7.3 C
London
Tuesday, April 16, 2024

Buy now

spot_img

ጋዜጣዊ መግለጺ – ፍትሒ ንኣቦና ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ምስኦም ዝተሓየሩ ካህናትን

ህግደፍ፡ ንኹሉ እቲ ካቶለሊካዊት ቤተ ክርስትያን እትውንኖ ዝበሃል ትካላትን ንብረትን በብሓደ ክወርስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እነሆ ሎሚ ናብ ፍጹም ምሕቃቕ መራሕታ ተሰጋጊሩ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣቦና ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ፡ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፡ ቀዳም ንግሆ ዕለት 15 ጥቅምቲ፡ ካብ መገሸኦም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ ተመልሱ፡ ብኡንብኡ ብኣባላት ጸጥታ ኤርትራ ተተለቒሞም ከም እተወስዱ፡ ማዕከናት ዜና ዓለምን ናይ ኤርትራ ናይ ዜና ማዕከናትን ኣፍሊጠን ኣለዋ። ኣብዚ ዝተኻየደ መራሕቲ ካተሉካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ምድጓን መስርሕ፡ ኣባ ኣብርሃም፡ ካህን ማሕበር ካፑቺኒ ካብ ከተማ ተሰነይ፡ ንቆሞስ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚኪኤል ኣባ ምሕረትኣብ እስቲፋኖስ ካብ ሰገነይቲ እውን ምስኦም ተኣሲሮም ኣለዉ።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ እዚ ብስርዓት ህግደፍ ዝውሰድ ዘሎ ዓፈና፡ ጠጠው ክብልን፡ ኣቦና ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስን ካልኦትን ከኣ ብቕጽበት ክፍትሑን ጻውዒቱ የቕርብ። “ሰበስልጣን መንግስቲ” ንሃለዋት እዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ጳጳስን ምስኦም ተኣሲሮም ዘለዉ ካህናትን፡ ንዓለምን ህዝቢ ኤርትራን ከፍልጡን ንኹሉ ዝምልከቶ ኣካል ከኣ ዘድሊ ሓበሬታ ክህቡን ጸውዒቱ የቕርብ።

ካተሉካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ንነዊሕ እዋን ኣንጻር ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዓመጽ ናይ ምሙጋትን፡ በዚ ዓመጽ እዚ ንዝተሃስዩ ኣካላት ናይ ምድጋፍን ዝምባለ ዘለዋ፡ ንዓመታት ንፍትሒ ጠጠው ዝበለት ቤተክርስትያን ኢያ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ከኣ በቲ “ናይ ሃይማኖት ናጽነት ይሕሉ ኢየ” ዝብል ሃይማኖት ዘይብሉ ናይ ኣስመራ ስርዓት፡ ናይ ምፍርራሕ ደብዳበታት ክበጽሓን፡ ንብረታ ክራሰን ጸኒሑ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ እምበኣር፡ ነታ ከም “ዓንቃፊት” ኢሉ ክገልጻ ዝጸነሐ ካተሉካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ በብቕሩብ ከዳኽማ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ፡ ነቶም ኣብ ሽግራን ጸገም ህዝባን ድምጺ ዝኾንዋ ካህናታ ኣብ ምእሳር ተጸሚዱ ኣሎ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ

ኣብዚ ኣብ ዓለም፡ መራሕቲ ሃይማኖት ምእሳር ከም ዓቢ ገበን ዝቑጸረሉ ዘሎ ዘመን፡ ኣብ ኤርትራ መራሕቲ ሃይማኖት ምእሳር ከም ንቡር ክቑጸር ዘገርም ኢዩ። ኣቦና ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ፡ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፡ ከኣ ስለ ህዝቢ ስለ ዝተሓለቑ እምበር፡ ዝገበርዎ ቅንጣብ ጌጋ ከም ከምዘየሎ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ። ስለኦም ምምጓት ከኣ ስለ ነብስኻ ምምጓት ኢዩ። ኣቦና ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ተሓቢኦም ዝበልዎን ዝገበርዎን ነገር ፍጹም የለን። ኩሉ እቲ ዝበልዎን ዝገበርዎን ኣብ ቅርዓት ወጺኦም እምበር ተሓቢኦም ዝበልዎ ኣይኮነን። ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ ኣኣብ ሃገሩ ዘለዉ ናይ ሃይማኖት ትካላት ከይዱ ስምዕታ ከቕርብን፡ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት ብሓባር ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ጸቕጢ ክገብሩ ክጽዕርን ይጽውዕ።

ድሕሪ ምስጓግ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብቐጻሊ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መራሕቲ ክእሰሩን ክግፍዑን ጸኒሖም ኢዮም። እዚ ከኣ ኮነ ኢልካ ነቲ ድምጺ ክኸውን ዝኽእል ናይ ዓበይትን መራሕቲ ሃይማኖትን ድምጺ ንምዕባስ ተባሂሉ ኢዩ። ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ ኣንፈቱ ኣጥፊእሉ ዘሎ እዋን ከኣ፡ ኣድላይነት ናይዞም መራሕቲ ሃይማኖት እዚኣቶም ኣዝዩ ዕዙዝ ኢዩ። ሞራላዊ ሓላፍነት ዘይብሉ ስርዓት ሞራላዊ ሓላፍነት ዘይብሉ መንእሰይ ኢዩ ዘፍሪ።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ብማእሰርቲ ኣቦና፡ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ፡ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፡ ዘለዎ ክቱር ሻቕሎት እንዳገለጸ፡ ብዘይ ወዓል ሕደር ፍትሒ ረኺቦም ናብ ቦትኦም ክምለሱ፡ ኣትሪሩ ይምሕጸን። ኣቦናን ምስኦም ዝተሓየሩ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ክሳብ ፍትሒ ረኺቦም ናብ ንቡር ቦትኦም ዝምለሱ ድማ፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝከኣሎ ዘበለ ክገብር፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሉ ግዜ ጻውዒቱ የቕርብ።

ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ
23 ጥቅምቲ 2022

Stay Connected

16,400FansLike
745FollowersFollow
2,540SubscribersSubscribe
Prisoner of Consciencespot_img

Latest Articles