እቶም ኣብ ዕግርግር እምበር ኣብ ሰላም ተረባሕቲ ዘይኮኑ ኢሳያስን ጉጅለኡን፡ “ወያኔ ከይጠፍአ ሰላም ኣይርከብን ኢዩ” ዝብል ዘይቅየር ናይ ህውከት መትከሎም ንምትርጓም ክጓየዩ ጀሚሮም ኣለው። እዚ ጉጅለ’ዚ ምስ ሰላምን ምርግጋእን ዘይቃዶ፣ ህልቂት ህዝብን ዕንወት ሃገርን ዘይዓጦ፣ ልኡላውነት ሃገር ዘየገድሶ ምዃኑ ደጋጊሙ ባዕሉ ዘረጋገጾ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋርን ንምፍርራሕን ዝጥቀመሉ ናይ ዶብ ሕቶን ልኡላውነት ሃገርን፡ ሕጂውን ኩናት ንምቕጻል ከሐድሶ ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ። ኣብዚ ናይ ሰላም መስርሕ’ዚ፡ እቲ ቀንዲ ናይ ሰላም ዕንቅፋት፡ ጉጅለ ኢሳያስን ጭፍርኡን ምዃኖም ብሩህ ክኸውን ይግባእ።

ስለዚ፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ብምኽንያት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡

  1. ብመስረት ኣህጉራዊ ውዕል፡ ዶባት ኤርትራ ክንጸርን ክሕንጸጽን ብርቱዕ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ክካይድ፣
  2. ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ጨሪሹ ክወጽእ፣
  3. እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ገበን ዝፈጸሙ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክቐርቡ ብጻዕቂ ክድፍኣሉ ይጽውዕ።

ህዝባዊነት ጽምዶ ሓደ ጸላኢ
ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ሕዳር 07 2022

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,540SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles