Current Twitter Campaign
ሕቶን መልስን ባዛዕባ ይኣክል
እቲ እዋን ኣኺሉ እዩ!!!! ይኣክል ኣብ ሓድሽ መድረኽ ቃልሲ
ፈላሚ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቕስቓስ ይኣክል፡
እምነ- ኩርናዕ ንዉሑስ ለውጢ
ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ካብ ዕለት 31 ሓምለ 2021 ክሳብ 01 ነሓሰ 2021 "ሳቮያ ንድሕነት ሃገር" ኣብ ትሕቲ ዝብል ገስጋሲ ቴማ ፈላሚ ጉባኤኡ ከካይድ'ዩ ።
10 ሃገራት ዝሓቖፈ ተበግሶ ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቕስቓስ ይኣክል ድሕሪ ብዙሕ ሓባራዊ ጻዕሪን ፡ ዘድሊ ምቅርራብን ፡ ነዚ መስራቲ ጉባኤኡ ንምቅናዕ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ'ሎ ።
እዚ ፈላሚ ጉባኤ ንዝበረኸ ናይ ቃልሲ መድረኽ ዘሰጋግሮ እምነ ኩርናዕ ምዃኑ ተገንዚቡ ፡ ህዝቢ ኣብዚ ጉባኤን ኪንዮ ጉባኤን ኣብ ዝህሉ ንጡፍ ገስጋሲ ቃልሲን ሱታፊኡን ከሐይልን ከበርኽን መጸዋዕታኡ ብኣኽብሮት የቕርብ !
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!
ህዝባውነት ፡ ጽምዶ ፡ ሓደ ጸላኢ !
ንሓርነት ብሓድነት፡
ፈላሚ ጉባኤ ናይ ለውጢ ትንሳኤ ብዓይነታ ምሕረታኣብ #Yiakl #Eritreaa
ምስ ተወከልቲ ትግራይ እትራኸብ ግዝያዊት ሓይሊ ዕማም ቆይማ።
--መግለጺ ዓ.ለኻዊ ተበግሶ ምንቅስቃስ ይኣክል
--ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ኣብ ሓድሽ ታሪኻዊ መድረኽ
እዋናውን ህጹጽን ዕላማ ይኣክል
ኣብዚ ናይ ህጹጽ እዋን፡ ምንቅስቓስ ዓለም-ለኻዊ ይኣክል፡ ባይቶታት 9-ሃገራት ጠርኒፉ፡
ብሓባር ምስ ኤርትራውያን ሓይልታት፡ ቀዳምነት “ድሕነት ሃገርን ህዝብን” ንዝብል ኣተሓሳስባ ብተግባር ኣሰንዩ፤
- ውሁድ ሃገራዊ ቃልሲ ኣንጻር "ሓደን ቀዳማይን ጸላኢ"
- ጽምዶታት ዲፕሎማስን ጥብቕናን፡ ከምኡ'ውን
- ህዝባዊ ጐስጓስን ሓበሬታን
ዝብሉ መደባት ብስሩዕን ሓላፍነታውን መገዲ ንምስልሳል ዓሊሙ ይርከብ።
ነዚ ኣብ ህዝብን ሃገርን ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕ፡ እናሻዕ'ውን እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋን፡ ብኽውንነት ንምግጣም ኣበርክቶ ህዝቢ ወሳኒ'ዩ። ስለዚ'ውን ነዚ ብኤርትራዊ ሓይሊ ተበጊሱ ብኤርትራውያን ንዝሰላሰሉ ንጥፈታት ንምዕዋት፡ ብመገዲ GoFundMe ዝግበር ናይ ሓገዝ ወፈያ፡ ተሳትፎኹምን ደገፍኩምን ይጠልብ።
ምንቅስቓስ ዓለም-ለኻዊ ይኣክል
global@eriyiakl.com
.........